ዉድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ 2018 ብዓወት ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ተዛዚሙ

ጋንታ ኤርትራ Image copyright Mekseb
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ናይ እዚ ዓመት'ዚ ውድድር ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዓብላሊ ኢድ ነይርዎም።

ኣብ ኪጋሊ፡ ርዋንዳ ንሓሙሽተ መዓልትታት ክካየድ ዝቐነየ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ብዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ተዛዚሙ።

ኣማኑኤል: ነቲ ናይ 168 ኪሎሜትር ዉድድር ጽርግያ ብ3፡56፡29 ብምዉዳእ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ መትከል ኢዮብ ድማ ካልኣይ ብምዃን ወረቂን ብሩርን ተሸሊሞም።

በዚ መሰረት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ: ብድምር 10 ወርቂ፡ 3 ብሩርን፡ 3 ነሓስን ብምውሳድ ዉድድራታ ቀዳመይቲ ኾይና ዛዚማ።

Image copyright Mekseb
ናይ ምስሊ መግለጺ ጋንታ ኤርትራ መዳልያታት ዝተዓወታ ሓያላት ደቂ-ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ኣሰሊፋ ነይራ

1 ወረቂ፡ 4 ብሩር፡ 3 ነሓስ ዝረኸበት ኢትዮጵያ ድማ ንኣአንጋዲት ሃገር ቀዲማ፡ ካልአይቲ ክትከዉን በቒዓ።

ምሉእ ዝርዝር ተዓወትቲ መዳልያታት ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ከምዚ ዝስዕብ'ዩ:

ዉህሉል ድምር መዳልያታት ብደረጃ ሃገር

ሃገርወርቂብሩረነሓስድምር

  1. ኤርትራ103316
  2. ኢትዮጵያ1438
  3. ርዋንዳ1427
  4. ብሩንዲ0101
  5. ኣልጀርያ0022
  6. ናሚብያ0011

ደቂ ተባዕትዮ

ናይ ግዜ ቅድድም ብጋንታ - 14/02/2018

ጁንየር

  1. ኤርትራ - ቢንያም ግርማይ፡ ቶማስ ጎይትኦም: ሃገር መስፍን፡ ናታን መድሃኔ
  2. ርዋንዳ - ዦን ኤሪክ ሃቢማና፡ ዪቭስ ንኩሩንዚዛ፡ ባርናበ ጋሄምባ፡ ዦን ክሎድ ንዛፋሽዋናዮ
  3. ናሚብያ - ቻሪ ዱ ፕሉይ፡ ኣሌክስ ሚለር፡ ሻልክ ቫን ደር መርው፡ ዲየተር ኮወን

ኤሊት

  1. ኤርትራ - መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ መትከል ኢዮብ፡ ሳይሞን ሙሴ
  2. ርዋንዳ - ኤድሪየን ኒዮንሹቲ፡ ቫሌንስ ንዳዪሴንጋ፡ ዦን ቦስኮ ንሰንጊማና፡ ጆሰፍ ኣረሩያ
  3. ኣልጀርያ - ዓዘዲን ላጋብ፡ ዩስፍ ረጒጒ፡ ዓብደራሕማን መንሱሪ፡ ኢስላም መንሱሪ

ናይ ግዜ ቅድድም ብዉልዊ - 15/02/2018

ጁንየር

  1. ቢንያም ግርማይ - ኤርትራ
  2. ዪቭስ ንኩሩንዚዛ - ርዋንዳ
  3. ናታን መድሃኔ - ኤርትራ

ኤሊት

  1. መኽሰብ ደበሳይ - ኤርትራ
  2. ዦን ቦስኮ ንሰንጊማና - ርዋንዳ
  3. ጆሰፍ ኣረሩያ - ርዋንዳ

ናይ ጽርግያ ቅድድም - 17/02/2018

ጁንየር

  1. ቢንያም ግርማይ - ኤርትራ
  2. ቶማስ ጎይትኦም - ኤርትራ
  3. ሃገር መስፍን - ኤርትራ

ናይ ጽርግያ ቅድድም - 18/02/2018

ኤሊት

  1. ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር - ኤርትራ
  2. መትከል ኢዮብ - ኤርትራ
  3. ዓዘዲን ላጋብ - ኣልጀርያ

ደቂ ኣንስትዮ

ናይ ግዜ ቅድድም ብጋንታ - 14/02/2018

  1. ኢትዮጵያ - ኢየሩ ተስፎም፡ ሰላም ኣማሃ፡ ጸጋ በየነ፡ እየሩሳሌም ከሊል
  2. ኤርትራ - ሞሳና ደበሳይ፡ ወሓዚት ኪዳነ፡ ትዕግስቲ ገብረሂወት፡ ብስራት ገብረመስቀል
  3. ርዋንዳ - ጂን ዳርክ ጂሩቡንቱ፡ ቢያታ ኢንጋቢረ፡ ማንጊፊክ ማኒዛባዮ፡ ጃኪሊን ቱዪሺሜ

ናይ ግዜ ቅድድም ብዉልዊ - 15/02/2018

ጁንየር

  1. ደሴት ኪዳነ - ኤርትራ
  2. ጻድቃን ገብረመድህን - ኢትዮጵያ
  3. ዛይድ ሃይሉ - ኢትዮጵያ

ኤሊት

  1. ሞሳና ደበሳይ - ኤርትራ
  2. ሰላም ኣማሃ - ኢትዮጵያ
  3. ኢየሩ ተስፎም - ኢትዮጵያ

ናይ ጽርግያ ቅድድም - 17/02/2018

ጁንየር

  1. ደሴት ኪዳነ - ኤርትራ
  2. ፍርቱና ካሳሁን - ኢትዮጵያ
  3. ዛይድ ሃይሉ - ኢትዮጵያ

ኤሊት

  1. ብስራት ገብረመስቀል - ኤርትራ
  2. ጸጋ በየነ - ኢትዮጵያ
  3. ሞሳና ደበሳይ - ኤርትራ