4 ካብ መንጎ 10 መናእሰይ ኬኒያ ክስደዱ ይመርጹ

ስርዓተ ትምህርቲ ኬኒያ ኣብ ሕማቕ ብርኪ ይርከብ Image copyright AFP

ግዕዝይና፣ ዘይማዕርነትን ኣድልዎን መናእሰይ ኬኒያ ኣብ ምትብባዕ ቀንዲ ማሕለኻታት'ዮም ክብል ብሪቲሽ ካውንስል ዘዉጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ካውንስል ከምዝበሎ፡ ካብ ዓሰርተ መናእሰይ እቶም ኣርባዕተ ዝሓሹ ዕድላት ንምንዳይ ካብ ሃገሮም ክወጹ ድሌት ኣለዎም።

ኣብቲ "መጻኢ ወለዶ ኬኒያ" ዝብል ስያመ ዝተዉሃቦ መጽናዕቲ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተዉጻእጽኡ ካብ 15 ክሳብ 24 ዕድመ ዝርከቡ 4000 መናእሰይ ተኻቲቶም'ዮም።

ስእነት ስራሕ፡ ዓብዪ ስግኣት ኬኒያ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ከባቢ 39 ሚኢታዊት መናእሰይ ኬኒያ ስራሕ ስኡናት'ዮም ኢሉ።

እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ድማ ኣቐሚጡ።

እቶም ዓርሶም ስራሕ ክምህዙ ዝደልዩ መናእሰይ ድማ ንመበገሲ ርእሰ ማል ምርካብ ከምዝጽገሙ'ዮም ዝገልጹ።

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ድማ ብርክት ዝበሉ ዕድላት ብኣድልዎ፣ ብላዕን ብጾታዊ ዘይማዕርነትን ከምዝዕንጸሉ ይገልጹ።

ስርዓተ ትምህርቲ ኬኒያ፡ ኣብዚ ክፍለ ዘመን ዓቕሚ ዘለዎም መናእሰይ ብዘይምቑጻር እናወደቐ ዝመጽእ ዘሎ ስርዓት ተባሂሉ'ዩ።

ኣብ ታንዛኒያ ምስ ዘሎ 78 ሚኢታዊት ስምዒት፡ ኣብ ኬኒያ 38 ሚኢታዊት ኬኒያዉያን ጥራሕ ብዘለዎም ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዉሳነ ወሃብነትን ኣዝዮም ዕጉባት'ዮም።