ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ብገበነኛታት ይጋፍዑ

ወታሃደራት ሱዳን ዝሓዝዎም ስደተኛታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ሱዳን ንዋሕዚ ስደተኛታት ክትዓግት ከም ዘተባብዓኣ ይፍለጥ

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ካርቱም ዋና ከተማ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተኸታታሊ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝተኸደኑን ሙሉእ ዕጥቂ ዝዓጠቁን ጎሓሉ ገበነኛታት ብለይቲ ይጋፍዑ ከምዘለዉ ግዳያት ናይ'ቲ ገበን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ልዕሊኦም ብዙሕ ማህረምትን ሃስያን ከምዝበጽሖም'ዮም ዝገልጹ። ብፍላይ ድማ ቆሉዑት ዘለወን ኣዴታት እቲ ዘጋጥመን ኩነታት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ደቀን ማህሰይቲ፣ ስንባድን ፍርሕን ከምዘስዓበሎም ይገልጻ ኣሎዋ።

እዞም ገበነኛታት ብለይቲ ብጉልባብ ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ወይ ፖሊስ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እናኣተዉ የከላብቱ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

"ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፣ እቶም ጎሓላሉ፣መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ዘይኮነ ዶላር ሃቡና! ኣበይ ኣቐሚጥኩሞ ኣሎኹም! ኣናበሉ ገዛና በትቢቶም ምስሰኣኑ ድማ ምስኦም ክወስዱና ብሓይሊ ተቓሊሶምና። ረድኤት ክንሓትት ኣውያት ምስ ገበርና ማህረምቲ ኣብ ልዕሌና ኣውሪዶም ሃዲሞም።" ትብል ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት ፍረወይኒ ነቲ ዘጋጠማ ግፍዒ ክትገልጽ ከላ።

"3 ወርሒ ኣቢሉውን ብተመሳሳሊ ፍጻመ 11 ዝኾኑ ሰባት ብለይቲ ተጨውዮም ኣበይ ከምዝኣተዉ ክሳብ ሎሚ ኣይተፈልጠን ዘሎ" ትብል ካልእ ግዳይ ወይዘሪት ሰላም።

ኣብ'ዚ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ግፍዕታት ፖሊስ'ውን ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝኾኑሉ ኣዋን፣ ገንዘብ ካብ ስደተኛታት ንምዝራፍ ከምዝሳተፉ ይእመን። ኣብ ከም'ዚ ዓይነት ክስተታት ዝረኣይሉ ህሞት እቲ ስደተኛ ስለዝፈርሕን ጸቕጢ'ውን ስለዘሎን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከምዘይዝርጋሕን ኣብ ኣብያተ ክርስታያናት ጥራይ ንመእመናን ከምዝሕበርን ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ኣበዚ እዋን'ዚ ሓርፊፉ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራን ካርቱምን ክወጹ ዝጸንሑ መግለጺታት የመልክቱ። ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ መንግስቲ ቐጠር ኣብ ሱዳን ዓቢ ምትእትታው ይገብረ ከም ዘሎ ከሲሳ'ላ።