ብቅልውላዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዘተየ ዋዕላ ብራስለስ

ሺላ ኪታሮት
ናይ ምስሊ መግለጺ ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ሺላ ኪታሩትን

ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ትማሊ 19ን ሎሚ 20 ጥቅምትን "ኤርትራን ቅልውላው ስደተኛታትን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጂም፡ ብራስለስ ዋዕላ ኣካይዶም።

ኣብቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጽኡ ኣስታት 100 ዝኣኽሉ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ተሓለቕቲ ስደተኛታት፡ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ፓርላመንት ሕብረት-ኤውሮጳን መሻርኽትን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ፡

ንህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ንዘጋጥም ዘሎ ግህሰትሰብኣዊ መሰላትን ዝሕብር ዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቡ።

እቲ ኣኼባ ጠንቅታት ዋሕዚ ስደት ዘለሊ፡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፡ ዘጓንፎም ሽግራትን ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕቋቦም ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ይዅን ዘጋጥሙዎ ጸገማትን ከም ዛዕባ ዘትዩሎም ።

ኣብቲ ኣኼባ ብስደተኛታት ዝግደሱ ልኡኻት ሽድሽተ ማሕበራት፡ ጋዜጠኛታት፡ ግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ እውን ቃለ-ምስክርነቶም ዘስምዑ ስደኛታትን ተሳቲፎም።

ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ሺላ ኪታሩትን ሓያሎ ኤርትራውያን ምሁራትን ነቲ ዛዕባ ብዝተፈላለየ ሸነኻቱ ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም።

እቲ ኣብ ቤት-ውክልና ዞባ ሀሰን (ጀርመን) ሕብረት-ኤውሮጳ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ሰለተ ዓበይቲ ፓነላት ተኸፊሉ ንነፍሲ ወከፍ ፓኔል ኣርባዕተ ኣቕረብቲ-መደረ ሓቒፉን ብኣባላት ፓርላማ ሕብረት-ኤውሮጳ ተመሪሑ'ዩ ተኻይዱ ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ

ጸብጻባት ፍልይቲ ልእኸቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩት፡ ኣብ ኤርትራ መጠኑ ዝፈላለ ዝተፈላለየ ግህሰት መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘሎ'ዩ ዝሕብር

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን

ኣብቲ ኣኼባ መሰረታዊ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኤርትራ፡ ብኩራት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ግዱዱን ደረት ኣልቦ ዕስክርናን ምኻኑ፡ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝፍጸም

ጾታዊ ዓመጽን ምስርጣይን ከምዘጋጥምን ንጠንቅታት ስደት ብዝያዳ ከም ዘጋደዶን ተዘሪቡሉ። ግህሰት ኣምልኾን እምነትን፡ ከምኡ እውን ምእጋድ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን መራሕተንን ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ብዙሕ ሳዕ ዝጥቀስ ሰብኣዊ ግህሰታት ምዃኑ ተሓቢሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምኽንያት ቅልውላዉ ስደት ኤርትራውያን ብትካላት ስለያ ሃገራት ምዕራብ ዝተወደበ'ዩ ክብል እዩ ዝገልጾ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዶር ዳኒኤል ረዘነ

ተለዋዋጢ ፓሊሲ ሃገራት ኣውሮጳ

ብብዝሒ ስደተኛታት ዝተማረራ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋት፡ ዛጊት ግቡእ ፍረ ዘይሃበ፡ እኹልን ደቂቕን መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ነቲ መሰረታዊ ጸገማት ስደተኛታት ብዝግባእ ዘይፈትሕ፡ ፕሮጀክትታት ክወስዳ ጸኒሐንን ኣለዋን።

ንስደተኛታት ኣብታ ፈለማ ዝረገጹዋ ሃገረ ስደቶም ዝረግኡሉን ዝዓርፍሉን ኩነታት ምፍጣር ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ውጥናት ዝስማዕ እዩ። እቲ ብ"መስርሕ ካርቱም" ዝፍለጥ ተበግሶ እውን ስደተኛታት ናብ ሰሃራን

ባሕሪ ሜዲተራንያን ከየምርሑ ኣብ ሱዳን ዝድገፉሉን ዝረግኡሉን ዕድላት ንምፍጣር እዩ ነይሩ እንተኾነ ብዙሕ ፍረ ኣይሃበን።

በንጻሩ እኳ ደኣ፡ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጥራሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብምባል ንልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኤርትራ ምጥራዙ ተነጊሩ።

ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኣደዳ ጭውያታትን ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርትን ሰባዊ-ንግድን (humman trafficking) ይኾኑ ምህላዎም ካብቲ ኣሰከፊ ጸገማት ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከመኡ እውን ኣብ እስራኤል ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ኣሻሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ጥልያን ዘጋጥሞም ዘሎ ኣተሓሕዛን ከም ዝተዘርበሉ'ውን ተፈሊጡ።

ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቐባን ሓለፍቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ገጽ ንገጽ