ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም

Image copyright ተምሃሮ
ናይ ምስሊ መግለጺ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር

ኣብ ዝሐለፈ ሰሙን ካብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ከምዝወጽኡ ዝተገብሩ ናይ 4ይ ዓመት ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ቴክኖሎጂ፡ ድሕሪ ምርድዳእ ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም።

እቶም ተምሃሮ፥ "ንፈተና ምዘና ብቕዓት ዝኸውን እኹል ጊዜ ኣይተዋህበናን፥ እቲ ስርዓት ምዘና ድማ ሓድሽን ኣግባብ ዘይብሉን" እዩ ብዝብል'ዩ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ነይሩ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ስርዓት ምዘና ዝነበረን ክሰርሐሉ ዝፀንሐን ምዃኑ ብምሕባር፥ ኣስታት 1400 ዝኾኑ ቅሬታ ዘቕረቡ ተምሃሮ ፈተና ክወስዱ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም እዩ ፖሊስ ካብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣባሪሩዎም።

ከምኡ ድማ እቶም ተምሃሮ ዝኾነ ዓይነት ናይ ምግቢ ኮን ናይ መደቀሲ ግልጋሎት ከምዘይረኽቡ ገይሩ ነይሩ።

ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቶም ተምሃሮ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ቤተክርስትያንን ካልኦት ትካላት ሃይማኖትን ኣፅሊሎም ቐኒዮም።

ሎም መዓልቲ ካብቶም ተምሃሮን ካብ ቴክኖሎጂ ኢንስቲትት ዩኒቨርሲቲ ባህርዳርን ዶክተር ንጉስ ጋቢዬ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ፥ እቶም ተምሃሮ ንምድላው ዝኸውን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙናት ክወሃቦም ኣብ ምርዳደእ ተበፂሑ።

ብስልኪ ዘዘራረብናዮም ሓደ ሓደ ተምሃሮ ከምዝገለፁልና፥ በቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ዝተላዕለ ካብ ቀፅሪ ተባቢሮም ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ቦቶኦም እናተመለሱን ኣድላይ ዝበሃል ግልጋሎት ምርካብ ጀሚሮም።