ኣሜሪካ ንፍልስጤም ኣጠንቒቓ

"Pence you are not welcome", says graffiti in the West Bank city of Bethlehem Image copyright AFP/GETTY IMAGES

ምምሕዳር ዋሺንግተን ንእዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቡ ስዒቡ፡ ፍልስጤማውያን ነቲ ምስ ምክትል ፕሬዚደንት ማይክ ፔንስ ክገብርዎ ዝነበረ ዝርርብ ብምስራዞም ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ።

ነቲ ቅድሚ ወርሒ ኣብ መንጎ ምክትል ፕሬዚደንት አሜሪካ ፔንስን ፕሬዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ዝርርብ ምስራዝ ዓንቃፊ ከምዝኾነ ኣሜሪካ ገሊጻ።

ምክትል ፕሬዚደንት ፔንስ ኣብ ፍልስጤም ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ ሓደ ብዓል ስልጣን ፍልስጤም።

ኣብዚ ሰሙን ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንእዮሩሳሌም ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣሜሪካ ንዓመታት ክትክተሎ ዝጸንሐት ፖሊሲ ኣብ ጉዳይ እዮሩሳሌም ንድሕሪት ዝመልስ ኢዩ።

ብሓሙስ፡ 7 ታሕሳስ፡ ኣብ ጋዛን ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጎብጠ ምዕራባዊ ገማግምን ዝተኻየደ ጎንፂ ኣስታት 13 ፍልስጤማውያን ቆሲሎም።

ነድሪ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ታሕጓስ ድማ ኣብ ምዕራባዊ እየሩሳሌም

ናይ ምስሊ መግለጺ ተቓውሞ ፍልስጤማውያን

እቲ ጎንፂ ብሰንኪ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ፖሊሲ ምቕያር ኢዩ ነቲጉ።

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኩሉ ግዝኣታት ፍልስጤም ስልፍታት ተቓውሞ ክግበር ትጽቢት ኣሎ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ፍልስጤም - ሓማስ ድሮ ሓድሽ ምልዕዓል [ኢንቲፋዳ] ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።

እስራኤል ድማ ኣማኢት ተወሰኽቲ ወተሃደራት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣዋፊራ ኣላ።

ብዙሓት መሓዙት ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት ምስቲ ምቅይያር ፖሊሲ ኣሜሪካ ከምዘይሰማምዑ ገሊጾም ኣለው።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ጥምረት ሃገራት ዓረብን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ብምርኻብ መልሰ ተግባር ክህቡ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ዝርርብ ዓባስን ፔንስን በኸመይ ኢዩ ናብ ዘየምርድዳእ ማዕቢሉ?

ብሓሙስ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምክትል ፕሬዚደንት ፔንስ ክገብሮ ዝተመደበ ርክብ ብመሰረት እቲ መደብ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

ዋላ ሕዚ ፔንስ ምስ ፕሬዚደንት ዓባስን ካልኦት መራሕቲ ፍልስጤም ንምርካብ ድሌት ዘለዎ እንትኸውን፡ ዝኾነ ካብቲ ዝተመደበ ርክብ ምስሓብ ድማ ዓንቃፊ ምዃኑ ሓደ ብዓል-ስልጣን ዋይት ሃውስ ገሊጹ።

ምክትል ፕሬዚደንት ፔንስ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝገብሮ ዑደቱ ንእስራኤልን ግብጽን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምክትል ፕሬዚደንት ፔንስ ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ቅቡል ከምዘይኮነን እቲ ምስ መራሒ ፍልስጤም ክግበር ዝተመደበ ርክብ'ውን ከምዘይካየድ፡ ጂብሪል ራጁብ ዝተባህለ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል-ስልጣን ሰልፊ ፋታሕ ገሊጹ።

ስጋብ ሕዚ ፕሬዚደንት ዓባስ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን ዘሎ።

ስለምንታይ ዩ ትራምፕ ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ዝቐየረ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሮቡዕ ኢዩ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ መግለጺ ዝሃበ። "ነዚ ውሳነ ዝወሰድኩ ንረብሓ ኣሜሪካን ሰላም ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ንምንዳይ ኢዩ"ኢሉ ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ዮሩሳሌም ንምጓዓዝ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ምድላዋት ክገብሩ መምርሒ ከምዝሃቦም ገሊጹ።

