"ሰሜን ኮርያ፥ ኲናት ትምህለል አላ"፡ ኣሜሪካ

ኪም ጆንግ ኡን መብላዕልዒ ሚሳኤል ጎብኒዮም። Image copyright EPA

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን "ካበሮ ኲናት ይወቅዕ ኣሎ" ክብላ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ልእኽቲ ኣሜሪካ ከሲሰን።

ትማሊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተሳለጠ ህፁፅ ኣኼባ ጉባኤ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት፥ ዝርርብ ዝገበራ ተወካሊት ኣሜሪካ ኒኪ ሃሊ፥ ሰሜን ኮርያ ካብ ዘይግቡእ ተግባራ ክትእርነብ ኣተሓሳሲበን።

ፈተነ ኒኩሌር ሚሳኤል ሰሜን ኮርያ ተኸቲሉ ዝተኻየደ እዚ ህፁፅ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ክውሰን ዝኽእል ተወሳኺ ማዕቀብ ብዝምልከት ዘትዩ።

እቲ ንሕንሕ ኲናት ብዝዛየደ ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን እንትኸውን ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ደቡብ ኮርያ ጠጠው ኢላ መጠንቅቕታ እናሃበት ትርከብ።

እተን ተወካሊት ኒኪ ሃሊ ከምዝበለኦ "ኣሜሪካ ኲናት ዝበሃል ፈፂማ ኣይትደልን፤ ትዕግስታ ግና ዘይፅንቀቕ ኣይኮነን" ክብላ ሃገረን ዓፀፋ መልሲ ክትህብ ከምእትኽእል ኣጠንቂቐን።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ ሓሳብ እገዳ ክተቕርብ ትፅቢት እናተገበረ እንትኻውን ቻይና እቲ ቅልውላው ብሰላምን ልዝብን ክውዳእ ፀዊዓ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ጥምር ፈተነ ኒኩሌኣር ገይሮም።

እዚ ከምዚ እናሃለየ መንግስታዊ ሚድያ እታ ዓዲ ከምዝበሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ደቡብ ኮርያ ብወገና፡ ብተዋጋእቲ ነፈርቲ ዝተደገፈ ኣፅዋርን ቦምባን ተኲሳ። ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ ፈተነ ሚሳኤል ንምክያድ ኣብ ምድላው ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መሬት ውሽጢ ዝተሞከረ ሚሳኤል ዓቐኑ ኣዝዩ ከቢድ ዝበሃልን፡ ካብ 50 ክሳዕ 120 ኪሎ ቶን ከምዝኾነን ይግለጽ።

50 ኪሎ ቶን ቦምብ ማለት 1945 ንከተማ ሂሮሽማ ናይ ዝደምሰሰ ሰለስተ ዕፀፊ ምኳኑ መረዳእታት ይሕብሩ።

"ግዘ ልዘብ"

ደጋፊት ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ቻይና፡ ሕዚ ውን እቲ ጉዳይ ናብ ልዝብን ዝርርብን ክምለስ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ብምሓዛ ስዊዘርላንድ እቲ ልዝብ ናይ ምምራሕ ስልጣን ተዋሂቡዋ።

ኒኪ ሃሊ ከምዝብለኦ እቲ ፀገም ከብ ስሩ ንኽፍታሕ ፈለማ ሓፍ ዘይብል እገዳ ምውራድ መማረፂ የብሉን።

ተወካሊ ቻይና ሊዩ ጂዪ በወገኖም፡ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ዝርርብን ልዝብ ክገበር ኣለዎ ዝብል ቅዋም ሒዞም። "ወጥሪ ቐጠና ኤዥያ ብሰላም ክፍታሕ ኢና እንደሊ። ኣብዚ ዞባ ኲናትን ቅልውላውን ነጊሱ ክንርኢ ኣይንደልን" ኢሎም።

እቲ ጉዳይ ዕልባት ንክረክብ እቲ ዘተ ትመርሕ ዘላ ሃገረ ሰዊዘርላንድ፡ ድማ እቲ ቅልውላው ብሰላም ንኽውዳእ ድሌታ ገሊፃ።

ፕረዚደንት እታ ዓዲ ድማ ከምዚ ክብላ ተሰሚዐን፡" ግዚኡ ናይ ኲናት ዘይኮነስ ናይ ሰላምን ልዝብን ከኸውን እደሊ"።

ደቡብ ኮርያ ሕነ ንምፍዳይ ትዳለው ኣላ።