ንምንታይ ቴዲ አፍሮ ?

Image copyright Teddy Afro/Facebook

ድሕሪ ክንደይ ውፃእ ወረድ ቅድም ክብል ንዕዳጋ ዘቐረበ ኣልበም ቴዲ ኣፈሮ፥ ሐዚ ውን ምረቓቱ አዓንቀፍቀፍ ይገጥሞ እሎ።

እቲ ጉዳይ ብፍላይ ኣብ ማሐዕበራዊ ሚድያ ኣነጋጋሪ ኾይኑ ዘቐፀለ እንትኻውን፥ እቲ ኣልበም ኣብ ዝሓለፈ ቅዳም ኣብ ሂልተን ሆቴል ክምረቕ ተባሂሉ እዩ ትልሚ ተታሒዙሉ ነይሩ።

ይኹን መብር ዋና ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኣግባብ፥ መእተዊ ካርዲ ዝተዓደሎም 1000 ዝኣኽኡ ዕዱማት ቴዲ ከምቲዘሓሰብዎ፥ ኣብ ምርቓት ኣልበም ኣይወዓሉን።

ኢትዮጵያ ብዝብል ዝፍለጥ ኣልበም ቴዲ ኣሐታሚን መዳለዊን ከምኡ ድማ ኣከፋፋሊ ዝኾነ ጆይስ ኤቨንትስ ሄኖክ ተፈራ ፥ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ቃለመሐትት፥ ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ገንዘብ እቲ ምርቓት ምከዕንየዓት ብምግባር ወዓፀኢ ምግባሩ ነቲ ጋዜጠነዓ ገሊፁሉ።

እቲ ሮግራም ብፖሊሰ ዘተቛዓረፀ እንተኾን 'ኳ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ዝምልስ መንግስቲ ኣካል ኣየተረኸበን።

ፖሊስ ዘቕረቦ መክንያያት ናይ ኣብቲ ምርቓት ከጋጥም ዝኽእል ናየዕ ፀጥታ ፀገም ሓላፍነት ከምዘየዕወስድን ፍቓድ ከምዝይብሉን ምዝራቦም ጥራሕ ካብቲ ከባቢ ሖቴል ዘረኽብናዮ ሓበሬታ የርኢ።

ብርግፅ ብፖሊቲካዊ ትሕዝቶ እቲ ኣልበም ከዘራርብ ዝፀንሀ እንትኸውን፥ ንመእተዊ ሓድሽ ዓመት ዝተትሓዘ ቾንሰርት ቴዲ ቅድም ክብል ውን ምስራዙ ድማ ዓይዝንጋዕን።

ቅድም ክብል ውን ብ2008 ስብ ብመኪና ሰብ ኣጥቂዕኻ ሃዲምካ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሕጊ ምውዓሉን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራቡን ዝዝከር እዩ። ቴዲ ብፖሊቲካ ዝተቐነባበረ ክሲ ክብሎ ፀኒሑ።

ስራሕ መካየዲ ቴዲ ኣፍሮ ዝኾነ ንቢቢሲ ጌታቸው ማንጉዳይን ከምዝገለፆ፥ ክሳዕ ሐዚ ካብ ምንግስታዊ ኣካል ዝተውሃበ መግለፂ የለን። ቢቢሲ ቤትፀሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ንምዝርራብ ዝገብሮ ፈተን ድማ ዓይተሳኸአን።