BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት ዝወረሰ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ይጽበዮ?
መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ገይሮም መሪጾም። ንሱ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ፤ እዚ ድማ ኣብታ ኣህጕር ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኰይኑ ንሓያለ ዓመታት ዘገልገለ መራሒ ይገብሮ።
ኣርማ ዝዀነት ዑፍ እንተቐቲልካ ዕድመ ልክዕ እትኣስር ሃገር
ንዘመናት ምልስ ኢልና እንተርኢና'ውን ብባህላዊ እምነት ሕብረተሰብ ዩጋንዳ ነታ ከም ምልክት ሃብቲ፡ ሰናይ ዕድልን ነዊሕ ዕድመን እትረአ ዝነበረት ውቅብቲ ዒፍ ካብ ምጥፋእ የድሕና ከም ዝነበረ'ዩ ዝዝንቶ።
ቶትንሃም ኣንጻር ማን ዩናይትድ፡ ኣብ ጸቕጢ ኰይነን ዘካይድኦ ጸወታ
ተንታኒ ኵዕሶ-እግሪ ኣብ ቢቢሲ ክሪስት ስቶን ዩናይትድ 2 ብ 1 ክትዕወት ክግምት ከሎ፡ ፖል መርሰን ድማ ብኣንጻሩ ቶትንሃም 2 ብ 1 ከም እትዕወት ግምቱ ኣስፊሩ።
'ቦርድ መረጻ ኢዱ ንምእታው ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀት ንሃገር ኣይጠቅምን' - ህወሓት
ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ዘሎ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ 'ሕጋዊ ጥሕሰት ፈፂሙ' ብዝብል ንሰለስተ ወርሒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር በቲ ቦርድ ከምዝተኣገደ ይዝከር።
ስልጣን፡ ደሞዝን ጥቕምታትን ኣቦ መንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?
ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት መደበሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካብ ሓላፍነቱ ዝረኽቦ ስምን ዝናን፡ ብዝሰርሖ ስራሕ ካብቲ ማሕበር ንገዛእ ርእሱን ንስድርኡን ዝተፈላለየ ረብሓታት ይረክብ።
ዝተወለድናሉ ወርሒ ንባህሪና ክጸልዎ 'ዶ ይኽእል?
ኣስትሪሎጂ ኣብ ዑደት ከዋኽብትን ምድርን ተበጊሱ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት እንታይ ከጋጥም ይኽእል ዝትምቢ ጥንታዊ ባህሊ'ዩ። ሳይንስ ግን ነዚ ግምታት እዚ ይነጽጎ። እንተዀነ ዝተወልድናሉ ወርሒ ኣብ ባህሪና ጽልዋ ዝፈጥር እንተዀይኑ ንምጽራይ ሓያለ ሳይንሳዊ ምርመራት ተኻይዶም'ዮም።
ትግራይ፡ መራሕቲ ህወሓት 'ዝተሰማምዕሎም' ቀንዲ ነጥብታት
ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝምርሑ ጉጅለታት ህወሓት፡ ጉባኤ ዘካየደን ዘይካየደን ብዝብል ብዕሊ ዝጀመረ ምግምማዕ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ኣፍልጦ ተኸላሊኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓግ እማመ ኣቕሪቡ
ኣብ ሞንጎ ኤርትራን እስራኤልን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት እናዛሕተለ ከምዝመጸ ይግለጽ።ኣብ 2019፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ'ውን "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ ነይራ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ከይሓልፈኩም
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘውጽኣቶ 'ሓድሽን ተሪርን ' ሕጊ
እቶም ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣትዮም፡ ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ'ውን ሕቶኦም ካብታ ዘመልከቱላ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ክርአ ከምዝጅምር ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ጥሪ 2025 ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ጉዳዮም ካብ ጥሪ 2035 ጀሚሩ ክረአ ክጅምር።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ትግራይ፡ 'ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዘ ብምውላደይ ተነጺለን ተዓሚጸን'
ኣብ ዓለምና ካብቲ ሕብረተሰብ ዝምድቦ ክልተኣዊ ጾታዊ ፍጥረት (ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን) ወጻኢ፡ ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ 1.9 ሚኢታዊት ብዝሒ ኣለዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ክፍለ ዓለም ንከቢድ ጸለመን ተነጽሎን ዝተቓልዑ’ዮም።
ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሳዕቤናቱን
ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ። ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓድሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።
ቪድዮ, ኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቱ ጓሉ ስምዒታ ትገልጽ, ዕምሪ ፈነወ 3,44
ዳዊት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት እዩ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ይርከብ።
ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት
ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።
ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነጥበብ ኤርትራ
ነቲ ዅሉ ጕዕዞ ህይወቱ እተዘንቱ፡ ብዙሕ ጻዕሪን ወኸሳታት ካብ ዑስማን ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ሰባትን ሰነዳትን ዝተገብረላ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ምዃና ኣዳለውታ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።
ህወሓት ኣብ ቀራና መገዲ - ትማሊን ሎሚን
ህወሓት ቅልውላው ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ ካብ በረኻ ደደቢት ክሳዕ ኣራት ኪሎ ዝቐጸሉ ዝተፈላለዩ ውደባዊ ቅልውላዋት ከምዘጋጠምዎ ይፍለጥ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ መራሕቲ ህወሓት ነበር፡ እቲ ውድብ ንተደጋጋሚ ቅልውላዋት ዝቃላዕ ዘሎ "ካብቲ ዝኽተሎ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን ዝምንጩ'ዩ" ይብሉ።
ትንታነ
ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዕግርግር ፈጢሩ ዘሎ መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ መን'ዩ?
ማኪንጋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዑል ስትራተጂካዊ ክእለትን ኣብ ውግእ ዓበይቲ ጕጅለታት ወተሃደራት ብምእዛዝን ምኵር ከም ዝዀነ ኣመስኪሩ'ዩ፤ በዚ ዝና'ውን ረኺቡ።
ኤርትራ፡ ክንዮ ፈንቅል ዝነበረ ባህጊን ትጽቢትን
እታ ቅድሚ 35 ዓመታት ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ለውጢ ኣርእያ? ማዕቢላ'ዶ ኣይማዕበለትን? ካብቲ ዝነበረቶ ማዕረ ክንደይ ሰጒማ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ቅድሚኡ ግን ዛንታ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ዕቝር ዓቕማን ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እንታይ'ዩ ዝደሊ፣ ሕርያ ትግራይ ከ እንታይ'ዩ?
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ለበዋ ንህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ" ብዝብል ብቋንቋ ትግርኛ ዝዘርግሖ ደብዳበ ክሳብ ሕጂ የዘራርብ ኣሎ። እዚ መግለጺ፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ይምሕጸን።እዚ ለበዋ ዝቐረበሎም ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን ትግራይ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ጉዳይ ዩኤስኤይድ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን እንታይ እዩ?
ወኪል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ካብ መጀመርታ 1960ታት ጀሚሩ ንመንግስቲ ኣመሪካ ወኪሉ ኣብ መላእ ዓለም መደባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከሳልጥ ጸኒሑ እዩ። እቲ ትካል ሓገዝ ካብ ዝገብረለን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ኰይና፡ ብፍላይ ኣብታ ብዂናት ዝተሃሰየት ትግራይ ብሰፊሑ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ስለምንታይ ንቓዛ ክቈጻጸር ይደሊ፣ ክሕዛኸ ይኽእል'ዶ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሪካ ንቓዛ "ክትቈጻጸር"ን "ክትውንንን" ከም እትደሊ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ሓያል ስንባደን ኵነኔን ገጢሙዎ ኣሎ።
ስደተኛታት ዝጸልኡን ዝሰጕን ፖለቲከኛታት ስለምንታይ ይበዝሑ ኣለዉ?
ጕዳይ ስደት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት፡ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ በዳሂ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ኲናትን ማእሰርትን ንምንጋፍ'ዮም ናብ ስደት ዘምርሑ።ግን ድማ፡እዞም ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም - ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተባሂሎም ዝጽዉዑ - "ምስጓግ" ዝተባህለ መስርሕ ከም ዝጽበዮም መራሕቲን ፖለቲከኛታት ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻን ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽእሉ እዋንን ክጥቀምሉ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ኣልፋሸር፡ ስለምንታይ 'ያ ሕምብርቲ ኲናት ሱዳን ኰይና ዘላ?
ስለምንታይ እያ ኣልፋሸር፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ሕመረት እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኰይና ዘላ?
ሰንሰለት እዚ ሓይልታት ትግራይ ከመይ ይመስል?
ኣብ እዋን እቲ ኲናት 'ሴንትራል ኮማንድ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣወዳድባ፡ ላዕለዋይ ኣካል ምንባሩ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ነዚ ተኪኡ ዝሰርሕ ካልእ መሓውር ተፈጢሩ ይርከብ። እዚ ብቐንዱ፡ 'ወተሃደራዊ ካውንስል' ብዝብል ዝፍለጥ ላዕለዋይ ኣካል እቶም ሓይልታት፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ [ወዲ ወረደ] ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣስታት 26 ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ይርከብዎ።
ዲፕሲክ፡ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ቻይናዊ ኪነታዊ ብልሒ ብዛዕባኡ እንታይ ንፈልጥ?
ብዛዕባ እቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዠጂያንግ ብኤሌክትሮኒክ ኢንፎርሜሽን ኢንጅነሪንን ኮምፒተር ሳይንስን ዝተመረቐ ሊያንግ ብዙሕ ዝፍለጥ የለን።ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ ኣብ ዘአንገዶ ኣኼባ ተራእዩ።
ግጭት ኮንጎ ጠንቍ እንታይ'ዩ፣ ሩዋንዳ ስለ ምንታይ ትሳተፎ ኣላ?
ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ማእከላይ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይን ነታ ዓባይ ሃገር ንምቍጽጻርን ክነሓንሑ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ትግራይ ናበይ ተምርሕ ኣላ፣ ብውሳነታት መራሕቲ'ታ ክልል ዝተሻቐሉ ዜጋታት እንታይ ይብሉ?
ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ቅሉዕ ፍልልይ ካብ ዝፍጠር ኣስታት ሓደ ዓመት ገይሩ'ሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ክጋደድ ዝጸንሐ ዉጥጥ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸፋፈለ ስምዒታት ክፍጠር ገይሩ ኣሎ። ሎሚ'ውን ንኽልቲኡ ወገን ዝድግፉን ዝቃወሙን ድምጺታት ይስምዑ።
ፖሊሲ ትራምፕ 'ክልተ ጾታ'፡ ንዓለም እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ?
ብዛዕባ ሕደ-ጾታው ጐስጓስ ዘካይዱ ኣካላት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ መደባት ብዙሕነት፡ ልውጠ-ጾታ [ትራንስጀንደር] መሰላት ሕደ-ጾታነት ዝሃቦ ፈጻሚ ትእዛዝ "ሓደገኛ" ምዃኑን ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝገብርዎ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእልን ይገልጹ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኣብ ማእኸላት ገበን ምትላል ክሰርሑ ዝጸንሑ '138 ኢትዮጵያውያን' ነጻ ወጺኦም
እዞም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ፊሊፒንስ፣ ማሌዥያ፣ ፓኪስታን፣ ቻይና፣ ኢንዶነዥያ፣ ታይዋን፣ ኔፓል፣ ኡጋንዳ፣ ላኦስ፣ ብሩንዲ፣ ብራዚል፣ ባንግላድሽ፣ ናይጀርያ፣ ታንዛንያ፣ ስሪላንካ፣ ህንዲ፣ ጋናን ካምቦድያን ዝመጽኡ 221 ደቂ ተባዕትዮን 39 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም'ዮም።
ደረጃ ብልሽውና 2024፡ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ቀዲማ፡ ኢትዮጵያኸ?
ኣብቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት 37 ነጥቢ ብምምዝጋብ መበል 99 ኣብ ዝተሰርዓትሉ፡ 13 ነጥቢ ዝረኸበት ኤርትራ ድማ ብ173 ነጥቢ ኣብ ቀዳሞት 13 ብልሹዋት ሃገራት ተቐሚጣ።
ኣይኤስ-ሶማልያ ብኢትዮጵያውያን ኣዘዝቲ ድዩ ዝምራሕ ዘሎ?
እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ህርመት ልቢ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብ ኣዕሙቕ ኣኽራናት ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ዝተሓብኡ ስለዝኾኑ ሃዲንካ ክተጥፍኦም ከቢድ ስራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ወጻኢ ተቓለስቲ ናብቲ ጉጅለ ብምጽንባር፡ ብቑጽሪን ክእለትን ሓይሉ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
ኣስመራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ዛዚሙ ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ
ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ "ልምዓታዊ ሓገዝ" ከተቋርጽ ተገዲዳ ዘላ።
ኣዘርባዣን፡ ቤተሰብ ኤርትራ ዝሓዘቶም ባሕረኛታት ተቓውሞ የካይዱ
እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብመትረብ ስዊጽ ሓሊፈን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ እዋን ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን ብ7 ሕዳር 2024 ከምዝተታሕዛ ይፍለጥ።
ቓዛ፡ እማመ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓያል ዓረባዊ ተቓውሞ ገጢምዎ
ንሱ፡ ኣብቲ ብሰሉስ 4 ለካቲት 2025 ምስ ቀዳማይ ምኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ ሓበራዊ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ንወሽመጥ ቓዛ ብምቍጽጻር ክትውንኖ ከም እትደሊ፡" ተዛሪቡ።
ኣብ ሽልማት ግራሚ፡ ክሪስ ብራውን ስለምንታይ የዘራርብ ኣሎ?
ሽልማት ግራሚ ንኣፍሪቃዊ ሙዚቃ ፍሉይ ቦታ ካብ ዝህብ ፀኒሑ ኣሎ፤ በዚ ድማ ብዙሕ ናእዳን ሙገሳን ረኺቡ እዩ። እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ ምድብ ካብ ዝጅመር፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ጥራይ ድሮ ኣካታዒ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ጕዳይ ኤርትራ ዝሓዘተን ሰለስተ 'መራኽብ ኣዘርባዣን' ኣበይ በጽሐ?
መንግስቲ ኣዘርባዣን ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ከም ዝበሎ፡ እተን ብመትረብ ስዌጽ ዝሓለፋ መራኽብ ካብ ሰሜን ናብ ናብ ደቡብ ዝጓዓዛ ዝነበራ'የን።ቢቢሲ ብዕዛባ እዋናዊ ኩነታት እተን መራኽብ ሓበሬታ ንምርካብ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣንን ወናኒ መራኽብ ዝዀነ ትካል ሲ-ኤም-ኤስን ተወኪስዎም ኣሎ።
'ትራምፕ ክጭክን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን' - ብውሳነኡ ዝተጸልዉ ኢትዮጵያውያን
ብርሃነን ስድርኡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘኽእሎም ውሳነ ከም ዝረኸቡ ተበሲሮም። ካብ ናይሮቢ ናብ ኣመሪካ ቦስተን ዝብገስሉ ዕለትን ዝኣትዉሉ ሰዓትን ብዝርዝር ዝጠቅስ መልእኽትን ቲኬትን ተቐቢሎም።
ትግራይ፡ ስደት፡ ምፍንቓልን ፖለቲካዊ ሕምስምስን ዝደሃዀ ህዝቢ
ድሕሪ'ቲ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘቝጸረ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣዕናዊ ኲናት እኳ እንተኣብቅዐ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዓብላሊ ዝነበረ ሰልፊ ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ግን፡ መራሕቲ እቲ ክልል ብ"ክድዓት"ን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲን ይካሰሱ ኣለው። እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ድሕሪ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ደማዊ ውግእ ኣብ ሓጺር ግዜ ዳግማይ ዓመጽን ጐንጺን ከይስዕብ ስግኣት ብዙሓት ኰይኑ ይርከብ።
ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት 'ናብ ኩናት ዝመርሕ'ዩ'- ውድባት ትግራይ
'ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት' ዝብል ጥምረት ዝመስረታ፡ ሰልፊታት ናጽነት ትግራይ፡ ብሄራዊ ዓባይ ባይቶ ትግራይ [ባይቶና] ከምኡ'ውን ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉእላውነትን ሎሚ ንጕሆ፡ እቶም ወተሃደራት ዘውጽኡዎ መግለጺ "ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣፍሪሱ ትግራይ ናብ ኲናት ዘእቱ'ዩ" ብምባል ኰኒኖም።
'ህያው ሲኦል'፡ ሰቈቛ ሱዳናውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሊብያ
ቢቢሲ ንሓሙሽተ ፈለማ ናብ ግብጺ ዝተሰደዱ ስድራቤታት ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ኣብ ግብጺ ዓሌትነትን ዓመጽን ስለ ዘጓነፎም፡ ስራሕ ብምርካብ ዝሓሸ ህይወት ክመርሑ ብምምናይ ናብ ሊብያ ከም ዝሰገሩ ይገልጹ።






























![ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጥልያን ጆርጂያ ሜሎኒ [ጸጋም]፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ [ማእከል] መራሒት'ቲ ሰልፊ ኤኤፍዲ ኣሊስ ዋይደል [ጀርመን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/56c7/live/f8b0db80-e217-11ef-bd1b-d536627785f2.png.webp)

































