ነበር ሰላሊ ሩሲያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብኬሚካል ንምቕታል ፈተነ ተኻይዱ

ሰርጌ ስክሪፓልን ጓሉ ዩሊያን Image copyright EPA/ Yulia Skripal/Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ወዲ 66 ዓመት ናይ ሩስያ ሰላይ-ነበርን ጓሉን ብዘጋጠሞም ከቢድ ጉድኣት፡ ኣብ ሆስፒታል እናተሓከሙ ይርከቡ።

ምንቅስቓስ መትኒ ዝዓግት ኬሚካል ብምጥቃም ናይ ሩስያ ሰላሊ ዝነበረ ሰብ ምስ ጓሉ ንምቕታል ፈተነ ከምዝተገብረ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ገሊጹ።

ሰርጂ ምስ ጓሉ ዩልያ ስክሪፓል ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሳልስቤሪ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ተረኺቦም፡ ስጋብ ሕጂ'ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ተገሊጹ።

እቲ ፈለማ ነቲ ኣቦ ምስ ጓሉ ዝረኸቦም ፖሊስ'ውን ኣብ ሆስፒታል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎን፡ ምክትል ፖሊስ ኮምሽነር ማርክ ሮውሊ ገሊጹ።

እቲ ዝተጠቕምሉ ኬሚካል ናይ መትኒ ምንቅስቓስ ዝዓግት ኣዝዩ መርዛም ኬሚካል ከምዝኾነ ተገሊጹ።

እዚ መርዛም ኬሚካል ብኣፍ፡ ብኣፍንጫ፡ ብዓይኒ ወይ ድማ ብቆርበት ናብ ሰብነት ከምዝኣቱ ተገሊጹ።

ሮውሊ፡ ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ፡ ከምዝበሎ ናይ መንግስቲ ክኢላታት ነቲ ዝተጠቕምሉ ዓይነት ኬሚካል ከምዘለልዮን ንግዚኡ ግና ነቲ ሓበሬታ ዕላዊ ኣይገበሮን።

"እዚ ፍጻመ፡ መትኒ ዝቐትል ኬሚካል ብምጥቃም ቅትለት ንምፍጻም ከምዝተገብረ ፈተነ ኢና ንወስዶ" ኢሉ ሮውሊ።

"በመሰረት እቲ ኣብ ልዕሊቶም ክልተ ግዳያት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ ድማ፡ መትኒ ዝቐትል ኬሚካል ከምዝተጠቕሙ የርኢ፡ እቶም ክልተ ሰባት ድማ ብንጹር ዒላማ ናይቲ ፈተነ ኢዮም ነይሮም" ኢሉ ሮውሊ።

ክልተ ኣባላት ፖሊስ ነቶም ኣቦን ጓልን ቀዳማይ ረዴት ዝሃብዎም'ውን ናይ ዓይኒ ስሓን ናይ ምትንፋስ ሽግራትን ምልክታት ስለዘርኣዩ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ረዲኤት ከምዝተገብረሎም ተፈሊጡ።

ሰርጂ ስክሪፖል ወዲ 66 ዓመት ክኸውን ከሎ ጓሉ ድማ ጓል 33 ዓመት ኢያ። ሮውሊ ከምዝበሎ ኣማኢት ኣባላት ናይ ወንጀልን ፎሬንሲክ መርመርትን ናይ ስለያ ኣባላትን ነቲ ኩነታት ንምምርማ ይሰርሑ ከምዘለው ገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሴርጂን ጓሉን ዝተጠቕምሉ ኬሚካል ክቐትል ዝኽእል ኬሚካል ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ቦሪስ ጆንሶን ንኣባላት ባይቶ ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ኢድ መንግስቲ ሩስያ ከምዘለዎ እንተድኣ ተረጋጊጹ መንግስቲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ግብረ መልሲ ክህበሉ'ዩ።

ብኣንጻሩ ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት "ዝኾነ ሓበሬታ" ከምዘይብላን ምስ ፖሊስ እንግሊዝ ግና ክትተሓባበር ቅሩብነታ ገሊጻ።

ማዕከናት ዜና ወጻኢ ናይነቲ ኩነታት ኣንጻር ሩስያ ክጉስጉሳ ተጠቒመናሉ ኢላ ወሃቢት ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ሩሲያ ማርያ ዛካሮቫ።

"ዝተለምደ ጎስጓስ ኣንጻር ሩስያ ኢዩ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ነገር ምድላይ ኢዩ ዘርኢ" ኢላ ማርያ።

ሰርጂ ስኪሪፓል መን ኢዩ?

ኮሌኔል ሰርጂ፡ ጡረታ ዘውጸ ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ኣብ ሩስያ ን13 ዓመታት ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ ኢዩ።

መንነት ናይ ሩስያ ናይ ስለላ ኣባላት ኣብ ኤውሮጳ ንናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ስለያ ትካል ብምሓቡ ድማ ዝተፈርዶ ሰብ ኢዩ።

ኣብ ሓምለ 2010፡ ሱኤርጊዮ፡ ሩስያ ምስ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለላ ትካል ናይ እሱራት ምልውዋጥ ክትገብር ከላ ካብ ዝፈትሓቶም ኣርባዕተ እሱራት ሓደ ነይሩ። ድሕሪ ምፍታሑ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሾሞንተ ዓመታት ኣቓልቦ ብዘይስሕብ ኩነታት ሂወቱ ክመርሕ ጸኒሑ።

ወኪልቢቢሲሪቻርድ ጋልፒን

ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሴርጂን ጓሉ ዩልያን ብመትኒ ዝቐትል ኬሚካል ንምቕታሎም ዝተገብረ ፈተነ ዝተዋህበ መግለጺ ምስቲ ኣብ 2006 ኣብ ልዕሊ ናይ ሩስያ ናይ ስለያ ኣባል፡ ኣሌክሳንደር ሊቲቪኔንኮ ብምስማም ዝተኻየደ ቅትለት ተምሳልነት እኳ እንተለዎ ናይ ሕጂ ግና ኣዝዩ ብርቱዕ ኬሚካል ከምዝነበረ ገሊጹ።

እዚ መትኒ ዝቕትል ኬሚካል ብፍልይ መንግስታዊ ላብራቶሪታት ስለዝምስራሕ ድማ ኩሉ ኣቓልቦ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኢዩ ክኸውን ድማ ኢሉ።

ሩስያ ጸላእታ ብመርዚ ናይ ምቕንጻል ሕሉፍ ታሪኽ ዘልዋ ሃገር ኢያ፡ ኣብ ጉዳይ ሰርጂ ስክሪፓል ድማ ንምቕታሉ መደባት ከምዝነበረ የርኢ ኢሉ ሪቻርድ።

ሰርጂ ስክሪፓል ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ዝነበረን ሃገሩ ክሒዱ ንናይ ዓዲ እንግሊስ ናይ ስለያ ትካል [ኤም ኣይ6] ሓበሬታ ብምቕባል፡ መንነት ናይቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣባላት ስለያ ሩስያ ኣቃሊዑ ይብሃል። ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሩስያ ፕሬዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከዳዓት ክቕተሉ ኣለዎም ኢሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ስለ ምንታይ'ዩ ሕጂ ሰርጂ ድሕሪ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምቕማጡ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት