ሓጸርቲ ዜናታት ዓርቢ ምሸት

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓጸርቲ ዜናታት እዚ ዕለት
- ኣብ ርእሰ ከተማ ዚምባብዌ ሃራሬ፡ ሕማም ኮሌራ ከምዝተርኣየ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣረጋጊፆም። ዛጊድ በቲ ሕማም ሓደ ሰብ ዝሞተ እንትኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ሰባት ድማ ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተርኣየ ተገሊፁ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር በዚ ሕማም ዝተለኸፉ እንትኾኑ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ድማ ግዳያት ሞት ኮይኖም እዮም።
- ንፕረዚዳንታዊ መረፃ ብራዚል ዝወዳደሩ ሕፁይ ጄር ቦልሶናሮ፡ ኣብ ማእኸል ደገፍቶም ጎስጓስ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ብካራ ተዊግኦም፡ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም። ኣካታዓይ ፖለቲከኛ ቦልሶኖር፡ ኣብ መዓናጥኦም ብዝበፅሖም ከቢድ መውጋእቲ መጥባሕቲ ዝተገበረሎም እንትኾኑ፡ ኣብ ዝደቀስሉ ናይ ሆስፒታል ዓራት ኮይኖም፡ እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈተነ መቅተልቲ ከምዝኾነ ቪድዮ ብምቕራፅ ዕላዊ ገይሮም።
- ሰበ-መዚ ፈረንሳይ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ቴስዓታት ኣብ ላይቤሪያ ኣብ ዝነበረ ሕድሕድ ኲናት፡ ተሳቲፉ ንዝበሎ ኮማንደር ኣሲሮም። እዚ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘለዎ ተጠርጣሪ፡ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ገበን ምስቓይ፣ ቅትለትን ሰብ ምብላዕን ፈፂሙ ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ። ንሱ ግና ንሕብረትን ዲሞክራሲን ላይቤሪያ ከምዝተቓለሰ እዩ ዝገልፅ።
- ኢራን፣ ሩስያን ቱርኪን፡ ኣብ ሶርያ ግዝኣት ኢድሊብ ዘሎ ሕድሕድ ጎንፂን መፃኢ ዕፃ እታ ግዝኣትን ከብቅዕ፡ ስሉሳዊ ዘተ የካይዳ ኣለዋ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ሰብኣዊ ሓገዛት ሶርያ፡ ጃን ኤግላንድ ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ ምፍሳስ ደም ከብቅዕ፡ መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ግድን እዩ።
- መዕርፎ ነፈርቲ ሊቢያ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ መደበኛ ስርሑ ዝተመለሰ፡ ዓመፅቲ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሪፖሊ የካይድዎ ዝነበሩ ሕድሕድ ኲናት፡ ብኣሻማጋልነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተኹሲ ደው ከብሉ ብምስምምዖም እዩ።
- ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋቤ፡ ንፈለማ እዋን ፕረዚደንትነት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ከምዝቕበልዎ ገሊፆም። ሙጋቤ ቅድሚ ሕዚ ንምናንጋግዋ፡ ኣብ ልዕለይ ክብሪ ዘይብሉ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ ብዝብል፡ ክኸስዎም ምፅንሖም ይዝከር።