ምርጫ ጀርመን፡ መርከል ንራብዓይ ግዜ ተዓዊተን

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ንራብዓይ ግዜ ተዓዊተን። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ንራብዓይ ግዜ ተዓዊተን።

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ንራብዓይ ግዜአን ተመሪፀን። እቲ ዝወከለኦ ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራቲክ ( CDU) ግና ኣብ ታሪኽ 70 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ትሑት ድምፂ ረኺቡ።

ተወዳዳሪ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራቲክ ምስ ኣሓት ሰልፍታት ብምዃን ንመርከል ከም ዝቃለሰን ኣፍሊጡ ።

እዚ ውፅኢት መረፃ ንመርከል ዝህልዎ ትርጉም እንታይ እዩ?

  • ሲ.ዲ.ዩ - 33%
  • ኤስ.ፒ.ዲ - 22%
  • ኤ.ኤፍ.ዲ - 12.6%
  • ፍ.ዲ.ፒ - 10.7%
  • ግራ ዘመም ፓርቲ - 9.2%
  • ግሪን ፓርቲ - 8.9%

ን12 ዓመታት ዝሰርሓ ኣንገላ መርከል፡ ንህዝበን ዝሐሸ ለውጢ ከምጽኣ ከም ዝሰርሓ ገሊፀን።

" ን 12 ዓመታት ሰሪሐ እየ፡ ዝበለፀ ውፅኢት ከምፅእ ከኣ ተስፋ ገይረ ነይረ" ክብላ መርከል ንደገፍተን ገሊፀን።

ንሰልፈን፡ ናይ ዘይመረፁ ሰባት ስግኣትን ጭንቀትን ብምምልካት፡ ዝሰኣንኦ ድምፂ መሊሰን ንምርካብ ከምዝሰርሓ ሓቢረን።

ሓበሬታ ሪፖርተር ቢቢሲ ጄኒ ሂል፡ ኣንገላ መርከል ንኣስታት 900,000 ስደተኛታት ክቕበላ በረን ብምኽፋተን ትሑት ውፅኢት መረፃ ከምዝረኻባ ይገልፅ።

ድሕሪ 1950፡ ቤት ምኽሪ ጀርመን ሽዱሽተ ሰልፍታት ዝሳተፍሉ ቤትምኽሪ ክህልዎ እዩ። ይኹን እምበር ሓሙሽቲኦም ሰልፍታት ምስ ሰልፊ ኤ.ኤፍ.ዲ ክሰርሑ ከም ዘይደልዩ ኣፍሊጦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት