ትግራይ፡ ብሃንደበታዊ ዉጽኣትን ተምላስን 10 ሰባት ሞይቶም

ወራዲ ማይ

ምንጪ ስእሊ, ED WRAY

ኣብ ክልል ትግራይ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ሃንደበታዊ ማያዊ ዉጽኣትን ተምላስን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዘጥቐዐን፡ ካብ መንጎኦም ዛጊድ 10 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ክርአ ዝጀመረ ሕማም ሃንደበታዊ ማያዊ ዉጽኣትን ተምላስን፡ ለዉጢ ኩነታት ኣየር ዘስዕቦ ኤልኒኖ ዝበሃል ጸባይ ኣየር ስዒቡ ዝመጽእ'ዩ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክረአ ዝጀመረ እዚ ሕማም፡ ክሳብ ሕዚ 10 ወረዳታት ትግራይ ኣጥቂዑ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ዝጀመረ እዚ ሕማም፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሺሕ ዝኾኑ ተኸተልቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንኣገልግሎት ጸበል ዝጥቀሙሉ ቦታ እቲ ሕማም ተራእዩ፡ 400 ዝኾኑ ሰባት ተጠቒዖም'ዮም።

በዚ ኩነታት ዝተደናገጹ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ካልኦት ምእመናን፡ ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ናብ ዝመጽሉ እንትምለሱ፡ ናይዚ ሕማም ምልክት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተራእዩ'ዩ።

ሕሙማት ክትትል ሕክምና እኳ እንተተገበረሎም፡ ቑጽርን ዝርግሐን ግና እናወሰኸ'ዩ መጺኡ።

ወረዳ ኣሕፈሮም ብበዝሒ ተጠቒዓ ዝነበረት እንትኾን፡ ከተማ መቐለ'ዉን ሰፊሕ ዝርግሐ እዚ ሕማም ዝርኣየላ ኾይና ኣላ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ወልደማርያም ኣብ ኣጠቓቕማ ማይን ሓለዋ ዉልቃዉን ከባቢያዉን ጽሬት ዘሎ ግንዛበ ትሑት ከምዝኾነ ይገልጹ።

"መንግስቲ ካብ ዘቕርቦ ማይ ወጻኢ ካብ ጎዳጉዲ ዝጥቀም ሕብረተሰብ ኣሎ። እዚ ክሳብ ሕዚ ለዉጢ ዘይመጽኣሉ'ዩ" ኢሎም።

ካብዚ ብዝሰገረ ይብሉ እቶም ምኽትል ሓላፊ፡ "ካልእ ትኹረት ክግበረሉ ዘለዎ ጉዳይ ግና፡ ናይ ማይ ጸሎታት ኩነታት'ዩ። ሃይማኖታዊ መሰረት'ኳ እንተሃለዎም መብዛሕትኦም ወሓዚ ማይ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝተደኮኑ ስለዝኾኑ፡ ንብኽለት ማይ ዝተቓልዑ'ዮም። ጽሬቶም ክሕሎ ኣለዎ" ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ብሕማም ሃንደበታዊ ዉጽኣትን ተምላስን፡ 1ሽሕን 266 ሰባት ዝተጠቕዑ እንትኾን፡ ልዕሊ 500 ነበርቲ ከተማ መቐለ'ዮም።

ከም ሓበሬታ ኣይተ ተኽላይ፡ ዝስተ ማይ እታ ከተማ ኣዕጋቢ ዘይምኻኑ፣ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣትዋ ከባቢታት ምብዝሐንን ናይ ባህሪ ለዉጢ ዘይምምጽኡን፣ ትሑት ልምዲ ምስራሕ ሽቓቕ ምህላዩን ሕብተሰብ ዝጥቀመለን ማይ ጸሎታት ንዝተበከለ ወሓዚ ማይ ዝተቓልዓላ ምዃነን እቲ ዝርግሐ ክገፍሕ ምኽንያት ኾይኖም'ዮም።

"ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩነታት ሕዚ ጠጠዉ ኣቢሉ'ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ግና ኣብ ከባቢታት ዞባ ምዕራብ ዝርግሐ እዚ ሕማም ተራእዩ'ዩ። ብባህላዊ መገዲ ኣብ ምእራይ መዓድን ዝተዋፈሩን ሓረስቶትን ዝርከብሉ ስለዝኾነ፡ ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብን ጽሬት ኣብ ምሕላዉን ጸገም ስለዘሎ ተቓላዕቲ ይኾኑ ብምህላዮም ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ" ዝብል መልእኽቶም ኣሕሊፎም ኣይተ ተኽላይ።

ሃንደበታዊ ማያዊ ዉጽኣትን ተምላስን ኮሌራን እንታይ'ዮም?

"ሃንደበታዊ ማያዊ ዉጽኣትን ተምላስን ዓርሱ ዝኸኣለ ሓደ ሕማመ እጥራሕ ኣይኮነን፤ ናይ ሕማም ምልክት'ዩ። ከም ቫይረስ፣ ባክቴርያን ናይ ምግቡ ምብካልን ዝበሉ ምኽንያታት ዝለዓሉ ሕማማት ምልክት ክኸዉን ይኽእል'ዩ" ይብሉ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን።

ምልክትታት ጥራሕ ምርኣይ ግና ኮሌራ'ዩ ምባል ከምዝኸብድ፡ ካብ ሕሙማት ናይ ምርመራ መረጋገጺ ተወሲዱ ግቡእ ምርመራ ምስተኻየደ፡ ዝህበካ ዉጽኢት ብምርኣይ'ዩ ኮሌራ ምዃኑ ምርግጋጽ ዝከኣል ክብሉ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

"ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ፡ ዘሎ ግጉይ ኣረዳድኣ፡ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮሌራ'ዩ ዝብል'ዩ። ሃንደበታዊ ማያዊ ዉጽኣትን ተምላስን ግን ኮሌራ'ዩ ማለት ኣይኮነን፤ ኮሌራ ኣብ ሓደ ሰብ እንተድኣ ተረኺቡ፡ እቲ ምልክት ናይ ሃንደበታዊ ማያዊ ዉጽኣትን ተምላስን'ዩ ዝኸዉን" ኢሎም ዶክተር ኣሚር።

ክግበሩ ዘግበኦም ጥንቃቐታት

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብቶም ዝቕጽሉ ጉዜያት ልዑል ዝርግሐ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል መረዳእታ ሜትሮሎጂ የረድእ።

ልዑል ዝርግሐ ማይ ኽረምቲ፡ ምስቲ ዘሎ ትሑድ ልምዲ ሓለዋ ጽሬት ዉልቀን ኸባብን ተደሚሩ እቲ ሕማም ናይ ምልባዕ ዕድሉ ክሰፍሕ ዝገብሮ'ዩ። ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ዝመጽእ ዓመት ዝኸፈተሉ ግዘ ድማ ርሑቕ ኣይኮነን።

"ሕብተረሰብና ዝለመዶ ሓደ ነገር ኣሎ። እዋኑ ናይ ጳጉሜን ወርሒ ስለዝኾነ፡ ናብ ሩባታት ብምዉራድ ማይ ይሕጸብ'ዩ።

ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታዉን ባህላዉን በዓላት ድማ ክነተኣናግድ ኢና። ኣብዚ እዋን ልዑል ናይ ምንኽኻእ ልምዲ ስለዘሎ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ" ዝብል መልእኽቲ ኣለዎም ኣቶ ተኽላይ።

ኣብ ወሰንቲ ሰዓታት ኢድኻ ብማይን ሳሙናን ዘይምሕጻብ፣ ጽርየት ዝጎደሎ ማይን መግብን ምጥቃም፣ ዘይበሰሉ ዝብልዑ መግቢታት ብኣግባቡ ኣጽሪኻ ዘይምጥቃምን ካልኦት ተዛመድቲ ምኽንያታት ኣብ ሓጺር ሰዓት ናብ ሞት ከሳጥሕ ዘኽእል ሕማም ከምዘምጽኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ይዛረቡ።