BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ጀርመን 300 ስደተኛታት ካብ ኒጀር ክትወስድ ንዝኣተወቶ ቃል ከምእተኽብር ሰብመዚ ገሊጾም
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገልጹ ኣስታት 150 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ከተማ ንያመይ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛኣታት ሕቡራት ሃገራት ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ የካይዱ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ኤርትራ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከምዝተራእየ ተገሊጹ
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሓድሽ ማዕበል ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኬንያን ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዘራእትን መጋሃጫን ከቢድ ብርሰት ብምስዓቡ ድማ፡ ንመነባብሮ ናይቶም ብቐጻሊ ዕልቕልቕን ኮሮናቫይረስን ዝተሃስዩ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ልዕሊ 21 ሽሕ ኣባይቲ ኮንደምንየም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም ተረኺቦም ተባሂሉ
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ 1,338 ሄክታር መሬት ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ተሰጋጊሩ፤ 21,695 መንበሪ ኣባይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም ጸኒሖም።
10 በዓቲታት ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ሃዲድ ባቡር ኣዋሽ-ወልዲያ
ብዙሓት በዓቲታትን ድልድላትን ዝርከብዎ እዚ ፕሮጀክት ህንጸቱ ምስተዛዘመ ኣብ ሓደ ጊዜ 26 ባቡራት ከተኣናግድ ዝኽእልን ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባትን 27 ሽሕ ቶን ጽዕነትን ዘጓዓዕዝን ከምዝኾነ ይግለጽ።
ታንዛንያ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንዝኣተዉ 1700 ኢትዮጵያውያን ምሕረት ገይራ
ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 3100 ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ኣፍቲሑ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም ኣብ ድሕረ ገጹ ዘሎ መረዳእታ የመልክት፡፡
ፍሉጥ ኣዳላዊ ፊልሚ ሆሊዉድ ሃብቱ ጾታዊ ዓመጽ ንዘብጽሐለን ክከፋፈል ተወሲኑ
ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ዝተኸሰሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብን ፍሉጥ ኣዳላዊ ['ፕሮድዩሰር'] ፊልምታት ሆሊውድ ሃርቨይ ዊንስቲን፡ ካብ ዝነበሮ ሃብቲ እቲ ናይ ሓደ ኩባንያ 17 ሚልዮን ዶላር ንግዳያቱ ክከፋፈል ተወሲኑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ጁሰፔ ኮንተ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ እዩ
ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጁሰፔ ኮንተ፡ ሎሚመዓልቲ ሰሉስ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ተገሊፁ።
ብሓንቲ ሮኬት ብዙሓት ሳተላይት ናብ ህዋ ናይ ምልኣኽ ክብረ ወሰን ተሳዒሩ
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት 104 ሳተላይት ብሓንቲ ስርሓት ህንዲ መንኮርኮር ናብ ህዋ ተወንጪፈን ነይረን። እቲ ሕጂ ክብረ ወሰን ሰይሩ ዘሎ እቲ ቀዳማይ ቢልየነር ዓለምና ስፔስኤክስ- ፋልከን ዝፈጠሮ ኤለን ዝተባህለ ኩባንያ እዩ።
ቅልውላው ትግራይ፡ "በዓልቲ ቤተይ ማናቱ ክትሓርስ ኣብ በረኻ ሞይታ"
"ማናቱ ቘልዑ ሒዘ፡ ምስቶም ምሳና ዝተሓብኡ ሰባት ኮይንና ኣብ ኣፈን ገለ ፈሳሲ ጥብ እናኣበልናለን፡ ወርሒ ኣብቲ በረኻ ተሓቢእና። ኣምላኽ ትረፋ ግዲ ኢሉወን ከኣ እተን ቖልዑ ትንፋስ ገይረን ኣለዋ" ይብል እቲ በዓል ዛንታ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ
"ንደቀይ እንታይ ዓይነት ታሪኽ'የ ክነግሮም?"፡ መቐለ ካብ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ
ከም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማእከል ምትሕብባር ህጹጽ ግዜ ከም ዝብሎን፡ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ የድልዮ። እንተኾነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮነ ካልኦት ትካላት ሓገዝ ናብቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይኽኣሉ ብምግላጽ፡ መንግስቲ መገዲ ክኸፍተሎም ይሓቱ ኣለው። ሚኒስትሪ ሰላም፡ ን1.8 ሚሊየን ሰባት መግብን መግቢ ተንከፍ ዘይኾኑን ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብዚ ሰሙን ከም ዘብጽሐ ገሊጹ'ዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ከኣ ብዛዕባ እቲ ዘለውሉ ኩነታት ይዛረቡ።
