ኤርትራውያን ክትግበሩ ዝደልይዎም ሓሙሽተ መሰረታዊ ለውጥታት

የኤርትራው ፕሬዚዳንት ኢሳያስ አፈወርቂና ጠቅላይ ሚኒስትር ዐብይ አህመድ ዳቦ ሲቆርሱ Image copyright FITSUM AREGA/ TWITTER PAGE

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም ብተወሳኺ ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መሰረታዊ ዝኾኑ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ ምምሕያሻትን ከረጋግፅ ከምዝግባእ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ይስማዕምዑ።

ኤርትራ ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ጀሚሩ፡ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዳርጋ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ እያ ፀኒሓ።

ሕዚ ግና ነገራት ይልወጡ ዘለዉ ይመስሉ። ባሕቲ ሓምለ 2010 ዓ፡ ም (ሓምለ 8፡ 2018 ) ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ ኣሕመድ መሬት ኣስመራ ረጊፁ።

ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረ ፀሊም መጋረጃ ቀዲደን፡ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ርክብ ክምስርታ ውዕሊ ተፈራሪመን።

ድሕሪ እዚ ሓምለ 7 2010 ድማ፡ (14 ሓምለ 2018) ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ልኡኻቱን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምብፃሕ ኣካይዱ።

እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ለውጥታትን፡ እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ተፃባኢ ርክብ እንተድኣ ተወጊዱ፡ ኣብ ኤርትራ እውን ለውጢ ከምፅእ 'ዶ ይኸውን ብዝብል ኤርትራውያን ከም መስተንክር እዮም ዝርእይዎ።

ጠለብቲ ለውጢ ድማ፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ መሰረታዊ ነገራት ክኽለሱ ከምዝግባእ ይኣምኑ።

ሕገ-መንግስቲ

ኤርትራ ሉኣላውነታ ምስ ኣረጋገፀት፡ ብ1994 ስርዓት ሕገ-መንግስቲ ንምርቃቕ፡ ናይ ባዕላ ኮሚሽን ኣጣይሻ።

እዚ ሕገ-መንግስቲ ብ1997 ብባይቶ እታ ሃገር ፀዲቑ። ብ1998 ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ግና፡ እዚ ከይዲ ንክናዋሕ ግድን ኮይኑ፡ እንከይተተግበረ ድማ ተሪፉ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዓመተ 2000 ዝተፈረመ ውዕሊ ኣልጀርስ እውን እንተኾነ፡ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ፣ ጀነራላትን ስሙያት ሰብ መዚን፡ ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ተግባራዊ ንክኸውን ሓቲቶም እዮም።

ይኹን እምበር መንግስቲ እታ ሃገር ንሕቶኦም ፀማም እዝኒ እዩ ሂብዎም፡ እኳ ድኣስ ካብ ሞንጎ እዚኦም ነቶም 11 ኣሲርዎም፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ምንታይ ከምዘለዉ እውን ኣይፍለጥን።

ኤርትራ ክሳብ ሕዚ ሕገ-መንግስቲ የብላን። እዚ ማለት ኣብ ባይታ፡ ዘሎ ነገራት ዝቆፃፀርን ንኣመራርሓ ሚዛን ዘትሕዝን የለን፤ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወንበር ስልጣን ን25 ዓመታት እዩ ፀኒሑ።

ኣብታ ሃገር መረፃ ዝበሃል ነገር የለን፤ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሉ ግዘ እውን ኣይተገደበን።

ምትግባር ሕገ-መንግስቲ፡ ማለት እውን ብኣፀዋውዓ ኤርትራውያን "ቁዋም"፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ስግግር ንክህሉ ዘኽእል'ዩ ተብሂሉ ስለዝእመን ህዝቢ ቀዳምነት ዝህቦ እዩ።

ኤርትራውያን ሕገ መንግስታዊ ዲሞክራሲ፣ ብዙሕነት ሰልፍታት ዘፍቅድ ስርዓትን ነፃ መረፃን ኣብታ ሃገር ንክረጋገፅ ኩሉ ግዘ ዝምነይዎ እዩ።

ናፃ መራኸቢ ሓፋሽ

ኣብ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ናይ ውልቀ ጋዜጣታት ዓፅዩወን። ኮሚቴ ከላላ ጋዜጠኛታት ከምዝሕብሮ፡ ወፍሪ ምዕፃው እዘን ጋዜጣታት ስዒቡ 10 ጋዜጠኛትት እታ ሃገር ተኣሲሮም እዮም።

ሰቲት፣ ዘመን፣ ቀስተ-ደበና፣ ፅጌናይ፣ መቓልሕን ኣድማስን ካብ ሞንጎ እተን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዓፀዋ ጋዜጣታት ኤርትራ እየን።

ሕዚ ኣብታ ሃገር ዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ እንተሃለዋ'ኳ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝመሓደራ፡ ቲቪ ኢሬ፣ ራድዮ ድምፂ ሓፋሽን ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ዓረብኛ፣ ኢንግሊዘኛን ትግረን ዝሕተማ ኣርባዕተ ጋዜጣታትን ጥራሕ እየን።

ከም ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዘይብላ እታ ዝሓመቐት ሃገር እያ። ብዙሓት ድማ፡ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ክብሉ ሰይሞማ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ንከብቅዕ ብዙሓት የተስፍዉ።

ሃይማኖታዊ ናፅነት

መንግስቲ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃይማኖታት ጥራሕ'ዩ ኣፍልጦ ሂቡ። ካብ ኦርቶዶክስ ክርስትያን፣ ሱኒ ሙስሊም፣ ሮማ ካቶሊክን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ወፃኢ ዝንቀሳቐሳ ከምዘይሕጋውያን ተቖፂረን ይኽሰሳ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ናፅነት ሃይማኖት ዘውፅኦ ናይ ቀረባ እዋን ፀብፃብ ከምዘመልክቶ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኤርትራውያን ብምኽንያት እምነቶም ተኣሲሮም ይርከቡ።

ኣብ ናፅነት ኤርትራ ከድምፁ ዘይደለዩ ናይ ይሆዋ መሰኻኽር፡ ብድሕሪ እቲ ናፅነት ክህደኑ ጀሚሮም።

ዜግነት፣ መለለዪ መንነት (ታሴራ)ን ናይ ስራሕ ፍቓድን ተኸልኪሎም። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክሳተፉ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም'ዩ።

ኤርትራውያን እምነቶም ብናፅነት ዘሰጉሙላ ሃገር ክሪኡ ተስፋ ይገብሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ

ዘይተገደበ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕ

ብ1995 ዝተኣታተወ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩሉ ኤርትራዊ ከፈፅሞ ይግደድ።

ገና ኣብ ምጅማሩ፡ ዜጋታት ን18 ኣዋርሕ ጥራሕ ዝግደዱሉ ኣገልግሎት ከምዝኾነ ተገሊፁ ነይሩ። ንሱ'ውን ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ስልጠና የካትት። ካብ 2002 ንደሓር ግን እቲ ግዜ ዘይተገደበ ኮይኑ።

ኤርትራውያን መናእሰይ 11 ክፍሊ ምስወድኡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይጅምሩ። ናብ ሳዋ ከይዶም ከኣ 12 ክፍሊ ይውድኡ። ጎናጎኒ ወተሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ። ኣብ ገደብ ግዜ ስምምዕ ብዘይምህላዉ ንዓመታት ክፀንሑ ይግደዱ።

ብወተሃደራዊ ሕግታትን ደምብታትን ተቐይዶም ምንቅስቓሶም ይግደብ።

ክብርን ኩርዓትን ኤርትራውያን ዝነበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን መናእሰይ ካብ ሃገሮም ንክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

እሱራት ምፍታሕን ዕርቂ ምግባርን

ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበሩ ምምሕያሻት እሱራት ብምፍታሕ ክጅምር ከምዘለዎ ይሕብሩ። እዚ ድማ ልዕሊ ኩሉ ነገር ናብ ዕርቂ ከምዝወስድ ይገልፁ።

ብዛዕባ ማእሰርቲ ጉጅለ-15 (ጂ-15) ተባሂሎም ዝፍለጡ እሱራት ፖለቲካ ብዙሕ ተባሂሉ'ዩ። ይኹን ደኣ'ምበር ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

እሱራት ዝተሓዙሉ ኩነታት'ውን ኣብ ዓለምና ካብቶም ሕሱማት ዝበሃል'ዩ። ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምምሕያሽ ክግበር እንተኾይኑ እሱራት ካብ ምፍታሕ ክጅምር ኣለዎ።

ተወሳኺ ዛንታ