ሙሉ ሃይለስላሰ፡ ጓሂ ፅጉማትን አካለ ጎዶሎን ዘስምዕ ወለንተኛ

ሙሉ ሃይለስላሰን ገበርቲ ሰናይን ጉዱእ ኣካል ሰለሙን ኣብ ምሕጋዝ Image copyright Mulu/Facebook

ኢትዮጵያዉያን፡ ሓደ ኣረጊት ዓመት ሰንዮም፡ ካሊእ ሓድሽ ዓመት ብዕልልታ፣ ሰሓቕ፣ ምርቓትን ሰናይ ትምኒትን ፡ ጥዕና ፍቕርን ክዓስል፣ ጥምየትን ኽፍኣትን ክርሕቕ ብምምናይ'ዮም ዝቕበሉዎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ 2010 ዓመት፡ ፍሉይ ድሌት ዝጠልቡ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ዝጸሩዎም ተደራረብቲ ዝኾኑ ማሕበራዉን ቑጠባዉን ጸገማት ህዝብን መንግስትን ክፈልጦምን፡ ርኹብ ነቲ ስኡን ክሕግዝን ኣብ ምግባር ምስ ዝሰርሐ ሰብ እዚ ዓመት ክነላልየኩም።

ንዉሕ ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ናይ መምህርነት ዓለም ዝጸንሐ ሙሉ ሃይለስላሰ 11 ዝኾኑ መጽሓፍቲ ህጻናት፣ መድብል ግጥምን ትምህርታዊ መጽሓፍትን ጽሒፉ ንንባብ ኣበርኪቱ'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግና ብፍሉይ፡ ፍሉይ ድልየት ናይ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ጸገማት ኣብ ምዉጻእን፡ ግንዛበ ንምዕባይ ዝሕግዙ ፕሮግራማት ኣብ ምስራሕን'ዩ ኣተኵሩ ክነጥፍ ጸኒሑ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ብምዝዉዋር ዉሻጠ ዝሓብኦም ጸገማት ጉድኣት ኣካልን ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ሰባትን ሕብረተሰብ ክፈልጦምን ክረድኦም ክገብር ፀኒሑ።

"ናብዚ መደብ ክኣቱ ከለኹ፡ ገንዘብ ረኺበ ክርባሕ እየ ኢለ ኣይኮንኩን ተበጊሰ። ኣካላዊ ጉድኣት ዘለዎም፣ ናይ ምርኣይን ምስማዕን ጸገም ዘለዎም፡ ካብቲ ሕብረተሰብና ዉጽእ ዝበለ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ትኹረት ክረኽቡ ንምግባር'ዩ" ዝብል ሙሉ ሃይለስላሰ፡ እዚ ዓመት ናይ ሕልና ዕግበት ዝረኸብኹሉ'ዩ ይብል።

"ድንጉጽ'የ"

ኣብ መቐለ መዕበዪ ዘኻትም ህጻናት ኤስ ኦ ኤስ ከምዝዓበየ ዝዛረብ መምህር ሙሉ ፡ ኣብ ዉሽጢ ዝዓበኻሉ ሕብረተሰብ ኾይንካ ጸገማት ተኻፊልካ ምሕላፍ ክንሕልዎ ዝግባእ ባህሊ'ዩ ኢሉ።

"ንዓና፡ ብዜግነት ዘይፈልጠና ሰብ ካብ ኣእዕበየና ንምንታይ ንሕናኸ ኢለ እየ ብዜሮ ዓቕሚ ተበጊሰ። ብነብሰይ ግን ኣነ ንኸምዚኦም ዝበሉ ማሕበራዊ ጸገማት ድንጉጽ'የ"።

ብሰንኪ ኣካለዊ ጉድኣተን ብወለደን ን16 ዓመት ኣብ ገዛ ዝተዓጸዋ፣ ኣካላዉን ጥዕናዉን ጸገም ዘለዎም ደቀንን ደቂ ደቀንን ሒዘን ኣብ በረኻ ዝነብራ ወላዲት፣ ሸዉዓተ ምርኣይ ዝተስኣኖም ኣባላት ስድራ ሒዙ ዝነባበር ስድራን ካልኦትን ብዓይኒ ካሜራ ሰኒዱ ብመራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ናብ ህዝቢ እንተብጽሕ፡ ሰፊሕ ርብርብ ናይ ህዝቢ ገንዘባዊ ሓገዝ ተራእዩ'ዩ።

Image copyright Mulu

" እቲ ላዕሊ ምኻድ ኩሉ ስለዝፈልጦ ኣብቲ ዉሻጠና ብዙሕ ጸገም ስለዘሎ፡ ኣካላዊ፣ ማሕበራዊ ኮነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎ ሕብረተሰብ ፈቲሽካ፡ እንተዝቃላሕ ፍታሕ'ዶ ይርክብ ይኸዉን ብዝብል እየ ጀሚረዮ" ክብል'ዩ ዝገልጽ።

"ብናጻ ምስራሕ ዘለዎ ሕልናዊ ዕግበት ኣብ ባይታ እናርኣኹዎ መጺአ። እዞም ታሪኻት ሰሚዖም ሓገዝ ብዝገብሩ ሰባት ህይወት እቶም ሰብ ታሪኽ ተለዊጡ እንትርኢ ልዕሊ ዝኾነ ባህታ ይፈጥረለይ ነይሩ" እዉን ኢሉ።

መምህር ሙሉ፡ ክሳብ ሕዚ ናብ ኣየር ካብ ዘዉዓሎም ምድላዋት 28 ግንዛበ ዘዕብዩን ጸገማት ዘዉጽኡን ዛዕባታት ጉድኣት ኣካልን ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብን ዘቕረበ እንትኾን፡ ህይወት 13 ዉልቀ ሰባት ህይወቶም ዝልወጠሉ ባይታ ከምዝተፈጠረ ይሕብር።

"ዝሓለፈ ዓመት ካብ ልቢ ፣ ምርቓ ህዝቢ ዝረኸብኹሉ ዓመት'ዩ" ዝብል መምህር ሙሉ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት'ዉን (2011) ብሓገዝ ህዝብን መንግስትን ብዙሓት ጸገማት ሕብረተሰብ ንምቅላሕ ትልሚ ከምዘለዎ ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብኣዉነት ዶብን ፖለቲካን ዝዓግቶ ስለዘይኾነ፡ በቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ምድላዋት 'ዶብ ሰገር ሓድነት' አእውን ተመስሪቱ'ዩ።

"ቅድሚ እቲ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ምጅማሩ ህዝቢ ዘይፈልጦም ጉዳያት ጉድኣት ኣካል እንትቃልሑ፡ ካብ ሃገራት ኣዉሮጳን ኣፍሪቃን እናደወሉ፡ በዘን ሰበይቲ ኣቢልና ግዲ ክንዕረቕ ኢና ዝበሉኒ ኣለዉ" ይብል ሙሉ።

"ካብ ኬንያ ኣስፋዉ ተኽለ እምባየዝበሃል ኤርትራዊ'ዩ ፈላማይ ገንዘብ ብምልኣኽ ነቶም ናይ ሓገዝ ገንዘብ ወፍሪታት ምልዕዓል ዝፈጠረ። ሕብረት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ርእየ'የ። ለካ እቲ ህዝቢ ዘራኽቦ'ዩ ዝደሊ ነይሩ። ኣብ ዉሽጢ ትግራይማ ግደፍዮ! ብሓባር ጸገምና ክንቐርፍ ኣብ ምግባር፡ ሓደ ምዃንና ዘመስከርናሉ፡ ዓብዪ ምትእስሳር ዝፈጠረ'ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ እዚ ዓመት ንዓይ ፍሉይ ነይሩ" ኢሉ።

"ንጉሆ ንጉሆ'የ ዝበኪ"

"ኣብ ኩሎም ዘይበኸኹሉ ኣጋጣሚ የለን። ነጸላ መንደቕ ሓቢሩዎ ዝቕመጥ ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ። ኮይኑ ግና እቲ ርኹብን ስኡንን ሕብረተሰብና ዘራኽቦ፣ ዘለዉ ጸገማት ዘቃልዐሎ'ዩ ታሳኢኑ እምበር ሓው ሓዲጉ ዝበልዕ ስለዝኾነ ኣይኮነን" ይብል ኣብ ሞንጎ ምትሕግጋዝ ዘሎ ክፍተት እንትገልጽ።

ኣብቲ ዓመት፡ ብፍሉይ ንጉድኣት ኣካልን ፍሉይ ድልየት ዘለዎን ጽጉማትን ኣተኵሩ እንትሰርሕ እንታይ ተዓዚቡ?

መምህር ሙሉ 'ዝሓለፉ ዓመታት ረጊመ' ኢሉ።

"ከም ሰብ ሓዚነ፡ ንምንታይ ኢና ጸገምና ሸፊንና? ኣብ ሕድ ሕድ ቦታ ዘሎ ማሕበራዊ ጉዳይ ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት እንተዘይኣዉጺኡ እንታይ ድኣ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ? 10 ኪሎ ስርናይ ጥራሕ እናሃበ ድዩ ዝሓልፍ ዘሎ? ኢለ ዉሻጠ ዝሓብኦም ጸገማትና ናብ ኣደባባይ ኣቕሪብና ምፍታሕ ዘይምኽኣልና ዝሓለፉ ዓመታት ረጊመ" ክብል ይዛረብ።

እቲ ሕብረተሰብ፡ ጸገሙ ሓቢኡ ኣጸቒጡ ምንባር ዳርጋ ባህሊ እናገበሮ'ዩ።

"ተስፋ ኣይረቆረጽኩን፡ ምብካይ ግን፡ ንጉሆ ንጉሆ እየ ዝበኪ። ሕብተረተሰብና ሃሰስ ክንብሎ ይግባእ። ናብ ባይታ ክንወርድ ኣለና። መዓት ዝሕገዝ ውሻጠ ዝቐበሮ፣ ሕክምና ዘይርኣዮ ሕብረተሰብ ኣለና"።

ሰብንምንታይ ጸገሙ ሓቢኡ ይቕመጥ?

ንጉድኣት ኣካል ዘለዎ ሰብ፣ ኣብ ዓንኬል እቲ ሙሉእ ኣካል ዘለዎ ሕብረተሰብ ስለዝነብር፡ ከመይ ናይ ምልክት ቋንቋ ኣብ ዘይብሉ ሆስፒታል ከይዱ ዝሕከም? ምርኣይ ዝተስኣኖ ሰብ ከመይ ኣቢሉ'ዩ ጎዳጉዲ ዝሳገር? ፡ ይሓትት መምህር ሙሉ።

ምስ ፍሉይ ፀገም ዝተወለዱ ቖልዑ ድማ መርገም ተገይሩ ስለዝዉሰድ፡ እቲ ሕብረተሰብ፡ ካብቲ ሓፋሽ ተሓቢኡ ደቁ ከዕብን ክነብርን ስለዝግደድ'ዩ ክብል እቲ ዘሎ ድሑር ኣመለኻኽታ ይግስጽ መምህር ሙሉ።

እዚ ዕቱብ ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበን ምምጻእ ለዉጢ ኣተሓሳስባን ብምስራሕ ክስበር ዝግብኦ ሓላኺ ኣረኣእያ'ዩ ይብል።

ኣብ ትግራይ፡ እቲ ሕብረተሰብ "ኣነ ጽጉም ድየ ክብሃል፣ ክልምን ድየ ዝብል ጽኑዕ ሓቦ ኣለዎ። እዚ ሓቦ እዚ ግና ክሳብ ሞት ስለዝኾነ ዘዋጽእ ኣይኾነን፤ 'ሓባእያ ቑስሉስ ሓባኢ ፈዉሱ" ዝብል ሙሉ፡ እቲ ማሕበረሰባዊ ኣተሃሳስባን ዝወለዶ ድሕረት'ዉን ክእረም ከምዝግባእ የቐምጥ።

"ሕፍረት፣ ድሑር ዝኾነ ማሕበረሰባዊ እምነት ኣሎ። ብወለዶም ስለዝተረገሙ'ዮም ዓይነ ስዉር ወሊዶም ይበሃል። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ዘለለሉ ኩነታት፡ እቲ ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ሕብተረተሰብ ኣይኮነን ርድኣኒ ክብሎ ከርእዮ'ዉን እናሓፈረ፡ ንሱ ብጭቃ ገይሩ ጠፍጢፉ ከምዝፈጠሮ ብፍጥረት ኣምላኽ ይሓፍር" ይብል።

Image copyright MULU

ከምዚኦም ዝበሉ ድሑራት ኣረኣእያታት፡ ኣብ ዉሻጠ ዝተሓብኡ ታሪኻት ክበዝሑ፣ ጉድኣት ኣካል፡ ብመርገም ዝመጽአ ማሕበራዊ ጸገም ከምዝኾነ ገይሩ ዝወስድ ሕብረተሰብ ክህሉ ምኽንያት ከምዝኾነ'ዉን ይገልጽ።

"ንጉድኣት ኣካል ዘለዎም ሰባት ዘለና ኣረኣእያ ትሑት'ዩ። ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ሰባት ተማሂሮም፣ ፈንጺሖም ወጺኦም ስራሕ ክቑጸሩ ክኸዱ ከለዉ እኳ ንስኻ ኣይትኽእሎን'ዮም ዝበሃሉ። ክትኮቡ ክምጽወቱ ኢና ንጽበ፡ ጉዱእ ኣካል እንትንረኢ ዝቕድመና ምጽዋት'ዩ። ክነግድ እየ ንዝበለ'ኳ ዓሸራ ብምንታይ ክርአ ይበሃል። ፍጹም ኣተሓሳስባና ገና ኣይተቐየረን"።

ኣብ 2011 ዓ.ም

ኮይኑ ግና፡ ተደጋጊፍና ክንጥንክር ኣለና። ጉድኣት ኣካል ዘለዎ ካብ ሕብረተሰብ ክፍለ የብሉን። ሰብኣዉነት ክንላበሶ ኣለና፡ ይብል መምህር ሙሉ።

"ከም ሕብረተሰብ ድማ እቲ ኣብ ጉድኣት ኣካል ዘለና ኣረኣእያ ብሓቂ ተቐይሩ፡ ብልቢ ክንሕግዞም ክንረሃራህ፡ እዩ ዝምነ።

ማሕበረሰባዊ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ክንነጥፍ፣ መንግስቲ'ዉን እቲ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ ክትግብር ሙሉ ይምነ። ኩሉ በብዝወፈሩ እንተሰሪሑ ዝጠሚ፣ ኣብ ግዳም ዝሓድር ጉዱእ ኣካል ከይህልው፡ ብሓድሽ መንፈስ ቆላሕ ክንብሎም ይግባእ'ውን ይብል።

"ሃዋርያት እኳ ጥምየት ሕማቕ ምዃኑ ንምግላጽ 'እምነ ርሃብ ይሀይሰነ ኵናት' ይብሉ። ካብ ጥምየት ኵናት ከምዝሓይሽ ብምምልኻት። ስለዝኾነ ጠምዩ ጾሙ ዝሓድር ሰብ፡ ጉዱእ ኣካል ክህለወና የብሉን። ጸጊቡ ተሪፉዎ ዝድርቢ ኣሎ። ስለዚ እዚኦም ክልቲኦም ክነራኽቦም ይግባእ"።

ኣብ 2011፡ እቲ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ ቀይርኻ፤ ብቐጻሊ ዓብዩ ትካል ሓገዝ ብምጥያስ እቲ ዝርከብ ገንዘብ ንብዙሕ ሰብ ዝበጽሐሉ ኩነታት ንምፍጣር ትልሚ ዘለዎ፡ መምህር ሙሉ ሓሳቡ ብኸምዚ ይዛዝም።

"ኣነ ሓደ ሰብ እየ። ሓቦን ሞራልን ሒዙኒ እየ ዝንገዳገድ ዘለኹ እምበረ ገንዘብ የብለይን። በዓል ሃብትን መንግስትን እዚ መደብ ክሕግዙዎ ኣለዎም። ዝጀመርኹዎ ማሕበረሰባዊ ስራሕ ሰኣን ዓቕሚ፡ ጠጠዉ ከየብሎ ይሰግእ እየ። ንባዕይ ሓቢአ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ፡ እንታይ ይኸዉን ኣለኹ ኣይፈልጦን።"

ተወሳኺ ዛንታ