ሲልቭያ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይርሳዕ ስራሕ ፈፂማ

ሲልቭያ ፓንክረስት Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲልቪያ ንኢትዮጵያ ዝነበረ ልባዊ ፍቕሪ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ትዮጵያ ካብ ምቅዋም ይጅምር

ዕለት 6/2/2018 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፍልይቲ መዓልቲ ዝገብራ ኵነታት ኣሎ። እቲ ኵነታት'ቲ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሓፈሽኡ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይትንክፍ።

ኣዋጅ ህዝባዊ ውክልና 1918፡ ልክዕ ቅድሚ 100 ዓመታት፡ ኣብ ግብሪ ዝኣተወሉ መዕላቲ'ዩ። እቲ ኣዋጅ'ቲ ድማ'ዩ ንደቂ'ንስትዮ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ንኸድምጻ ዕድል ዝኸፈተለን።

ኣብ ሞንጎ'ተን ቀንዲ ተቓለስቲ ሓንቲ "ኢትዮጵያዊት" ኣሎዋ - ሬሳኣን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስላሴ ይርከብ።

ቃልሲ "ሳፍረጀት"

ኣብ'ቲ እዋንቲ ደቂ'ንስትዮ ሰላሳ ዓመት ምስ ዝመልኣ፡ ምስኡ ኸኣ ናይ ንብረት ምውናን ብቕዓት ምስ ዝህልወን፡ ንኸድምጻ ተፈቕደለን። ንደቂ ተባዕትዮ ግን ኣብ 21 ዕድሚኦም።

ደቀ'ንስትዮ ከድምጻ ዝተፈቕደለን ምኽንያት ብጻዕሪ ናይ'ተን ብ"ሳፍረጀት" ዝፍለጣ - ተሓለቕቲ መሰል ምርጫ - እዩ።

"ሳፍረጀት" ዚብል ቃል ክጥቀስ ከሎ እተን ናይ ሽዑ ተቓለስቲ፡ ብሓፈሻ፡ ግናኸ ሓደ ስድራ-ቤት ብፍላይ'ዩ ዚዝከር። እቲ ስድራ-ቤት ፓንክሀርስት ብዚብል ስም ይጽዋዕ። ሓንቲ ኣደን ሰለስተ ደቃን ሕመረት ናይቲ ቃልሲ ነበራ።

ምንቅስቓስ "ሳፍረጀት" ን "ኣዋጅ ህዝባዊ ውክልና 1918" ብኸመይ ጸለዎ? ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራንከ ብኸመይ ይተኣሳሰር?

ብፈለማ እቲ ቀዳማይ ሕቶ ንመልስ። እቲ ናይ "ሳፍረጀት" ምንቅስቓስ ነቲ ኣዋጅ ናይ 1918 ብብዙሕ መንገድታት ንኽእወጅ ደፋፍኦ - እቲ ማዕበል ጠረር ሞገድ ብምፍጣር፡ ናብ ቀልቢ መድያ ዝጠለፈ እወታ ስለ ዘድሃበ፡ ናይ ሓፋሽ መርሻ ዘኸተለ፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ርእሲ ኣሰብኡት ከም ዝዓስል ስለ ዘኽኣለ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መኣድታት ስድራ-ቤታት መዛረቢ ዛዕባ ስለ ዝዀነ።

እቲ ምንቅስቓስ ብሓያል ደገፍ እንዳ ፓንክሀርስት ዕቱብ ክንክን ረኺቡ።

እንዳ ፓንክሀርስት

ኤመሊን ዝበሃላ ኣደ ምስ ሪቻርድ ዝበሃሉ በዓል ቤተን ኣዝዮም ብማሕበራዊ ጕዳያት ኣዝዮም ንቑሓት ነበሩ፣ ሰለስተ ዝመስላኦም ንቑሓት ኣዋልድ ከኣ ወለዱ። ንሳተን ከኣ፡ ብቀደም ተኸተል (ትውልዲ ዓመት)፡ ክሪስታበል፡ ሲልቭያ፡ ኣደል ይበሃላ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስድራ ፓንክረስት (ሲልቭያ ካብተን ኮፍ ዝበላ ኣብ ማእኸል ዘላ)

ኤመሊን ንሰለስተ ደቀንን ካልኦትን ኣኸቲለን ብማዕርነት ደቂ'ንስትዮ ብዝተደራጀወ መልክዕ ክቃለሳ ብ1905'የን ጀሚረን። ድንብርጽ ዘይብለም እሕሕ በሃሊት'የን ነይረን (militant)። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ብድዐ ደቂ-ተባዕትዮ ሕሉፍ'ዩ ነይሩ። ኤመሊን ብዙሕ ማእሰርትን ግፍዕን'ያ ኣሕሊፈን'የን። ኣይሰነፋን ግን!

ካብ'ተን ሰለስተ ኣሕዋት ሲልቭያ እታ ዝሓየለት፡ ምስ ሓዘት ዘይትፍኑ፡ ክምስ ዘይብል ባህሪ ነበራ።

እታ ዘይትግታእ ሲልቭያ

እቲ ፓንክሀርስት ዚብል ስም ምስ ሱር-ነቀላዊ ናይ ሰላሳታት ሕብረተሰባዊ ተቓውሞ'ዩ ዝተኣሳሰር። ምናዳ ስም ናይ ሲልቭያ። ንዕላማኣ ዉፍይቲ፡ ስራሕ እንተዘይኰኑ ካልእ ህይወት ኣይነበራን። ሪቻርድ፡ ህይወቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሕለፎ ዉላዳ፡ "ነደይ ህይወት ማለት ስራሕ ማለት'ዩ፣ ስራሕ ማለት ከኣ ህይወት'ዩ" ኢሉ ይገልጻ። መለኮታዊ ትርኢት ዘለዋ ተቓላሲት ግን ጸላእቲ ብቐሊሉ እተጥሪ ሰብ ነበረት።

ሲልቭያ ፓንክሀርስት ብ 5 ግንቦት 1882 ኣብ ማንቸስተር ዝበሃል ከተማ ዓዲ እንግሊዝ ተወልደት። ምስ ጎበዘት ምስ ክሪስታበል ዓባይ ሓብታን ኣዲኣን ኰይና ናይ ደቂ'ንስትዮ ማሕበራውን ፖለቲካውን ክበብ ብምፍጣር ቃልሳ ጀመረት። ኣብቲ እዋንቲ ኵነታት ቀልባ ብጸጋማዊ ክንፊ ፖለቲካ ተዓብሊሉ ነበረ።

ዉፍይቲ "ሳፍረጀት" ስለ ዝነበረት ከኣ ዘንት-እለት ኣብ ግርጭት፡ ኣብ ናይ ጥሜት ኣድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትርከብ ነበረት።

ዋላ'ኳ ኣዝዩ ጸጋማዊ ዝንባሌ ይንበራ፡ ምስ ቭላድሚር ለኒን ኣብ ንትርኽ ምእታው ድሕር ኣይትብልን ነበረት።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲልቭያ ዘረባ እናስምዐት

ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጸጋማዊ ዝንባሌኣ ገዲፋ ፓሲፊስት (ተሓላቒት ሰላም) ኰይና ምስ ኣሕዋታ ክተሰማማዕ ኣይከኣለትን። ኣብ መጀመርያ ሰላሳታት ከኣ ካልእ ዘመተ ጀመረት - ኣንጻር ፋሺሽትን ባዕዳውያን ገዛእትን።

ኣብ ህይወታ ብርክት ዝበሉ ዘመታት'ያ ኣካዪዳ - እታ ናይ መወዳእታ ግን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ስለ ዝነበረ ብኣኡ ኣቢላ ድማ ምስ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ተፋለጠት።

እቲ ፍልጠት'ቲ ክሳብ መጠረሽታ ህይወታ ብምዕቃብ ን20 ዓመታት ተቓለስትሉ።

ሲልቭያ / ጃንሆይ / ኤርትራ

ብ1935፡ ጥልያን ንኢትዮጵያ ምስኣጥቅዐት፡ ሲልቭያ ተቘጥዐት። ነቲ ጕዳይ ከኣ ተበገስትሉ። ጃንሆይ ኣብ ጂኒቫኣብ ቅድሚ ማሕበራ ሃገራት (ሊግ ኦፍ ነይሽንስ) ዘቕረቡዎ ኣቤቱታት ሰምዐት፡ ተመሰጠት ከኣ። ጽንሕ ኢላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘዕቘብሉ እዋን ከኣ ብኣካል ረኸበቶም።

ንድሕነት ኢትዮጵያ ዓቢ ዘመተ ጀመረት። ሽዑ'ያ እቲ ዉዕዉዕ ሰሙናዊ ጋዜጣኣ "ዘ ኒው ታይምስ ኢትዮፕያ ኒውስ" ዝበሃል ሰሙናዊ ጋዜጣ ክትሓትም ዝጀመራ።

ጃንሆይ ንኢትዮጵያ ብ1941 ተመልሱ፣ ሲልቭያ ኸኣ ቃልሳ ደው ኣየበለትን። ክትብል-ክትብል ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ገጠመት። ኢትዮጵያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን'ኳ ትገላገል ጽግዕተኛ እንግሊዝ'ያ ነይራ።

ኣብቲ እዋንቲ ኵነታት ኤርትራ ኣብ ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት ስለ ዝኣተወ ሲልቭያ ኢዳ ከተእቱ ጀመረት። መንግስቲ ጥልያን ተሳዒሩ'ኳ ይንበር ዜጋታት ጥልያን ኣብ ኤርትራ ጌና ዓቢ ጽልዋ ነይሩምዎም'ዩ።

እንግሊዝ ጕዳይ ኤርትራ ኣወጊኖም ክወጹ ደለዩ፣ ገሊኦም ኤርትራውያን ንናጽነት ክቃለሱ ገሊኦም ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና ዝብሉ ነይሮም'ዮም። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰረቱ ዜጋታት ጥልያን ከኣ ናብ ዝነበረቶ ክትምለስ፡ ማለት ብጣልያን ክትመሓደር፡ ይፈታትኑ ነይሮም'ዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ሲልቭያ ድልየታት ጃንሆይ ብምቕላሕ ዳግም ሆ! ክትብል ጀመረት። ምስ'ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምሽራኽ ከኣ ድልየቶም - ንሕብረት - ኣቃልሐት። ኣንጻር በዓል ወልደኣብ ወልደማርያም ከኣ ገጠመት።

ኣብ መጠረሽትኡ ድልየት ጃንሆይ ክሰምር ከኣለ፣ ብኡ ምኽንያት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሲልቭያ ጽቡቕ ታሪኽ የብላን፣ ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን ግን ኣንጻሩ'ዩ።

ሲልቭያ ኣብ ኣገልግሎት ጃንሆይን ህዝቢ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት'ያ ሰሪሓ። ብ1956 ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኽትግዕዝ ጃንሆይ ዓደምዋ። ጽቡቕ ገዛ ተዋሂባ ሓድሽ ህይወት ጀመረት። ዋላ'ኳ ዕድሜ የርክባ ሓዲስሽ "ኢትዮፕያ ኦብዘርቨር" ዚብል ወርሓዊ ምሕታም ጀመረት።

ርክባ ምስ ጃንሆይ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ ቀንዲ ኣማኻሪኦም ኰይና ኣገልግሎታ ቀጸለት - ኣብ ዝደለየቶ እዋን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ትኣቱን ትወጽን ነበረት።

ናይ ምስሊ መግለጺ መቓብር ሲልቭያ ኣብ ሞንጎ ናይቶም ሃርበኛታት ኢትዮጵያ ዝዓረፈሉ ይርከብ

በቲ እዋን'ቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደራላዊ ስምምዕ ተጻሚዳ ነበረት።

ብ1960፡ ክልተ ዓመት ቅድሚ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባራ፡ ስልቭያ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት።

ጃንሆይ ዝተኻፈልዎ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ብክብ ዝበለ ኣገባብ ተፈጸመ፣ ሲልቭያ ኢትዮጵያዊት'ያ ኢሎም ድሕሪ ምዝራብ ከኣ ብኽብሪ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐብረት።