ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣትያ

መንገዲ ኣየር ኢትኦጵያ ኣብ ኣስመራ Image copyright YEMANE G.MESKEL

ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርታ እዋን ናብ ኣስመራ በረራ ዝገበረት ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝዓለበትሉ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ህዝቢ ኤርትራን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበረሎም፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።

ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀዳማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን፣ ኣውፈርቲ፣ ስነ-ጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

እዛ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ዝበረረት ፈላመይቲ ነፋሪት 465 ተጉዓዝቲ ዝሓዘት ቦይንግ 787 ድሪም ላይነር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ኣስመራ ፈላሞት ተጉዓዝቲ ብምሓዝ እያ በሪራ።

እቶም ተጉዓዝቲ ካብ 11 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ብር ከምዝኸፈሉ ሓበሬታ ድረ ገጽ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ የመልክት።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ድማ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ካብ ሞንጎ ዝወስዱ መስመራት ኣየር እቲ ሓደ ብጊዝያዉነት ከምዝኸፈተ ንማዕኸናት ዜና ዉሽጢ ዓዲ ሓቢሩ'ዩ።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ በረራ ድማ UM308 ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ብኬንያ-ኣዲስ ኣበባ-መቐለ ኣቢሉ ኣስመራ ዝወድስ መስመር ኣየር'ዩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ብምኽንያት ኵናት ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራ ቤታት፣ ሰብ ሓዳርን ኣዝማድን ክራኸቡ " ጥንኩር ድልድል" ከምዝኾነ ዝገለጸ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፡ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝብታት ክልቲኤን ካብ ምርኻብ ብዝሰገረ ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ'ዉን ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ (ብፅሒት) ክህልዋ'ዩ።

ኣብ 1991 ዓመተ ፈረንጂ ተጣይሹ ኣብ 2003 በረራ ንግዲ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ዕዉት ታሪኽ የብሉን።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናብ ካርቱም፣ ጅጃ፣ ዱባይን ሚላንን ኣብ ሰሙን ካብ 3 ክሳብ 5 ግዜ በረራ ኣለዎ።

ካብ 2001 ጀሚሩ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤዉሮጳ ከይበሩ ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ መንገዲታት ኣየር ሓደ'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት