ፕሬዚደንት ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግን 'ኣብዚ ቐረባ' ክራኸቡ ይብሃል

ኪም ጆንግ ኡን ዶናልድ ትራምፕን Image copyright AFP

ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኽራኸብ ዓዲምዎ፡ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ድማ ነቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ተበግሶ ከምዝቕበሎ ገሊጹ።

ኣብ ዋሺንግቶን ዝርከብ ናይ ደቡብ ኮርያ ብዓልስልጣን ካብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝተላእከ ደብዳበ ከቕርብ ከሎ ኢዩ ነቲ ሃንደበታዊ መግለጺ ዘበሰረ።

ከምቲ ዝተባህለ ድማ ኪም ጆንግ ናይ ኒዩክለረን ሚሳይላትን ፈተነታትን ደው ከብሎ ከምዝተሰማምዐን፡ ሃገሩ ድማ "ካብ ኒዩክለር ነጻ ክትከውንን ቃል ኣትዩ"።

እዚ ሓድሽ ተርእዮ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምትፍናንን ታሃዲድን ዝተበጸሐ ዓቢ ርኽበት ኢዩ።

እንተኾነ ገለ ተንተንቲ ከምዝበልዎ ነዚ ብሃታሃታ ዝተዳለው ርክብ እንታይ ፍረ ሒዙ ከምዝመጽእ ብዓይኒ ምጥርጣር ክንጥምቶ ይግባእ ኢሎም። ምኽንያቱ ድማ ከምዚ ዓይነት ርክብ ውጽኢት ናይ ዓመታት ጥንቁቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ስለዝኾነ ኢሎም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ከምዝበሎ እቲ ምዕባለታት "ዓቢ ገስጋስ" ኢዩ፡ እንተኾነ ስጋብ ኣብ ሓደ ጽኑዕ ስምምዕ ዝብጻሕ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተኣወጀ ማዕቀብ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ኢዩ ኢሉ።

እንተኾነ ሰሜን ኮርያ ስጋብ ሕጂ ብዛዕባ ናይዚ ሰሙን ምዕባለታት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትን ዘላ።

ናይ ደቡብ ኮርያ ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ኣማኻሪ፡ ቹንግ ኡይ-ዮንግ፡ ድሕሪ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፖ ምርኻቡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ] ከምዝበሎ፡ "ኣብ ርክብና፡ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጆንግ ሃገሩ ካብ ኒዩክለር ነጻ ናይ ምውጻእ ቆራጽ ውሳነ ገሊጸሉ" ኢሉ።

"ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝሃብኩዎ መብርሂታት ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ኪም ጆንግ-ኡን ብምርኻብ ነባሪ ካብ ኒዩክለር ነጻ ናይ ምዃን ስምምዕ ክትግብሩ ምዃኖም ገሊጹለይ" ኢሉ እቲ ናይ ደቡብ ኮርያ ብዓልስልጣን።

ከመይ ገይርና ኣብዚ በጺሕና?

ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ምግሃስ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግታት ብምጥሃስ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምምስራሕ ድልየታትን ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ኣህጉራዊ መሕበረሰብ ተገሊላ ጸኒሓ።

ኩሉ ሳዕ ህላዌና ኣብ ሓደጋ ስለዝኾነ፡ ንኽንህልው ኒዩክለራዊ ኣጽዋራትን ተውንጨፍትን ክህልወና ናይ ግድን ይከውን ኢላ ሰሜን ኮርያ።

ስጋብ ሕጂ ሽዱሽተ ናይ ኒዩክለር ፈተነታት ኣካይዳ። እንተኾነ ስጋብ ሕጂ ነዊሕ ክውንጨፍ ዝኽእል ናይ ኒዩክለር መጥቃዕቲ ናይ ምትግባር ዓቕማ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ደቡብ ኮርያ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ኣብ ዘእንገደትሉ እዋን ዝኾነ ሰብ ዘይተጸበዮ ናይ ዲፕሎማሲ መስኮት ብምኽፋት፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ርክባት ብምክያድ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ከምትካፈል ገይራ።

ብድሕሪኡ ኣብዚ ሰሙን ድማ ናይ ደቡብ ኮርያ ልኡኻት ምስ ኪም ጆንግ ኣብ ፒዮንግያን [ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮራይ] ብምርኻብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዝርርብ ኣካይዶም።

ኪም ጆንግ ስጋብ ክንደይ ሃገሩ ካብ ኒዩክለር ነጻ ንምግባር ዘለዎ ድልየትን "ነቲ ኒዩክለር ንምስስራሕ ዝጥቀምሉ ኒዩክስ ንምውናን ዝኾነ መመኽነይታ ከምዘይብሉ" ዝገልጽ መልእኽቲ ሒዞም ከምዝተመልሱ ገሊጾም።

Image copyright PA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ውድድር ዊንተር ኦሎምፒክስ

ሰሜን ኮርያ እንታይ'ያ ተመባጺዓ?

ሰሜን ኮርያ ኣርባዕተ ነገራት ኢያ ኣልዒላ ዘላ፡

- ኪም ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንምርኻብ ቅሩብነት ኣርእዩ

- "ሃገሩ ካን ኒዩክለር ነጻ ንምግባር ተመባጺዑ"

- ሃገሩ ክትገብሮ ዝጸንሐት ናይ ኒዩክለርን ተወንጨፍትን ፈተነታት ደው ከብሎን

- እቲ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝገብራኦ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኪቕጽልኦን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰሜን ኮራይ ኣብ ዝርርብ ተካይደሉ ዝነበርት እዋን ናይ ኒዩክለር ፈተነታታ ደው ኣቡኢላቶ ነይራ፡ ዳሕራይ ግና ትዕግስታ ምስተጸንቀቐ ናብቲ ዝነበረቶ ከምዝተመልሰት ይዝከር።

እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናይ ትራምፕ ዓወት'ዶ ይኸውን?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሬዚደንት ትራምፕ ንኪም ጆንግ ብቐጻሊ ኣነኣኢሱ ኢዩ ኪገልጾን ኣንተድኣ ናሜሪካ ተፈታቲንዎ ድማ ወይለኻ ብምባል ድማ ኣፈራሪሕዎ። ኣብ ሓደ ህሞት ድማ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ይኹን ዝርርብ የለን ኢሉ ነይሩ።

ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ዝርርባት ተኻይዶም ነይሮም'ዶ?

ዝኾነ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ምስ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ርክባት ኣካይዶም ኣይፈልጡን። እንተ ሰሜን ኮርያ ካብ ኒዩክለር ነጻ ንምግባር ግና ቀጻሊ ፈተነታት ተኻይዶም ኢዮ።

እዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ርክብ ኣበይ ኢዩ ክካየድ?

ኪም ጆንግ ናብ ዝኾነ ሃገር ከይገይስ ኣብ ማዕቀብ ኢዩ ዘሎ፡ ስለዚ ዘለዎ ትኽእሎታት ኣዝየን ድሩታት እየን። ስለዚ እቲ ናብ ሰሜን ኮያ ክገይሽ ዘለዎ ፕሬዚደንት ትራምፕ ጥራይ ኢዩ።

ምናልባሽ ኣብቲ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ኣብዝኾነ ኣብ መንጎ ዶባት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ክራኸቡ ይኽእሉ፡ ወይ ድማ ቻይና ተአንግዶም ትኸውን ይብሃል።