''ሕቶ ስለዝተላዕለ ጥራሕ ዝቕየር ነገር የለን'' ሚኒስቴር ትምህርቲ

ምሩቕ ተመሃራይ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዘይ ስሩዕ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ምሩቓን ኣብ ናይ መንግስቲ ዩኒቨርሲታት ከየምህሩ ተኣጊዶም።

እቲ ሚንስቴር ቤት ዕዮ፡ ቀዳማይ ወይ ድማ ካልኣይ ዲግሪኦም ብምሸታዊ፣ ክረምቲን ርሕቐትን ተኸታቲሎም ዝተመረቑ ተምሃሮ፡ ኣብ መንግስታዊ ዩኒቨርስቲታት ተቖፂሮም ንኸይሰርሑ ካብ ዝኽልክል ፀኒሑ እዩ።

ገለ ገለ ዩኒቨርስቲታት ግን ነቲ መምርሒ ንጎኒ ብምግዳፍ ነቶም ምሩቓት ኣብ መንግስታዊ ዩኒቨርስቲታት ብመምህርነት ንምቑፃር ምዝገባ እንተጀመሩ እውን፡ ሚንስቴር ትምህርቲ ግን ናብተን ትካላት ትምህርቲ መአገዲ ደብዳበ ዘርጊሑ ኣሎ።

ዮሴፍ ተስፋዬ ኣብ 2009 ዓ.ም እዩ ስሩዕ ብዘይኮነ መርሃ-ግብሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ተመሪቑ። ንሱ፡ "እዚ መምርሒ'ዚ ንሕና ንኸይንቑፀር ዝገብር እኹል ምኽንያት የብሉን። መምዘኒ ክኸውን ዝግብኦ ብቕዓት እምበር መርሃ-ግብሪ ኣይኮነን" ይብል።

"ብዘይስሩዕ ተማሂሮም ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋብ ዝተመረቑ ተምሃሮ እናሃለው፡ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ ስለዝተምሃሩ ጥራሕ ትሑት ውፅኢት ዘለዎም ተምሃሮ እዮም ተረባሕቲ ዝኾኑ ዘለው" ክብል እውን ሓሳቡ ይገልፅ።

ኣብርሃም ጌታቸው እውን ስሩዕ ብዘይኮነ መርሃ ግብሪ እዩ ካልኣይ ዲግሪኡ ረኺቡ። "ውሳነ ትምህርቲ ሚንስቴር እቲ ስሩዕ ዘይኮነ መርሃ-ግብሪ ትምህርቲ ዋጋ ከይህልዎ ዝገብር እዩ" ክብል ይነቅፍ።

ሚንስትር ዴኤታ እቲ ሚንስቴር ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈን ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ዘለውዎን ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ዶክተር ኣብርሃም ከም ምኽንያት ዘልዕልዎ፡ ምስቲ ስሩዕ እንትነፃፀር ስሩዕ ዘይኮኑ መርሃ ግብሪታት ትምህርቲ ንምክትታል መእተዊ ነጥቢ ምውሓዱን ናይቶም ዘይስሩዓት ሰዓት ትምህርቲ ዝተሓተ ምዃኑን እዮም።

እቶም ሚንስትር ዴኤታ ተምሃሮ ንዘልዓልዎም ሕቶታት እንትምልሱ "ሕቶ ስለዝተላዕለ ዝቕየር ነገር የለን" ኢሎም።

ፅፈት'ዶ ብዝሒ?

ናይ ምስሊ መግለጺ ''ሕቶ ስለዝተልዓለ ጥራሕ ዝቕየር ነገር የለን'' ዶክተር ሳሙኤል

ኢትዮጵያ ዓውደ ትምህርቲ ንምጥንኻር፡ ካብ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ዓለም-ለኸ ትካላትን ልዑል ደገፍ ትረክብ።

ይኹን ድኣ እምበር ብዝሒ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ'ታ ሃገር እናወሰኸ እንተመፀ እውን ጽፈት ትምህርቲ ግን ኣዝዩ ዝወረደ ምዃኑ ደገፍ ካብ ዝገብሩ ኣከላት ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

ሽሞም ክፅራሕ ዘይደለዩ ሓደ መምህር ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ፡ እገዳ ሚንስቴር ትምህርቲ ኣብ ዘይስሩዕ መርሃ-ግብሪ ትምህርቲ ምስ ዝረአ ጉድለት ፅፈት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ስሩዕ ብዘይኮኑ መርሃ ግብሪታት ዝሰርሑ መምህራን፡ ኣብ ትርፊ ግዚኦም እዮም ዘምህሩ፡ እዚ ድማ እኹል ቆላሕታ ከይረክብ ይገብሮ። ብዘይካ'ዚ እቶም ተምሃሮ ቀትሪ ብስራሕ ደኺሞም ውዒሎም እዮም ምሸት ትምህርቶም ዝከታተሉ።

ካብ ሚንስቴር ትምህርቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪኦም ክከታተሉ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ፡ እቶም 42% ዝኾኑ ኣብ ዘይስሩዕ መርሃ-ግብሪታት ዝመሃሩ ነይሮም።

ትምህርቲ ሚንስቴር ዓርሱ ብዝሓንፀፆ ስርዓተ ትምህርቲ ነዝሓለፉ ተምሃሮ ዓርሱ እቲ ሚንስቴር ቤት ዕዮ ክቖፅሮም እንተዘይኪኢሉ፡ ካልእ መን ትካል ክቖፅሮም ይኽእል?

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