ቪድዮ, "ኣደይ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ዓሪፋ" ግዳይ ኵናት, ዕምሪ ፈነወ 2,14
መብራህቱ ሓጎስ ዕባይ ዓድግራት ኮይኑ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ እዩ ዝቕመጥ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት ወላዲቱ ዝከታተልኦ መድሓኒት ክረኽባ ብዘይምኽኣለን ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልይኦ ይገልጽ።
ቅልውላው ትግራይ፡ “ብወተሃደራዊ ግጭትን ወራር ኣንበጣን ሚልዮናት ሰባት ንሕሱም ሓደጋ ተቓሊዖም” ኦክስፋም
ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮሮቫይረስን ተወሲኽዎ፡ ሚልየናት ንሕሱም ሓደጋ ከምዝተሳጥሑ፡ ኦክስፋም ኣፍሊጡ።
"ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸሙ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ኣዝዩ ኣሻቒሉኒ'ሎ"
ፕራሚላ ፓተን ትማሊ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰባት ኣባላት ስድራቤቶም ክጋሰሱ ብሓይሊ ይግደዱ ከምዘለዉን፡ ውታሃደራት ብጥቕሚ ኣገዲዶም ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ክስታትን ከምዝበጽሓ ሓቢራ።
እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ
እቲ ኵናት ዝተካየደሉ ኣዋርሕ፡ ሓረስታይ ዘራእቱ ዓጺዱ ምህርቲ ክሓፍስ ዝኽእለሉ ዝነበረ እዋን እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ብዙሓት ሓረስቶት ምህርቶም ብዘይምሕፋሶምን፡ ክሳብ ሕጂ ሰብኣዊ ሓገዛት ስዘይበጸረሖምን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት 'ዘፍርሕ'ዩ' ይብል ጸብጻብ ሮይተርስ።
ሶማልያ፡ ወታሃደራታ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይተሳተፉን ኢላ
ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ፡ ነቲ ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ ነጺጉ፡፡ ብተመሳሳሊ ነቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝቐተሉ ዝጠቅስ ሓበሬታታት እውን ጌጋ ከምዝኾነ ንቴሌቪዥን ሶማልያ ተዛሪቡ፡፡
ስምዑ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ዳዊት ከበደ ኣብ ከተማ መቐለ ተቐቲሉ
ጋዜጠኛ ትግራይ ቲቪ ዝኾነ ዳዊት ከበደ ኣርኣያ፡ ሒደት መዓልታት ናብ ስራሕ ድሕሪ ምምላሱ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ ተቐቲሉ ተረኺቡ። ኣብ ትግራይቲ ቲቪ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ምስ ካልኣዩ ኣብ ዓዲ ሓውሲ ዝተባህለ ከባቢ ናይታ ከተማ'ዮም ተቐቲሎም ተረኺቦም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት 'ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል እዩ'
ኣብቲ ኵናት ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይን ምስ ክልል ትግራይ ዘዋስኑ ቦታታትን ድሕነት ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምኡ እውን ካብቲ ከካቢ ዝተፈናቀሉ ሰባት ዝርከብሉ ኩነታት ኣሻቓሊ ምዃኑን ሰብኣዊ ቅልውላው ከኸትል ከምዝኽእልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ምሉእ ኣገልግሎታት መብራህትን ስልክን መዓስ ክጅምር ይኸውን?
ሓለፍቲ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህትን ኢትዮ ቴሌኮምን እንታይ ይብሉ? ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ኤለክትሪሲቲ፣ ስልክን ኢንተርኔትን ዛጊድ ካብ ዘይተመለሰሎም ከባቢታት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰሙናት ነቶም ኣገልግሎታት ክረኽቡ ምዃኖም ሓለፍቲ ሓይሊ መብራህትን ኢትዮ ቴሌኮምን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ክታበት ኮቪድ ክንክተብ'ዶ ክንገድፎ - እንታይ እዩ ዝምከር?
ብዛዕባ ክታበት ኮሮናቫይረስን ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝህልዎ ኣበርክቶን ዝምልከቱ ሓቂታት እንታይ እንታይ እዮም?
‘ሓራስ እትርከቦም ስደተኛታት ወሲዶም’ - ተቐማጢ መዓስከር ሽመልባ
ንድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ተቐማጢ መዓስከር ሽመልባ፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብ10 ሕዳር ናብቲ መዓስከር ከም ዝመጽኡ ይዛረብ።
ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድን ብጾቱን ካብ ዝቐረቡ 10 ክስታት 6 ተሰሪዞም
እቶም እሱራት ነቲ ክሲታት ክነጽግዎ ጸኒሖም’ዮም። ብፍላይ ኣቶ ጃዋር፡ ማእሰርቱ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከይሳተፍ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ክሲ’ዩ ክብል ይምጉት።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካበይ ናበይ?
