'ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ'

ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕን ወሃቢ ቃል እቲ ግንባርን ኣይተ ሌንጮ ባቲ Image copyright Lencho Bati/Facebook

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝዘለቑ ዓመጻትን ፖለቲካዊ ሕቶታትን ተራእዮም'ዮም።

ብምኽንያት እዚ መንግስቲ እታ ሃገር ዕጽዉ ገምጋማት ካብ ምክያድ ጀሚሩ፡ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ለዉጢ ዘምጽኡ ኣሰራርሓታት ከተኣታቱን ነቶም ዓመጻት ዘረጋግኡ ስጉምታት ክወስድን ጸኒሑ።

ነዚ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሮም ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክሶም ብምቁራጽ ስዒቡ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ እንትፍትሑ፡ ብቐጻልነት ፖለቲካዊ ምህዳር ብምግፋሕ ህንጸት ዲሞክራሲ እታ ሃገር ንምጥንኻር ምስ ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ዉድባትን ተቓወምትን ተቐራሪቡ ክሰርሕ ድሌት ከምዘለዎ ምግላጹ ዝዝከር'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ዉሸዕጢ ዓዲ ኣትዩ ክንቀሳቐስ ከምዝደሊ ክገልጽን ከይተሳኽዐሉን ዝጸንሐ ብኣይተ ሌንጮ ለታ ዝምራሕ ኣብ ስደት ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ወከልቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዛተየ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ምምሕያሻት ክሰፍሑ፣ ክዓብዩን ዕምቆት ክህሉዎምን እቲ ሰልፊ ልዑል ከምዘለዎ ድማ 5 ግንቦት 2010 ዓ.ም ዘዉጸኦ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ሰልፊን ዝተጀመረ ፈላማይ ናይ ፊት ፊት ዘተ ንመጻኢ ጽቡቕ መገዲ ከምዝኸፍት ድማ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕን ወሃቢ ቃል እቲ ግንባርን ኣይተ ሌንጮ ባቲ ተዛሪቦም።

"ፖለቲካ ኣብ ሓደ ቦታ ኣይቕመጥን። ሕቶ ለዉጥን ዲሞክራስን ህዝቢ ድማ ብሰፊሑ ኣብ ኢትዮጵያ እናተርኣየ'ዩ። መንግስቲ ድማ ንሕቶና ምላሽ ሂቡ ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ተራኺብና ኣለና" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

Image copyright ODF/FACEBOOK

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክመጽእ ዝግብኦ ገና ብዙሕ ዝተርፍ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ቀረባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶም ስጉምታት ምምሕያሽ ግና ዝተባብዑ'ዮም ክብሉ ይገልጹ እቶም ወሃቢ ቃል።

"ሓቀኛ፣ ፍትሓዉን ዲሞክራሲያዉን ስርዓት ኣብታ ሃገር ንምግሃድ ዝምነዩ ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን ንለዉጢ ዝንቀሳቐሱ ኩሎም ዝቃለስሉ መገሊ ክምርምሩን ቃልሶም ብሰለማዊ መገዲ ንምክያድ ስጉምቲ ክወስዱን ይግባእ" ዝብሉ ኣይተ ሌንጮ ባቲ፡ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ናይ ፖለቲካ ለዉጢ ስዒቡ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምምዕባል ዝጥምት ዳህሳሳዊ ዘተ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ቀጻሊ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ክህሉዉ ዝግብኦም መሰረታዊ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ዝምልከት ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝዝቲ ይዛረቡ።

"ሓድነት ህዝቢ፣ ምህዳር ዲሞክራሲ ተዘትይሉ'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ቐጻሊ መድረኽ ዘተ ክህሉ ልኡኽ እቲ ግንባር ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ'ዩ" ኢሎም።

ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ህንጸት ሰላምን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ክሳተፍ ባህጊ'ኳ እንተነበሮ ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ንምዝታይ ዘካይዶም ዝነበሩ ጻዕርታት እናፈሸሉ ጸኒሖም'ዮም።

ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ኣብ 2011 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ ምስ ዘስፈሮ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ ዝመስረቶ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ግንባር ጉንበት ሸዉዓተ ዝተፈላለዩ ርክባት ከምዝነበሮ ዝፍለጥ'ዩ።

ሕዚ'ዉን ምስዚ ጉጅለ ዘካይዶም ሰላማዊ መገዲታት ቃልሲ ከምዝቕጽሉ ዝገልጹ ወሃቢ ቃል እቲ ሰልፊ ኣይተ ሌንጮ ባቲ፡ ንሰላማዊ መገዲ ቃልሲ ዘለዎ ቅዋም ዝቕየር ከመዘይኾነ ይዛረቡ።

"ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ክህልዎም ዝግባእን ከይዲ ዲሞክራሲ ንምዕባይ ጻዕሪ ዝገብሩ ፖለቲካዊ ዉድባትን ዉልቀ ሰባትን ኣለዉ። ናትና ቅዋም ኹሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ምህዳር ክሰፍሕ'ዩ። ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ክህሉ ምስ ኹሉ ብሓባር ምስራሕና ዘይተርፍ'ዩ" ኢሎም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ደገ ይኹን ዉሽጢ ዓዲ ቃልሲ ብሰላማዊ መገዲ ክኸዉን ኣለዎ ዝበሉ አዓይተ ሌንጮ ባቲ፡ ኣብታ ሃገር ዘየለዉ ኣትዮም ክሳተፉ ጻዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም።

"ኩልና ሓንቲ ሃገር እያ ትብጽሐና። ናይዛ ሃገር ጉዳይ ድማ ንኹላትና'ዩ ዝጥምት። ኣብዚ ዘየለዉ ናብዚ ኣትዮም ክሳተፉ ክንገብር ኢና"።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት