ሩስያ ኣብ ድፋዕ ዝርከቡ ወተሃዳራታ ስእሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንኸይልጥፉ ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ክሪምያ ነንባዕሎም 'ሰልፌ' እንተሰአኣሉ
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ፣ ኣብ ወፍሪ ዝርከቡ ኪኢላታት ኮነ ተራ ወተሃደራት እታ ሃገር፡ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኸይልጥፉ ዝኽልክል ሕጊ ኣርቂቑ።
ብመሰረት እቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ስእልታት፡ ቪድዮን ካልእ ንዋትን ናብ መርበብ ሓበሬታ ምጽዓን ወተሃደራዊ ሚስጢራት ሩስያ ንጸላእቲ ዘቃልዕ'ዩ። ናይቲ ኣብ ፌስቡክ ዝልጥፍ ወተሃደር ጋንታ ዝዓስከረትሉ ድፋዕ እንከይተረፈ ዘጋልጽ'ዩ ይብል እቲ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝረቐቐ ሕጊ።
ረቂቕ ሕጊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ፡ ብግዝያውነት ናብ ካልኦት ሃገራት ንዝልኣኹ ኣባል ሰራዊት እታ ሃገር ብኣሉታ ከምዝጸልዎ እናተገለጸ'ዩ።
ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ሃገራት ዩክሬይንን ሶርያን ከምዝዓስከሩ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ገጻት ፌስቡኮም ዝጠቅዑዎም ስእልታት ኣቃሊዖም።
ንኣብነት ብሓምለ 2014 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሚርሶላቪያ ፔስታ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ፣ ሓደ ወተሃደር ሩስያ ኣብ ፌስቡኩ፡ ናብ ሩስያ ኽጽምበሩ ንዝደልዩ ዓመጸኛታት ዩክሬን ብድሕሪት ኮይኑ ሽፋን ሮኬት ይገብረሎም ከምዘሎ ብኹርዓት ለጢፉ ምንባሩ ቲዊት ገይራ ነይራ።
ብሩስያ ከምዝሕገዙ ዝዝረበሎም ተቓወምቲ ክፋል ዩክሬን ክሪምያ፣ ኣብ 2014 ቋንቋ ሩስያ ዝዛረባ ዶኔቴስክን ሉዋንስክን ዝተባህላ ከባቢታት ተቖጻጺሮም።
ምዕራባውያንን መንግስቲ ዩክሬንን፣ ሩስያ ንተነጸልቲ ተቓወምቲ ዩክሬን ወተሃደራዊ ንዋትን ኣጽዋር ኵናትን ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክወቕሱ ጸኒሖም'ዮም። ሩስያ ግን ብወለንትኦም ዝሕግዙ ሩስያውያን 'ድኣ እምበር፡ መንግስቲ ከም መንግስቲ ኢድ ኣታውነት ከምዘይብሉ ገሊጻ።
ሪፖርተር 'ቫይስ ኒውስ' ስምኦን ኦስትሮቪስኪ ብዩቲዩብ ኣቢሉ ኣብዘቃልሖ ሓበሬታ፣ ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝጥቅዑ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ሩስያ ኣብ ኵናት ምብራቓዊ ክፋል ዩክሬን ቀጥታዊ ኢድ አእታውነት ከምዘለዋ ከረጋግጽ ኪኢሉ።
ብተዛማዲ ኣብ 2014 ብጉጅለ ምርመራ ቤሊንግ ካት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመላኽቶ ኣባላት ኣየር ወለድ 'ኮማንዶ' ሬጅመንት 76 ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክሬን ከምዝሞቱ ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ፌስቡክ ብዝተጠቕዑ ስእልታት ከረጋግጽ ኪኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደር ሩስያ ኣብ 2008 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኵናት ጆርጅያ ንባዕሉ እናሳኣለ
ጉጅለ መርማሪት ቤሊንግ ካት ኣብ ትንታነ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጎንጽን ኢሉ'ውን ወተሃደራዊ እጃም ሩስያ ኣብ ሶርያ ልዑል መጽናዕቲ ኣካይዱ'ዩ።
ከም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ 'ኤፍኤስቢ' ን 'ኤፍኤስኦ' ን ዝተባሃሉ ኣካላት ድሕነት ዝኾነ ይኹን ነገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኸይጥቅዑ ኣጊድዎም።
እቲ ዝወጸ ሪቂቕ ኣዋጅ ኣብ ዝመጸእ ጥሪ ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ከምዘሎ ፍልፍል ሓበሬታ ታስ ጸብጺቡ።