ብ11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ኣብ በረኻ ደደቢት ዝተመስረተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ ገድሊ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ን28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፤ ሕዚ ድማ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ስዒቡ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተመሊሱ ይርከብ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንናይ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ሰሪዙ
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝሰረዘ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ቦርድ ህወሓት ኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር 'ከምዝተሳተፈ ኣረጋጊጸ' ብዝብል ናብዚ ውሳነ ምብጽሑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ቦይንግ 737 ማክስ 'ቀልጢፋ' ናብ በረራ ክትምለስ ዝተወሰነ ውሳነ ተነቒፉ
ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ነፈርቲ ቦይንግ ነበር ኣብ ልዕሊ'ቲ ክልተ ጊዜ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞን ምኽንያት ልዕሊ 340 ሰባት ዝኾነን ዓይነት ኣውሮፕላን ተወሳኺ ምርመራ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት መን እንታይ ኢሉ?
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣፍሊጡ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ “እቲ ቁጽሪ ተጋኒኑ እዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም 2.5 ሚልዮን’ዮም” ይብል።
እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ጎንጺ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን
ወታሃደራት ሱዳን ኢትዮጵያውያን ዝሓርስዎ ሕርሻታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድሌት ከምዘለዋ'ኳ እንተገለጸት፡ እቲ ወጥሪ እናገደደ ይመጽእ ኣሎ።
ክልል ኦሮሚያ፡ መምህር ኪቲላ ጉዳታ ስለምንታይ'ዩ 'ተረሺኑ'?
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከምዝድምስሶ ዝተዘርበሉ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ዓማጺ ጉጅለ ዝግብሮ ምንቅስቓስ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጎንጺ ከምዝተጠናኸረ ይግለጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ መዓልታዊ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ዘርኢ ሰሌዳ
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝርገሐ እዚ ሕማም በብሰዓቱ ዝሕብር ሰሌዳ
መዛነዪ
ኣገዳስነትን ኣበርክቶን ትምህርቲ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን
ትምህርቲ ንፖለቲካ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምዕባለን ዕቤትን መገዲ ዝኸፍት ቀንድን ወሳንን መሳርሒ ምዃኑ ዘየማትእ ዓለማዊ ተረድኦ እዩ።
ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብዕጽው ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ ዝጸንሐ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብዘይተመልከትቲ ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ።
እዋናዊ ኩነታት ስምዒትካ ንሓለፊኻ ዝሕብር ኣብ ጉምቦ ኢድካ እትእሰር መሳርሒ
'ሙድቢም' ኣብ ሞንጎ እቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ብኣካል ክራኸቡ ዘይኽኣሉ ሰራሕተኛታትን ሓለቕቶትን ዘሎ ክፍተት ክመልእ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።
ኣብ መዓልቲ ቃለ መሓላ ጆ ባይደን ግጥሚ ዘቕረበት ጓል 22 ዓመት ኣማንዳ መን'ያ?
ጓል 22 ዓመት ኣማንዳ ጎርማን ካብ ሎስ ኣንጀለስ ኮይና ኣብ ታሪኽ ስነስርዓት ፕረዚደንታዊ ቃለ-መሓላ ኣሜሪካ ግጥሚ ዘቕረበት ብዕድመ ዝነኣሰት ገጣሞት ኮይና'ላ።
ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ግጥማት ቻን ብዋና ዳኝነት እትሳተፍ ሊድያ ታፈሰ
ኢትዮጵያዊት ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ሊድያ ታፈሰ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በቲ ካልአዋይ ናይ ፋርማሲ ሞያኣ ክትሰርሕ ጸኒሓ'ላ።
ባህላዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ክተፋልጥ ዝጸንሐት ሚኒስተር በቲ ቫይረስ ተታሒዛ
ባህላዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ክተፋልጥ ዝጸንሐት ሚኒስተር ጥዕና ስሪ ላንካ ብኮቪድ-19 ተታሒዛ።
ቆጸራ ብዝሒ ሓራምዝ ካብ ጠፈር ብሳትላይት ይካየድ ኣሎ
ተመራመርቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓራምዝ ከምዘለዉ ንምፍላጥ፡ ፈቖዶ ዱራት ምኻድ ኣይከድልዮምን’ዩ።
500 ዓመታት ዘቑፀረ ቅብኣ ኣብ ጣልያን ኣብ ሓደ ገዛ ተረኺቡ
500 ዕድመ ዘቑፀረ ቅብኣ (ስእሊ) ኣብ ጣልያን ኣብ ሓደ ገዛ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።
ንንጉሳዊ ስድራ ብምንቃፋ ን43 ዓመታት ክትእሰር ዝተፈረደት ጓል ኣንስተይቲ
ንጉስ ታይላንድ'ውን ድሕሪ እረቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠሞ ከቢድ ተቃውሞ እቲ ሕጊ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ተወንዚፉ ክጸንሕ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ፡ ሕጂ ግን እቲ ኣወንዚፍዎ ዝነበረ ብሕጊ 'ለሰ ማጀስተ' ዳግማይ ዝጀመሮ ይመስል።
‘ነውራም’ ሕብስቲ ዝሰርሐት ግብጻዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ
ጠበቓ ሰባዊ መሰላት ዝኾነ ነጋድ ኤል ቦራይ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ስጉምቲ ዘረጋግጾ እንተሎ “ግብጻዊ ክብሪ ስድራቤት ብዝብል ጉልባብ ንውልቃዊ ሓርነታት ንምልጋስ ዝደሊ ብመንግስቲ ዝተደገፈ ክፋል ሕብረተሰብ” ኣሎ ክብል ነቒፉ።
ጠመተ
ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንራብዓይ መዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ
"ኣብዚ ምስ መጻእና ንክልተ ዓመታት ዩኤንኤችኤሲኣር ዋላ ሓንቲ ቆላሕታ ኣይሃበናን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ኣውያት ግን ጉዳይና ብሃገረ ጀርመን ተቐባልነት ረኺቡ፡ ዓሸራ ገይሮሙልና መዲካል'ውን ወዲኦሙልና፡ በረራ እናተጸበና እንከለና ኸኣ ዓሚ ወርሒ ሚያዝያ ብሰንኪ ኮሮና በረራና ተሰናኺሉ፡ ካልኦት ሃገራት ነቶም ክንቅበሎም ኢና ዝበልዎም ወሲዶሞም እዮም ንሕና ግን ቁሊሕ ዝብለና ስኢንና"
ክታበት ኣብ ምምቕራሕ ‘’ሞራላዊ ውድቀት’’ ከየጋጥም ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ
ክታበት ኮቪድ-19፡ ክታበት ኣብ ምምቕራሕ ‘’ሞራላዊ ውድቀት’’ ከየጋጥም ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ
"ሱዳን ዶብና ጥሒሳ ክትኣቱ ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን" - ዲና ሙፍቲ
ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ክትኣቱ ይኹን መሬት ክትሕዝ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየለ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ።
ጆ ባይደን ብትራምፕ ካብ ዝጸደቑ ፖሊሲታትን ውሳነታትን ነየኖት ይቕይር ኣሎ?
ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንገለ ካብቶም ብዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረሙን ዝጸደቑን ፖሊሲታት ከምኡ'ውን ውሳነታት ይቕይር ኣሎ። ዓበይቲ ውሳነታት'ውን ይፍርም ምህላዉ ተፈሊጡ።
ቻይና ብቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ
ቻይና ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ (FDI) ብምስሓብ፡ ንፈለማ ግዘ ንኣሜሪካ በሊፃ፡ ኣብ ቅድሚት ከምዝተሰርዐት ተገሊፁ።
ብሪጣንያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ታንዛንያን ሪ.ኮንጎን እገዳ መገሻ ኣንቢራ
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራኣየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ካብ ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝመጽኡ ገያሾ ካብ ዓርቢ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣዊጃ።
ሃለዋት ኣብ 2 መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት "ድቃስ ከሊኡና'ሎ"- ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልተ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ክበጽሕ'ኳ እንተኽኣለ፡ ኩነታት ናይተን ካሎኦት ክልተ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከባ ግን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
'ኲናት ኣይንደልይን ግን ከኣ ቁራስ መሬት ኣይንህብን' ሌ/ጀ ኣል-ቡርሃን
ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ሌፍተናንት ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብላ ተዛሪቡ። ግን ከኣ ሱዳን ኣሕሊፋ እትህቦ ቁራስ መሬት ከምዘይህሉ ኣፍሊጡ።
ምስ መደብ ትምህርቲ ቢቢሲ ቋንቋ እንግሊዝ ብትግርኛ ተማሃሩ
ኣብዚ ብምጡዋቕ ሰሙናዊ ዝዉሰኹ ሓደስቲ ክፋላት ክትረኽቡ ትኽእሉ፡ ደረጃኹም ብዘየገድስ