ነታንያሁ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ኣሰር ፕረዚደንት ትራምፕ ተኺቲሉ ንእየሩሳሌም ኣፍልጦ ክህብ ሓቲቶም

ቤንጃሚን ኔታንያሁ
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ

ኣብ ውሽጢ ዒስራ ዓመት ንመጀመርታ ጊዜ ብራስልስ ዝረገፁ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፥ ንልዝብ'ዮም ተጓዒዞም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሕብረት ኣውሮፓ ኣሰር ፕረዚደንት ክኽተልን እታ ታሪኻዊት እየሩሳሌም ከም ዋና ርእሰ ከተማ ሃገሮም ገይሩ ኣፍልጦ ክህብን ትፅቢት ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።

ይኹን'ምበር ሓላፊት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ፈደሪሽያ ሞገሪኒ፤ እቲ ሕብረት ኣብቲ ጉዳይ ቅድም ክብል ዝሓዞ ቅዋሙ ኣይቀየረን ክብላ ተዛሪበን፥ ቅዋም ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘኽብር ብምዝራብ።

"ንሕና ትኽክለኛ መፍትሒ መሲሉ ዝረአየና እስራኤልን ፍልስጥኤምን ከም ክልተ ሃገራት ክቕፅላን እየሩሳሌም ድማ ናይ ክልቲአን ርእሰ ከተማ ኮይና ክትቅፅልን እዩ" ኢለን።

ይኹን ምበር ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ (እስራኤላውያን) ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣውጊዘን።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ተኣፋፈፊ ጉዳይ ዝወሰዱዎ ቅዋም አሜሪካ ካብ ሃገራት ዓለም ነፂሉዋ እዩ።

ነታንያሁ ኣብ ብራስልስ እንትበፅሑ፥ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ ሃገሮም ኯይና ን3 ሺሕ ዓመታት ከምዝፀንሐትን ሓዲሽ ነገር ከምዘይኮነን ኣፍሊጦም።

"ሃገራት ኣውሮፓ እዚ ሓቂ ተረዲኦም ኢምባሲኦም ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ክቕይሩ ተስፋ ይገብር " ኢሎም።

ዶናልድ ትራምፕ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ካብ ምፍላጥ ሓሊፎም፥ ሚኒስቴር ወፃኢ ጉዳያት ሃገሮም ኢምባሲ አሜሪካ ንእየሩሳሌም ንኽቕይሩ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ይዝረብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፥ ቅድሚ ንብራስልስ ምጓዓዞም ናብ ፓሪስ ከይዶም ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምዝታዮም ይፍለጥ።