ዳግማይ መረፃ ኬንያ 17 ጥቅምቲ 2017 ክካየድ ምዃኑ እዩ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ (ፀጋም) ራይላ ኦዲንጋ (የማን) Image copyright AFP/GETTY
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ (ፀጋም) 8 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንራይላ ኦዲንጋ ስዒሮም፡ ኮይኑ ግን ብቤት ፍርዲ ውድቂ ኮይኑ እዩ።

ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኬንያ፡ 17 ጥቅምቲ ከምዝካየድ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣቦመንበር እቲ ኮምሸን ዋፉላ ቼኩባቲ ከምዘፍለጥዎ፡ ኣብቲ ዝካየድ መረፃ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ራይላ ኦዲንጋን ጥራሕ እዮም ክወዳደሩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኡሁሩ ተዓዊቶም ምንባሮም እዩ ተኣዊጁ ነይሩ።

ኮይኑ ግን ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ውፅኢት ቅቡል ብዘይምግባር ናብ ቤት ፍርዲ ብምካዶም ዓወት ኡሁሩ ውድቂ ኮይኑ እዩ።

ውሳነ ቤት ፍርዲ ኬንያ ድማ ኣብ ታሪክ ኣፍሪካ ፈላማይ ኮይኑ ክምዝገብ ኪኢሉ። ደያኑ ከምዘፍለጥዎ ገለ ኣባላት ኮሚሽን መረፃ ዘይልሙድን ዘይሕጋውን ተግባራት ፈፂሞም እዮም።

ደግማይ መረፃ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክካየድ ውሳነ ቤት ፍረዲ ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ።

ኡሁሩ ኬንያታ ዳግም እንተተመሪፆም ንቤት ፍርዲ ሃገሮም ከምዘምሓይሹ ተዛሪቦም።

ኣብ ሕሉፍ መረፃ ዝተፈፀመ ጌጋ ዳግማይ ከይፍፀም ኣባላት ኮሚሸን መረፃ ክውገዱ ከምዝግባእ ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ እናሃተተ ይርከብ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ውስቲ 21 መዓልታት ተወሰኽቲ ውሳነታቱ ከምዘፍልጥ ዕላዊ ገይሩ እዩ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረፃ ዋፉላ ቼቡካቲ "እቲ ዝፍኖ ዓሚቕ ውሳነታት ቤት ፍርዲ ዝነበሩ ፀገማት ብምንፃር ምምሕያሻት ክንገብር ዘኽእል እዩ" ኢሎም ኣለው።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ 2 መስከረም ቤት ፍርዲ ንዝሃቦ ውሳነ ብታሐጓስ ተቀቢሎም።

ራይላ ኦዲንጋ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ሃገሮም፡ ታሪካዊ መዓልቲ ንኬንያውያንን ህዝቢታት ኣፍሪካን ምንባሩ እዮም ገሊፆምዎ። ነቲ ውሳነ ቅቡል ዘይገበሩ ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኖም ድሕሪ ውሳነ ኣብ ዝገበርዎ ዘረባ ህዝቢ ክረጋጋዕ ፀዊዖም።

ትንተና

ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍሪካ ዲክሰን ኦሌዌ

ደግማእ መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ ዕላዊ ምዃኑ ዝፈጠሮም ኩነታት እቲ ኣብ 17ጥቅምቲ ዝካየድ መረፃ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ከርኢ ጀሚሩሎ።

ኮሚሽን መረፃ እውን ኣብ ዝሓለፈ ንዝበፅሒ ወቐሳ ንዘይምድጋም ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኮይኑ እዩ ንስራሕ ይዳሎ ዘሎ። ብድሕሪ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝበዝሕ ተቓውሞ ካብ ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ እዩ ኣጋጢምዎ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረፃ ዋፉላ ቼቡካቲ ቅድሚ ደግማይ መረፃ ኣባላት ስርሖም ንምጥንኻር ዝኣተውዎ ቃል ከተግብሩ'ዶ ይኾኑ ዝብል ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዘሎ ኮይኑሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ጌጋ ከምዝፈፀሙ ኣብ ዝእመነሎም ከም ዓለም-ለኸ ተዓዘብቲ መረፃን ማዕኸናት ዜና ኬንያን ኣዒንቲ ክትከሉ እዮም።