ብሰንኪ'ቲ ውሳነ ኣብቲ ከባቢ ክፍጠር ዝኽእል ዕግርግር ኣብ ግምት ብምእታው መጠንቀቕታ እንተተዋህበ፡ እቲ ኣብ እዋን [ፕሬዚደንታዊ ] ምርጫ ኣሜሪካ ዝተዋህበ መብጽዓ [መፅበዓ] ትራምፕ ተተግቢሩ።

ንእዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምቕባል "ካብ ንክውንነት ምቕባል ኣይዓቢ ኣይንእስን፡ ቅኑዕ ስጉምቲ ድማ ኢዩ" ኢሉ ትራምፕ።

እንተኾነ ትራምፕ እቲ እስራኤል ንእዮሩሳሌም ትጥቀመሉ መግለጺ "ዘልኣለማውን ዘይትምቀልን ርእሰ ከተማ" ካብ ምጥቃም ነብሱ ገቲኡ።

ፍልስጤማውያን ንምብራቕ እየሩሳሌም ከም መጻኢ ርእሰ ከተማ ምምሕዳር ፍልስጤም ክትከውን ኢዩ ድልየቶም።

እንታይ ርእይቶ ኣስዒቡ?

"ሂወቱ ንዘልኣለም ምስ ታሪኽ እታ ርእሰ ከተማ ብምቑራኑ" እስራኤል ንፕሬዚደንት ትራምፕ ኣዝያ ተመስግኖ ኢሉ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ።

"ካልኦት ሃገራት ድማ ተመሳሳሊ መርገጺ ክወስዳ እስራኤል ርክባት ተካይድ ኣላ" ኢሉ ኔታንያሁ።

ኣስማተን ግና ኣይፀርሐን፡ ዋላ'ኳ ናይ እስራኤል ናይ ዜና ማዕከናት ፊሊፒንን ቼክ ሪፑብሊክን ገለ ካብተን ሃገራት ከምዝኾና እንተጠቐሳ።

ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ግና ስጋብ ሕዚ ኣሰር ትራምፕ ዝወሰዳ ሃገራት ከምዘለዋ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።

በኣንጻሩ እቲ ስምዒት ኣብ ፍልስጤም ዝተፈልየ ኢዩ ነይሩ።

መራሒ ሓማስ ዓርቢ፡ እታ መዓልቲ ድማ "ናይ ቁጥዐ መዓልቲ" ክትከውን ብምስማይ፡ "ቀዳመይቲ ናይ ምልዕዓል [ኢንቲፋዳ] መዓልቲ ኣንጻር እቲ ጎባጢ ክትከውን ኢያ" ድማ ኢሉ።

"ኣባላት ሓማስ ነቲ ስትራቴጂካዊ ሓደጋ ንምግጣም ድልዋት ኢዮም" ኢሉ ኢስማዒል ሃኒያ [ዝለዓለ መራሒ ሓማስ] ኣብ ጋዛ ኣብ ዝገበሮ መደረ።

በኣንጻሩ ፋታሕ ተቓውምኡ ብዲፕሎማቲካዊ መንገዲ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምስዳድን ጥምረት ሃገራት ዓረብ ድማ ሓያል መርገጺ ክወስዳ ብምድራኽን ኢዩ ተቓውምኡ ዝገልጽ ዘሎ።

መራሕቲ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ጀርመንን በቲ ናይ ኣሜሪካ መግለጺ ከምዘይሰማምዑ ገሊጾም።

ስለምንታይ'ዩ እቲ መግለጺ ኣገዳሲ ዝኸውን?

እየሩሳሌም ንእስራኤልን ፍልስጤምን ኣዝያ ኣገዳሲት ከተማ ኢያ። ናይ ሰለስተ ዓበይቲ እምነታት - ዩሁዳነት፣ እስላምን ክርስትናን ስፍራ ስለዝኾነት።

ብማሕበረ-ሰብ ዓለም እዮሩሳሌም ከም ግዝእት እስራኤል ትፍለጥ ስለዘይነበረት ድማ ኩለን ሃገራት ኤምባሲታተን ኣብ ቴልኣቪቭ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን።