ባራክ ኦባማ "ተረካቢ ሓደራ" ኔልሰን ማንደላ ኮይኖም ዘረባ ከስምዑ ተዓዲሞም

ኔልሰን ማንዴላ ባራክ ኦባማን Image copyright Nelson Mandela Foundation

ፕረዚደንት አመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ "ተረካቢ ሓደራ" ኔልሰን ማንደላ ኮይኖም ዘረባ ከስምዑ ተዓዲሞም።

ሓላፊ ፋውንዴሽን ኔልሰን ማንዴላ፡ ሴሎ ሃታንግ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ማእኸል ነዚ መድረኽ ዝምጥን ትኽክለኛ "ኣፍሪካዊ ተረካቢ ሓደራ" ከተኣላልሽ ቀንዩ።

"ካብ ኢድ ማዲባ ስልጣን ካብ ዝተቐበለ ሰብ ወፃኢ ንማንዴላ ክትክእ ዝኽእል ካሊእ ተረካቢ ሓደራ መን ክኸውን ይኽእል ዝብል ብዙሕ ክንሓስበሉ ፀኒሕና" ኢሎም።

እቲ ትምህርቲ ኣፈላለያት ኣብ ምፅባብ፥ ርእየተ ዓለም መሰረት ገይርካ ኣብ ምስራሕን ጭቆናን ዘይማዕርነትን ንምቅላስን ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣር ዝጠመተ እዩ።

ሚስተር ሃታንግ ንኤ ኤፍ ፒ ከምዝገለፁዎ፥ ብ2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ባራክ ኦባማ መረፃ አመሪካ ኣብ ዝተዓወትሉ እዋን ማንዴላ ብጣዕሚ ተሓጒሶም ምንባሮም አዛኻኺሮም።

"ናይ ክልቲኦም ሓደራ ናብ ሓደ ምምፃእ ንኣፍሪካውያን ዓብይ ረብሓ ከምዝህልዎ ይኣምን" ድማ ኢሎም።

ማንዴላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሰፊኑ ዝነበረ ዓሌታዊ ስረዓት ኣፓርታይድ ድሕሪ ጠጠው ምባሉ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ፀሊም ፕረዚደንት ኮይኖም ተመሪፆም።

ንሓርነት ፀለምቲ 27 ዓመት ሙሉእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፉ ማንዴላ፥ ብ2013 ኣብ 95 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ተፈልዮም።