እስራኤል 'ዝነወሐን ዝዓሞቐን' ገለርያ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ኣዕንያ

ዝነውሐን ዝዓሞቐን ገላርያ Image copyright ISRAEL MILLITARY

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብዕጡቓት ዝተዃዕተ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ናብ እስራኤል ዘእቱ ገለርያ ረኺቦም ከምዘዕነዉ ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣቪዶር ሊበርማን፡ እቲ ገለርያ እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝረኸበቶም ገለርያታት ብዓይነቱ፣ ዑምቀቱን ቁመቱን ዝተፈለየ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓደ ዋሃብ ቃል ሰራዊት ድማ፡ እቲ ገለርያ ካብ እዋን'ቲ እስራኤል ልዕሊ 30 ዝኾኑ ንመጥቃዕቲ ዝተዃዕቱ ገለርያታት ዘዕነወትሉ ናይ 2014 ውግእ ቓዛ ኣትሒዙ ከምዝተዃዕተ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ብዕጡቓት ንዝተዃዕቱ ገለርያታት ንምዕናው ዝተራቐቐ ሜላታት'ያ ትጥቀም።

እቲ ገለሪያ ብሓማስ ዝተዃዕተ ኮይኑ መበገሲ ቦታኡ ድማ ጀበሊያ ዝተባህለ ቦታ ናይ ወሽመጥ ቓዛ ምዃኑ ኣፈኛ ሰራዊት ሌተና ኮሎኔል ዮናታን ኮንሪከስ ገሊጹ። ብሸነኽ ናሃል ኦዝ መሬት ናይ እስራኤል ገጹ ድማ ንብዙሕ ሜትሮታት ንውሽጢ ከምዝበጽሐ፡ እንተኾነ ግን ገና መውጽኢ ልዳት ኣይተገብረሉን ነይሩ ኢሉ።

እቲ ገለርያ ኣብ ቓዛ "ብዙሕ ኪሎሜተራት" ከምዝተዘርግሐን ምስ ካልኦት ንመጥቃዕቲ ዝተዳለዉ ገለርያታት ከምዝራኸብ ተገይሩ ነይሩ ኢሉ ንሱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰራዊት፡ እስራኤል ኣብ'ዚ ዝሕለፈ ቀዳመ-ሰንበት'ያ ነቲ ገለርያ ኣዕንያቶ።

"ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ከምዘይሰርሕ ዝገብሮ ነገር ተጠቒምና ነቲ ገለሪያ ዓቢስናዮ'ለና" ኢሉ ኮለኔል ኮንሪከስ።

እዚ ናይ ሕጂ ገለርያ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ኣዋርሕ ብሰራዊት እስራኤል ዝዓነዉ ገለርያታት'ዩ ኢሉ ንሱ።

ገለ ካብቶም ገለርያታት በጉጅለ እስላማዊ ጂሃድ ናይ ፍልስጤም ዝተዃዕተ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ድማ በቲ ንውሽመጥ ቓዛ ዝቆጻጸር ሓማስ ዝተዃዕቱ'ዮም።

እስራኤል ካብ ዓሚ ኣትሒዛ፡ ዝተዃዕቱ ገለርያታት ንምርካብ ፍሉይ መሳርሕታት ክትጥቀም ጸኒሓ'ላ፡ ሓደሽቲ ገለርያታት ከይኮዓቱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ዝተራቐቐ መዕገቲ ሓጹር ትሃንጽ ኣላ