ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሬዚደንት ዙማ ክኽሰሱ ኣለዎም ኢሉ

ጃኮቭ ዙማ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ምስ ንምጥፍፋእ ዝምልከት ተደጋጋሚ ክሲ ክቐርበሎም ጸኒሑ'ዩ።

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብብልሽውና፣ ምትላል፣ ምድንጋርን ዘይሕጋዊ ዝውውርን ገንዘብ ክኽሰሱ ኣለዎም ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ፕሬዚደንት ኮይኖም ቅድሚ ምምራጾም'ዩ ነይሩ።

ጉዳይ ክሲ ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ብዙሕ ኣይተንቀሳቐሰን።

ኣብ 1991 ምስዝተፈፀመ ዕድጊ ኣፅዋር ብዝትሕሓዝ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ብልሽውና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ክሕተት ፀኒሑ።

ንጎኒ ተገዲፎም ዝፀንሑ ክስታት ድማ ዙማ ናብ ስልጣን ክመፁ ዕድል ፈጢሮም።

ዙማ ግን ካብቶም ክስታት ናጻ ምዃኖም ብምግላፅ ይካትዑ።

እቶም ክስታት፡ ሻብር ሻይክ ዝተብሃለ በዓል ሃፍቲ ካብ ኩባንያ ፈረንሳይ ኣጽዋር ኵናት ንምዕዳግ ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ብላዕ ብምሕታተቱ ምስ ዝተኣሰረሉ ጉዳይ ይተሓሓዙ።

በዚ ሽዑ እዋን ዙማን ካልኦት ሰበ-ሰልጣንን ካብቲ ዝተፈፀመ ዕድጊ ተዋጋእቲ ነፈርቲ፣ ወታሃደራዊ ጀላቡን ካልኦት ኣፅዋርን በብፅሒቶም ከምዝወሰዱ ይዝረብ።

ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ ብዓቀብቲ ሕጊ ቀሪብሎም ዝነበረ ክሲ ከምዝወዓሉዎ ብትካላት ድሕነት እንከይተረፈ ዝተረጋገጸ ናይ ድምጺ መረዳእታ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ ኣይሰለጥን ውድቂ ኮይኑ ተሪፉ።

እቲ ብመቕረጸ ድምጺ ተቐዲሑ ዝበሃል መረዳእታ ንህዝቢ ብዕሊ ተገሊጹ ኣይፈልጥን።

ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ (ሰልፍታት) እታ ሃገር ግና ጉዳይ ክሲ ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ዳግማይ ኣብ ቤት ፍርዲ ንኽረአ ተቓሊሶም'ዮም።

እቲ ብቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ውሳነ ሓሳባዊ እምበር ግብራዊ ከምዘይኸውን ስግኣት ብዙሓት ኮይኑ'ሎ።

ኣካላት ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ክሲ ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ንቕድሚት ከምዘይደፍእሉ ብዙሓት ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት