ኬንያውያን ሓካይም ብጌጋ ርእሲ ኻልእ ሕሙም መጥባሕቲ ከፊቶም

ኬንያታ ሃገራዊ ሆስፒታል Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ መጥባሕቲ ዝተገብረሉ ሰብ፡ ናይ ርእሲ ሕበጥ ዝነበሮን መጥባሕቲ ዘየድልዯን'ዩ ነይሩ

ኬንያውያን ሓካይም ብጌጋ ርእሲ ናይ ካልእ ሕሙም ብመጥባሕቲ ስለ ብምኽፋቶም ካብ ስራሖም ደስኪሎም ኣለዉ።

ካብ'ቶም ክልተ ሕሙማን ሓዲኦም ኣብ ሓንጎሉ ደም ስለዝረግአ መጥባሕቲ ዘድልዮ፣ እቲ ካልእ ከኣ ንሕበጡ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ እዮም ነይሮም ይብል ዘ ደይሊ ነሽን ዝተባህለ ጋዜጣ።

እቲ ጋዜጣ ቀጺሉ፡ "እቲ ዘሰንብድ ጌጋ እቲ ሕበጥ ዝነበሮ ሰብ ናይቲ ደም ኣብ ርእሱ ዝረግኦ ሰብ መፈለጥታ ካርድ ስለ ዝገበርሉ፡ ደፊኦም ንኣዳራሽ መጥባሕቲ የትዮሞ።"

እቶም ሓካይም ነቲ ጌጋ ብእዋኑ ኣይስተብሃልሉን። እቲ ጋዜጣ ይብል፡ "እቶም ሓካይም ነቲ ሕሙም ርእሱ ብመጥባሕቲ ድሕሪ ምኽፋት ነቲ ዝረግአ ደም ክረኽቡዎ ኣይከኣሉን። ሽዑ'ዩ ጌግኦም ተረዲኡዎም።"

ኬንያታ ሃገራዊ ሆስፒታል እቲ ጌጋ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ፣ ነቲ ቀንዲ ብጌጋ ዝጠብሐ ሓኪም ከም ዘደስከልዎ ድማ 'ስታንዳርድ' ዝተባህለ ካልእ ጋዜጣ ገሊጹ።

"ይዅን'ምበር ብጾት እቲ ሓኪም በዚ ጕዳይ'ዚ ዓገብ ይብሉ ኣሎዉ" ይብል "ስታር" ዝተባህለ ጋዜጣ። እቶም ሓካይም "እቲ ብጌጋ መፈለጥታ ካርድ ነቲ ሕሙም ዘገበረሉ ሰብ'ዩ ክቕጻዕ ዘሎዎ" ይብሉ።

ጋዜጣ "ዘ ደይሊ ነሽን" እቶም ክልቲኦም ሕሙማት ብድሓን ከም ዘሎዉ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ርእሱ ደም ዝረግኦ ሕሙም ስለ ዝሓሾ መጥባሕቲ ኣየድልዮን ይበሃል ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት