ሺላ ኪታሩት፡ ኣብ ኤርትራ ንዜጋታት ዘዕግብ ስርዓት ክትከል

ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ሰፊራ'ያ Image copyright Getty Images

ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሽ፡ መሰል እምነትን ምንቅስቓስን ክፍቀድ፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክበራበር ህዝቢ ልዑል ትጽቢት ገይሩ ኣሎ።

ዋላ'ኳ መስርሕ ሰላም ካብ ዝጅመር ነዊሕ እንተዘይገበረ ህዝቢ ገለ ተስፋ ዝህብ ኣመታት ክርኢ ኣብ ሃንቀውታ እዩ ዘሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቐረባ እዋን 35 ኣመንቲ ጴንጠኮስታል ምስ ፈትሐ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ተስፋ ሓዲሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ቐረባ ዕለታት ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ምስታ ቐዳመይቲ ነፋሪት ዝኣተወ ኣማኒ ጴንጠ ሱራፍኤል ደምሴ ንዝተቐበሉዎም ሓቢሮምው ዝዘመሩን ኣመንቲ ከካብ ኣባይቶም ይእሰሩ ምህላዎም እሙናት ምንጭታት ምስ ሓበሩ ደዳግም፡ ሻቕሎት ሓዲሩ ኣሎ።

ብዛዕባ ተስፋ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ንዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት፡ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ፍልይቲ ኣቕራቢት ጸብጻብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ነበር ሺላ ኪታሩት ዝሃበቶ መብርሂ እነሆ።

"ዝተዋህበኒ መምርሒ፡ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምርን ጸብጻብ ከቕርብን'ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ምሳይ ይተሓባበር ኣይትሓባበር ብዘየግድስ እቲ ዕዮ ብግቡእ ተኻይዱ'ዩ።

ምስ ግዳያት እቲ ስርዓት፡ ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ መንእሰያት፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምሁራን፡ ኣባላት ቤርገሳውያን ማሕበራት፡ ምስ ስድራ-ቤታት እሱራት ...ወዘተ ዘራኽብ መርበብ ብምፍጣር ዘድሊ ሓበሬታ ብምእካብ ግቡአይ ፈጺመ'የ" ትብል ሺላ።

እቲ ጎንጺ-ዶብ ኣገዳሲ ጸገም ይዅን'ምበር፡ እቲ ዝዓበየ ስእሊ ምርኣይ ኣድላዪ'ዩ። እንተድኣ እቲ ናይ ዶብ ጸገም ብግቡእ ተፈቲሑ፡ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ዝዓበየ ጸገም ክፍታሕ ማለት'ዩ" ትብል።

እቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝውሰዱ ዘሎዉ ተበግሶታት ብምንኣድ "ዉሽጣዊ ጸገማት ኤርትራ ግን ክመሓየሹ ኣለዎም። ንኣብነት መዓጹ ቤት-ማእሰርቲ ንምርሓው ገንዘብ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን" ኢላ።

ሺላ ቢ. ኪታሩት መን'ያ?

ሺላ ኪታሩት ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ሙሉእ ኣፍሪቃ እናዞረት ብሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃውያን ዝተቓለሰት ማውሪሽያዊት'ያ።

እዛ በዓልቲ ሞያ ሕጊ (ኣህጕራዊ ሰብኣዊ መሰልን ሲቪላዊ ሓርነትን ዘጽንዐት) ቀንዲ ኣድህቦኣ ኣብ ምርምር፡ ተጣበቕነት፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ንግድን/ዕደናን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስተምህሮ ምሃብን'ዮም።

ኣብ ጸግዒ ብርክት ዝበሉ ብሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ማሕበራት- ከም እኒ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ኣህጕራውያን ማሕበራትን ኰይና ሰሪሓን ትሰርሕ ኣላን።

Image copyright SHEILA KEETHARUTH

ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ኣብ ካይሮ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ተራኺባ። ሽዑ ኸኣ'ያ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ንፈለማ ጊዜ ሰሚዓ።

"ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ባንጁል (ጋምብያ)፡ ሓላፊት ናይ ትካል ሰብኣዊ መሰላትን ምዕባሌ ኣፍሪቃን (IHRDA) ኰይነ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተላዕሉ ክስታት ክከታተል ጀሚረ" ብምባል ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታት ከተጽንዕ ከም ዝጀመረት ትዛረብ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ንሺላ ንጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትከታተል ምስ መዘዛ ምስ ኤርትራን ህዝባን ብወግዒ ተላልያ። እቲ ኣብ ሕዳር 2012 ዝጀመረቶ ስራሕ ከኣ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ከብቅዕ'ዩ።

Image copyright SHEILA KEETHARUTH

ኤርትራን ኤርትራውያንን

"ብዛዕባ ኤርትራ ክሓስብ ከሎኹ፡ ብዛዕባ ራእይ፡ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን እሓስብ፣ ብዛዕባ እቲ ብሃንደበት ካብ ምሕደራ ግዝኣተ-ሕጊ ዘግለሰ ሕብረተሰብ'ውን እሓስብ" ትብል ሺላ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀማምር ዘሎ ዘተ ሰላም ክጥጥዕ ምንዮታ ብምግላጽ።

ዜጋታት መሰሎም ተሓልዩሎም ብግቡእ ክተሓዙን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ግህሰት መሰል ወዲሰብ ተመሓይሹ "ንዜጋታት ዘዕግብ ስርዓት ክትከል" ምንዮታ እትገልጽ ሺላ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝወረዶም ኣደራዕ ተጻዊሮም ክብሮም ሓልዮም ክጉዓዙ ብምኽኣሎም ኣድናቖታ ትገልጽ።

"ኤርትራውያን መናእሰይ ብሽፋን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ግዙፍ ክነሱ ብተጻዋርነት፡ ተስፋኦም ከይተዳህከ ደው ምባሎም ዘገርም'ዩ። ኣብ ኤርትራ ሕጊ ንኽሰፍንን ገበነኛታት ብገበኖም ኣብ ቤት-ፍርዲ ንክቐርቡን ዝገብሩዎ ጻዕሪ ዝንኣድ'ዩ" ብምባል ትገልጾም።

ዉጽኢት ቃልሲ ሺላ ኪታሩት

ሺላ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ካብ እትምዘዝ ጀሚራ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ዘቃልዕ ብዙሕ ጸብጻብ እያ ኣቕሪባ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ቀሪቡ፤ ነቲ ብሺላ ዝቐርብ ጸብጻብ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ኣባላት፡ ሕቶ ዑቕባ ንኽረኽቡ ዝፈብረኹዎ ሓሶት እዩ ብምባል እዩ መሊሱዎ።

ይኹን እምበር እቲ ብሺላ ክምራሕ ዝጸንሐ ዕዮ፡ ንግፍዕታት መንግስቲ ኤርትራ ብጥርኑፍ ኣገባብ ኣብቲ ዝለዓለ ጸፍሒ ሕቡራት መንግስታት ከብጽሖን ብማዕከናት ሚድያ ዓለም ከምዝቃላሕ ገይሩዎ እዩ።

ብዙሓት፡ ቤተሰቦም ኣብ ኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተኣሲሮም ዘሎዉ ኣዝማድ እሱራት ኰኑ ግዳያት ኣብ ጂኒቫ ይዅን ኒው-ዮርክ ቀሪቦም፡ ንጸብጻብ ፍልይቲ ልእኽቲ ዝድግፍ መርትዖታት ኣቕሪቦም እዮም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ እቲ ብመሰኻኽር ዓይንን ግዳያትን ዝተደገፈ ጭብጥታት ተቐቢሉዎ ኣይፈልጥን እዩ። ኩሉ ሳዕ ንኤርትራ ንምጭንናቕን ንምጽብባን ናይ ባዕላዊ ኣጀንዳ ብዘለዎም ሓይልታት ዝተዋደደ እዩ ክብል እዩ ዝገልጾ።

ኣብ ሓደ እዋን ሺላ ኣብ ጄነቫ ብደፍቲ መንግስቲ ኣካላዊ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ከምዘጋጠማን ዕማማ ብዝግባእ ንኽትፍጽም ዝምልከቶ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣድላይ ዘበለ ሓለዋን ከለላን ከምዝገብረላ ንመጋባኣያ ኣባል ሃገራት ብወግዒ ሓቢሩ እዩ።

ሺላ ኣብቲ ናይ ምዳእታ ጸብጻባ፡ " ዋላ'ኳ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራ ኣትየ ተልእኾይ ንኸይፍጽም እንተኸልከለኒ ዕዮይ ግን ኣይተዓግተን" ትብል።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ዕርቀ ሰላም፡ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ንዝጸንሐ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሾ ልዑል ተስፋ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ወገናት ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝግባእ ትሕብር።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቀጻሊ መንገዲ ኤርትራ ናበይ?

ተወሳኺ ዛንታ