ምጅማር ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኤርትራ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቶኢኣስምራ Image copyright YEMANE G.MESKEL

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኤርትራን ዳይረክተር ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ በረራ ምጅማሩን፡ 20 ሚእታዊት ብርኪ ካብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምግዛእ ምእማቱን ኣመልኪቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንታይ ኣብ ሓጺር እዋን ነዚ ኹሉ ለውጢ ይገብር ኣሎ ንዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ክምልሶ ዝኽእል።

ብወገን ኤርትራ ኣብ እንርእየሉ፡ ዝኾነ ዝልዓል ጭብጥታት ወይ ሎጂክ የብሉን፡ ብንግዳዊ ዓይኒ ክትርእዮ እንተፈቲንካ'ውን ኣብ ሓጺር ግዜ 20 ሚእታዊት ሰሊዕካ ንብርኪ ክትህቦ እንከለኻ እንታይ ዝተገበረ መጽናዕቲ ስለዘሎ'ዩ፡ ክብል ሕቶ የልዕል።

ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ ብምስዓብ "መንገዲ ኣየር ኤርትራ ከም ሓደ ኣድማዒ ዝኾነ ትካል ኮይኑ ክሰርሕ ኣይጸንሐን፡ ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ክትብሎ ዘየድፍር ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ፡ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝሓልፍ ውሳኔታት ዝኽተል ኣይኮነን፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ መንግስቲ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝሓቁፍ ትካል የለን ኣይጸንሐን'ውን፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳይያስ 2003 ዝተገበረ እዩ፡ ቅደሚ እዚ ዓመት እዚ ከም ቤት ጽሕፈት እምበር ከም ትካል ኣይነበረን፡ በረራ ኣብ ሚያዝያ 2003 እዩ ጅሚሩ" ይብል።

ኣብ 2006 ከም ዳይረክተር ጀነራል ኮይኑ ዝተመደበ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ንሱ ኣብ ዝመጻሉ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሞተ ሞተ ዝብሃል ዝነበረ ትካል ምንባሩን፡ እቲ ብዛዕባ ጉዳይ መንገዲ ኣየር ብቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝውከል ውሳነ ንመንገዲ ኣየር ዝሕግዝ ከምዘይነበረን ይዛረብ።

" ንምንታይ እዩ ከምዚ ክኸውን ተደልዩ ብዙሕ መደምደምታት ኣሎ። እቶም መጀምርታ ነዚ ትካለ ዘቆም ክኢላታት ኤርትራውያን ባጀት ክውሃበኩም'ዩ ጀምሩ ተባሂሎም ብድሕሪኡ ግን ኣይቀጸለን። ኣብ ፍርቂ መንገዲ ምስ በጽሑ ኣይንድሕሪት ኣይንቅድሚት ኮይኑ ደው ኢሉ" ይብል

ንምንታይ ደው ከምዘበለ ክገልጽ እንከሎ፡ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ቀዳማይ ሮቋሒ ኣብ ቅድሚት የቀንጦ

Image copyright KIBROM DAFLA

" ነዚ ኩሉ ደው ዘበሎ ነገር ትእዛዝ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብ 2004 ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተኣወጅ ኩሉ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኸይድ፡ ዝምለስ ሰብ ክኣ የለን፡ ስለዚ መንገዲ ኣየር ብውሽጣዊ ዓቕሙ ኣሰልጢኑ ክኸይድ ተኽእሎ ኣይነበረን። ኣባላት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ዝስለጥንሉ፡ ካብ ወጻኢ ክኢላታት ዝመጽሉ ኩነታት ክንዲ ዝፍጠር፡ ኣብ ኤርትራ ግን መንእሰያት ካብ ኤርትራ ከምዘይወጹ ጌሩ መንግስቲ ስለዝሓዞም ክምዕብሉ ኣይክኣሉን።

ስለዚ መንእሰይ ዘይትምህረሉ፡ ሓደስቲ ነፈርቲ ክትገዝእ ዘይትኽእል እንተኾይናካ ክሰርሕ ዝኽእለሉ ኩነታት ኣይነበረን። ኩልና ኣብቲ ቦርድን ሓለፍትን ዝነበርና ተስፋ ክንቆርጽ ጀሚርና፡ እዚ ክኣ ብወሳነ ኢሳይያስ'ዩ ዝግበር ኔሩ። ሎሚ ተገልቢጡ ከምዚ ክንገብር ኢና ምባሉ ሓቅነቱ ኣይርኣየንን'ዩ።" ክብል ይዛረብ።

ኣቶ ክብሮም ዳፋላ መንገዲ ኣየር ክንደይ ዝኾና ነፈርቲ እየን ኔረንኦ ከብርህ እንከሎን ካብዚ ስምምዕን 20 ሚእታዊት ምግዛእ ብርኪ ካብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ምውሓጥ ወይ ብርኪ ምውሳድ የርብሓ'ዩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘለዋ መሰል ናይ ምብራርን ኤርትራ ዘለዋ መሰልን ደሚራ ብሽም መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክትሽፍኖ እትኽእል በረራታት ክብ ከምዘብለላ ይነግር።

ነዚ ሓቂ እዚ ኣብነት ብምስናይ ዘብርህ ክብሮም ዳፍላ"ንኣብነት፡ ኩባንያታት ነፈርቲ ኣውሮጳ ማሕበር ኣለወን፡ ስካይ ጉሩፕ ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉሩፕ ትኣትወሉ ሓደ፡ እቲ ምሳኻ ኣበቲ ጉሩፕ ዘሎ መንገዲ ኣየር፡ ናትካ ሽርካ ይኸውን'ሞ ናትካ ተጉዓዝቲ ንዕኡ ትህቦ ናትካ ክኣ ንሱ ይወስድ፡ ስለዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራ ገይራ ናብ ብዙሕ ካልእ መዓርፎ ነፈርቲ ክትከይድ ስለትኽእል እዚ ዘይብሃል ዓቢ ህያብ'ዩ።" ይብል።

ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሓንቲ ነፋሪት እያ ዘላ፡

ክብሮም ዳፍላ ካብዚ ብምስዓብ " መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 20 ሚእታዊት ካብ መንገዲ ኤርትራ ምዕዳጋ ከፊላቱሉ እያ ዋላ ንበል እንታይ እያ'ሞ ክትኸፍለሉ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሓንቲ ነፋሪት እያ ዘላ፡ ናይ ነፋሪት ዋጋ ድማ ኣይኮነን ንመንገዲ ኣየር ክቡር ዝገብሮ፡ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዘለዎ ዋጋ እዩ ክብን ለጥቕን ዘብሎ፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክኣ ዝኾነ ናይ ዕዳጋ ዋጋ የብሉን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ጽቡቕ ዕዳጋ ዘለዎ ትካል'ዩ ስለዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝለዓለ ረብሓ ክህልዎ'ዩ።" ክብል ትንታኒኡ ኣብ ተመክሮ ብምሙርኳስ ንሓሳቡ የራጉድ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጰያ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ኤርትራ ክትበርር ዘኽእል መሰል ምርካባ ብዙሕ ገንዘብ ይቁጥበላ'ዩ፡ ተጠዋውያ ንክሊ ኣየር ኤርትራ ትሰግሮ ዝነበረት ሕጂ ግን ብልዕሊኡ ከም ድላያ ናይ ምብራር መሰል ምርካብ ዝዓበየ ረብሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምኳኑ የብርህ ፡ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ናብ ኤርትራ ክመጹ ዝደልዩ ዝኾኑ ዓይነት ገያሾ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ ሓደ ምንጪ ዕዳጋ ከምዝኸውን እምንትኡ የንብር።

ማናጀር መንገዲ ኣየር ኤርትራን ዳይረክተር ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ ብኣርባዕተ ሸነኻት፡ ብመንገዲ ዶባት መንገዲ ምኻፋቱ ካብዚ ሓዲሽ ምዕባለ ህዝቢ ኤርትራ ክረብሖ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጉዳይ " ባዶ" ረብሓ ከምዘለዎ ይዛረብ፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣንጻር ኤርትራውያን ካብ ንግዲ ክረብሑ ዘኽእሎም ነገራት ዕጹው እዩ ክብል ይድምድም።

ብተሰዋኺ "ካብ ምንቅስቃስ ጀሚርካ ዕጹው እዩ ዘሎ ሕጂ ብኢትዮጰያ ብዙሕ ህዝቢ ዘይሓሰቦ ሕድገታት ተጌሩ ክንሱ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ብናጻ ክሰርሑ ዘኽእል ስጉምቲ ኣይተወሰደን ናብኡ ዝእንፍት ነገር'ውን የለን ክግበር'ዩ ኢለ'ውን ኣይሓስብን'የ ምኸዕነያቱ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ብመደብ ዝተገበረ ስለዝኾነ" ይብል።

ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ውትህድርና ቅዩድ ምኳኑ ዝሕብር ኣቶ ክፍሎም ዳፍላ ፡ 1994 ዝጀመረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ሕጂ 24 ዓመታት ኣቁጺሩ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ኣዋጅ ዝኾነ ዓይነት መጣየሲ ዓንቀጽ ከምዘይብሉን ነቲ ቀንዲ ዓያዪ ኣካል ጂሆ ተታሒዙ ስለዝሎን እቲ ተጣይሱ ዘሎ ብቁጸሪ ውሑድ ኮይኑ ዝረብሕ ኣካል ከምዘየለ የብርህ።

ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ሰብ ክረብሕ እንተኸይኑ እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ምስዝልዓል ጥራይ ምኳኑ ወሲኹ የብርህ።

ካብዚ ብተወሳኺ ይብል ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ " ተወሳኪ ካብ ደገ ንብረት ምእታው ንህግደፍ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ። ኣብነት እንተወሲድና ነብረት ናይ ህንጻ ወልቀ ሰብ ንብረት ከእቱ ክልኩል እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዋላ ገዛኻ ከተዐሪ ኣይፍቀድን እዩ ።

ናይ ህግደፍ ትካልት ጥራይ እየን ክሰርሓ ዝፍቀደለን፡ ንቁጠባ እንተወሲድና'ውን ብዙሕ ማሕለኻታት ኣሎ፡ ምንቕስቃስ ኣይፍቀድን እዩ፡ ካብ ሃገር ክትወጽእ ኣይፍቀደካን'ዩ ካብ ደገ ሰብ የእቲኻ ብሽርካ ኮይንካ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን'ዩ ምክንየያቱ ንወጻእተኛታት ኣይተፈቐደን ዘሎ። ንኢትዮጵያውያን ንበይኖመን እንተተፈቂድሎም ምናልባት ንርኢ።" ክብል ዘለዎ ስግኣታት ይገልጽ።

ቅድሚ 1998 ዓመታዊ ካብ ሓዋላ ኤርትራ ልዕሊ 400 ሚልዮን እትዋት ትረክብ ምንባራ ዘገጸ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጥራ ሕጽረት ከምዘሎ የብርህ ።

ብተወሳኺ " ማእከላይ ባንኪ ንነጋዶ ዝኾነ ዓይነት ናይ ወጻኢ ባጤራ ስለዘይህብ ኣካል ናይቲ ጸገም'ዩ ፡ ነዳዲ ከም ድላይካ የለን፡ እዝን ባይቶ ቅዋም ሃገራዊ ባይቶ ናጻ ቤት ፍርዲ ምስዘይምህላዉ ተሓዋዊሱ ኣብ ኤርትራውያን ዝመጽእ ለውጢ የለን። ምርግጋእ ዕዳጋ ከምጽእ'ዩ ዝብል ትጽቢት እንተሃልዩ እዚ ንኢትዮጵያውያን'ዩ ዘርብሕ፡ እንታይ ንኽኸስቡ እዮም ንዓና ኣሕሲሮም ክሸጡልና'ሞ፡ ምርግጋእ እንተኾይኑ ብደቂ ዓዲ ካብ ውሽጢ ዓዲ'ዩ ክኽውን ዘለዎ።

ኩሉ ናይ ውሽጢ ሃገር ብ33 ትካላት ህግደፍ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እናተኣዘዛ ዓብሊለንኦ እናሃለዋ ህዝቢ ክረብሕ' ኢለካ ምሕሳብ ዘይክኣል'ዩ። ህግደፍ ይረብሕ ኔሩ ህግደፍ ክኣ ክረብሕ'ዩ። ስለዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቕይር ዝኾነ ነገር የብሉን።" ክብል ማናጀር መንገዲ ኣየር ኤርትራን ዳይረክተር ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ

ተወሳኺ ዛንታ