ተወለድቲ ኢሮብ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዳግም ሰልፊ ኣካይዶም

ሰልፊ ተወለድቲ ኢሮብ

ምንጪ ስእሊ, Bisrat Kahsay

መግለጺ ስእሊ,

ሰልፊ ተወለድቲ ኢሮብ

ተወለድቲ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዳግም ሰልፊ ኣካይዶም እቲ ሰልፊ ካብ ሰለስተ ኢሮብ ዝተሓረዩ ወከልቲ እዮም መሪሖሞ:: ሰለስተ ኢሮብ ማለት ሓሰበላ: እንዳ ቦኽነይቶን እንዳልጌዳን እዮም::

ሰልፈኛታት "ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንውዕሊ ኣልጀርስ ተቐቢልናዮ ዝበሎ ውሳነ ሰለስተ ዓሌት ኢሮብ ኣብ ክልተ ገሚዑ ዘጥፍእ ኢፍትሓዊ ውሳነ እዩ::

ዳግም ክረአ ኣለዎ" ምባሎም ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸበ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት መምህር ማሕበረሰብ ሳይንስ ፀሃዬ ዘውደ ንቢቢሲ ገሊፆም::

ተወልድቲ ኢሮብ ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ብተመሳሳሊ ድምፂ ተቓውሞ ከስምዑ መደብ ከምዘለዎም መምህር ፀሃዬ ተዛሪቦም::

መምህር ፀሃየ መፍትሒ ዝብልዎ እንተቕምጡ ድማ "ህዝቢ ንህዝቢ ኣይፃላእን። ኣዝማድን ጎረባብትን 'ዮም" ይብሉሞ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ምይይጥ ክግበርን ሽማግለታት ዓዲ ክሳተፉን ፀዊዖም።