ቀዳማይ ወያነን ዋዕላ ማይ ደርሁን

መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ Image copyright KASA HAYLEMARYAM

'ትግራይ ዓደይ' እናበሉ ንዝጽዉዑዎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ደርባዊ ወጽዓ ተናጊፉ ብናይ ባዕሉ 'ገረብ' ወይ ሕጊ ክመሓደር ኣለዎ ኢሎም፡ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ወያነ ብምምርሖም ን27 ዓመታት ኣብ መሓዩር ህይወቶም ዘሕለፉ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ፡ ኣብዛ ሰሙን መራሒ ኮይኖም ተመሪጾም።

እዚ መረፃን ካልእን ዝተወሰነላ መዓልቲ፡ ዋዕላ ሓደ ጳጉሜንን ቅድሚኡ ዝካየዱ ዝነበሩ ዋዕላታትን ዝኸምበተ 2 ጳጉሜን ዝተኻየደ 'ዋዕላ ማይ ደርሁ' እዩ።

ዋዕላ ማይ ደርሁ

ጸሓፊ መጽሓፍ 'ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ' ካሳ ሃይለማርያም፡ እቲ ወያነ ናብ ዝዓበየ ብርኪ ዝተሰጋገረሉ፣ መሰረታዊ ዝኾኑ ዉሳነታት ዝተወሰኖ ላዕለዋይ ዝበሃል ዋዕላ'ዩ ነይሩ ይብል።

እቲ ሰናዲ ታሪኽ ኣብቲ መጽሓፍ ከምዘስፈሮ'ዉን፡ "ዝባን ሃይለስላሰን ዝባን ሹመኛታትን" ዝብል ግዝት መራሕቲ እቲ እዋን ተወጊዱ፡ እቲ ሕብረተሰብ ብናይ ባዕሉ ምምሕዳራዊ ስርዓት ክግዛእን ክዳነን ዘእንፍቱ መምርሒታትን ዉሳነታትን ተመሓላሊፎም'ዮም።

ሕግታት ስርዓት ሸዋ ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ "ዝባን ገረብ" እናበለ ህዝቢ ዝመሓደረሎም ፣ ዝዳነየሎምን ጎንፅታቱ ዝኣልየሎምን ዓበይቲ ዉሳነታት ዝተቐመጠሉ፡ ንከይጠላለሙ 'ቃል ወያነ' ዝኣሰርሉ ዕለት ነይሩ ብምባል የዘኻክር ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም።

"እቶም ኣብቲ እዋን ዝተኣከቡ 84 ኣቦ ገረባት፡ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ነጥቢታት ብምዉጻእ ዉሳነታት ዘሕለፉ ኣብዚ ዕለት'ዩ።

ሓደ ባይቶ ትግራይ (ላዕለዋይ ገረብ ትግራይ) ኢሎም ድማ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ ባይቶ ኣጣይሾም" ብምባል ይገልጽ።

እዚ ካብ 1934 ዓ.ም ዝጀመረ'ኳ እንተኾነ፡ብመላእ ትግራይ ስሪት ተሓንጺጹ፣ ደፊኡ ዝመጽእ ጸላኢ ዉሽጥን ደገን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዘብጽሖም ኪሳራታት ብዝተወደበ መልክዑ ንምምካት ዘኽእል ጥሙር ሓይሊ ክህሉ ስምምዕ ዝተገበረሉ'ዩ ነይሩ።

Image copyright Kassa Hailemariam

ገረብ ዝብል ከ እንታይ'ዩ?

" ሕጊ ወይ ጥንታዊ ስርዓት" እዩ ዝብል ኣይተ ካሳ፡ ዝተበደለ፣ ዝተጻልአ ወይ ዝተብኣሰ ሰብ ኣብ ገረቡ ብሽማግለታት ክዕረቕ፣ ክዳነ ወይ ክከሓስ ምግባር፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝመጽአ ስርዓት ዳይነት ከምዝኾነ ይገልጽ።

"ሕጊ ምኽባር ኣብ መንነት ትግራዋይ ዝተተኸለ'ዩ። እተን ገረባት ኣብ ዝተጣየሻሉ ሕጊ ይኽበር ነይሩ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ከኣ ብፍሉይ ይጥምት። ጸገም ዘለዎ ንክፍታሕ ናብ መንግስቲ ከይኸደ ኣብ ገረቡ ተራኺቡ እዩ ዝሸማገል። ኣብዚ ግዘ ጸገማት ጠፊኦም ነይሩ ኢሎም ይገልጹዎ ብላታ ሃይለማርያም" ይብል ወዶም ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም።

እዚ ኣብ ደጉዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ማዕረ ኣብ ዝወየነ ህዝቢ ዓፋር'ዉን፡ ክሳብ ሕዚ ዝንጸባረቕ ዘሎ ባህላዉን ማሕበረሰባዉን ኣሰራርሓ'ዩ ይብል።

"ዓፋር ክሳብ ሕዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘይኮነ ብዘለዎም መራሕቲ ዓሌት'ዮም እናተዳነዩ፡ ዝኸዱ ዘለዉ። ነዚ'ዩ ስርዓት ዳይነት ካብ ጥንቲ ዝመጽአ'ዩ ዝበሃል" ብምባል ይገልጾ።

ጀግንነትን ተኣማንነትን ላዕለዎት መዐቀኒታት መሪሕነት እቲ እዋን ነይሮም።

Image copyright Kassa Hailemariam

'ወያነ'እንታይ እዩ?

ተጋሩ፡ መንነቶም፣ ረብሐኦምን ቋንቆኦምን ንምኽባርን ንምሕላዉን ክንለዓል ኣለና ኢሎም ወጢኖም ዝኸምበቱዎም ክልተ ተተኻኻእቲ ቃልሲ፡ መጸዉዒኦም 'ወያነ' እዩ።

ብ1935 ዓ.ም ብሓረስቶት ዝጀመረ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ወያነ ከምኡ'ዉን ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተልዓልሉ ካልኣይ ወያነ፡ ኣብ ስርዓት ምሕደራን ምኽባር ረብሓን ትግራይን ተጋሩን ናይ ባዕሎም መሰረታዊ እጃም ኣበርኪቶም'ዮም :፡

ብፍላይ ኣብ ማእኸል ሃገር 'ወያነ' እንትበሃል ዝመጽእ ኣረኣእያ ግና እወንታዊ ኣይኮነን::

እዚ ናይ ኣረኣእያ ጸገም ብኽልተ መገዲ'ዩ ተፈጢሩ ክብል ይገልጽ ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም።

ኣብ ዉሽጥና ዝነበሩን ዘለዉን ጸገማት ዝፈጠሩዎ ጽልዋ'ዩ ዝብል ኣይተ ካሳ፡ ዓበይቲ ዓዲ ከይሓተትኻ ናይ ባዕልኻ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንምስራጽ ዝግበር ዝነበረ ኣካይዳ ዝፈጠሮ ጠማም ኣረኣእያ ምዃኑ ይዛረብ።

"እቲ ንዝሓለፉ ልዕሊ 40 ዓመታት ዝንገር ዝነበረ ታሪኽ፡ ገሊኡ ምስቲ ሓቂ ዘይራኸበ፡ ቀዳማይ ወያነ ሰኣን ብቑዕ ኣመራርሓ ፈሺሉ እናበልካ'ዩ። እሞ እቲ ሽም ወሲድኻ፡ እናሃለኻ ቑንፅል ታሪኽ ወሲድኻ ዘይኮነ ታሪኽ ምንጋሩን ዘይምስናድናን'ዩ" ይብል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ድማ ይብል ኣይተ ካሳ፡ ከም ተጋሩ ኣመጻጽእኡን ትርጉሙን ብዝግባእ ክነረድእ ዘይምኽኣልናን ዘይምፍላጥናን'ዩ ብምባል ይገልጾ።

ከምቲ ካልኣይ ወያነ ኣሰር ቀዳማይ ወያነ ዝቐጸለ፡ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ትግራይ'ዉን እዚ ስምዒት ሒዙ'ዩ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምሕታትን፡ ኣንጻር ረብሕኡ ዝግበሩ ምንቅስቓሳትን ምቅላስ ጀሚሩ ዘሎ ይብል እቲ ጸሓፊ ታሪኽ::

ብቲ ኻልእ ወገን ድማ፡ ኣንጻር ቀዳማይ ወያነን ትግራዋይን ዝነበሩ ሓይልታት ካብ ወለዶም እናተቐበሉዎ፡ እናሰረጾም ዝኸይድ ነገር ኣሎ በሃሊ'ዩ።

እዚ'ዉን ኮይኑ ግና፡ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ሰይሩ ዝኸይድ ናይ ሰነዳት፣ ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ካልኦትን ኣይተሰርሑን።

ንምዃኑ 'ወያነ' ትርጉም ኣለዎ ድዩ? ንዝብል ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም፡ "ካልእ ትርጉም እኮ ኣይብሉን። ተኸባቢርና፣ ማዕረ ኮይንና ንንበር ማለት'ዩ። ሕግን ስርዓትን ሓሊፍኻ ብመሰለይ፣ መንነተይ፣ ጸጋታተይን ክብረይን እንተድኣ መጺእኻኒ ግና "ጠንጠነለይ'ደኒነ ኣይግዛእን ማለት'ዩ" ክብል ይምልስ።"ቀዳማይ ወያነ ሰኣን ብቑዕ ኣመራርሓ ፈሺሉ እናበልካ ምዝራብ ታሪኽ ዘይምፍላጥ'ዩ"

Image copyright Kassa Hailemariam

"ቀዳማይ ወያነ ሰኣን ብቑዕ ኣመራርሓ ፈሺሉ እናበልካ ምዝራብ ታሪኽ ዘይምፍላጥ'ዩ"

እቲ ኣብ 1930ታት ዝተልዓለ 'ወያነ ትግራይ'፡ ናይ ቃልሲ ስልትታቱን ዝቃለሶም ሓይሊታትን እናነጸረ ሕዚ'ዉን ኣብ ከይዲ'ዩ ዘሎ ንዝብል መካትዒ ሓሳብ መናእሰይን ሙሁራትን ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ኮይኑ ዝቕጽል እዩ ዝብል ሓሳብ ሒዙ'ዩ ዝመጽእ።

"እወ ሳልሳይ ወያነ ኣብ ከይዲ'ዩ ዘሎ" ብምባል ነዚ ሓሳብ ዘራጉድ ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም፡ ከምቶም ዝሓለፉ ወያነታት ግና ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመርጽ ዘይኮነ ይኸውን፡ ብቴክኖሊጅን ቁጠባን ዝተደገፈ፡ ምንቅስቓስ መንእሰይን ሙሁርን ከምዝኾነ የቐምጥ።

"እቲ ክሳብ ደርጊ ምዉዳቕን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምትካልን ዝበጽሐ ካልኣይ ወያነ ብፍላይ ድሕሪ 87 ብፍላይ ድማ ኵናት ኢትዮ- ኤርትራ፡ ንትግራይ ንጎድኒ ገዲፉ ብምዃዱ ትግራይ ሰናይ ምምሕዳር ስኢና፣ ቁጠባዊ ምዕባለታት ወዲቑ፣ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ተዳኺሙ ብድኽነት ክትተርፍ ዝገበረ ስለዝኾነ፡ እቲ ዳግማይ ወያነ ናብ ዝደኸመን ዝተበላሸወን ደረጃ ዝወረደ'ዩ። ሕዚ ግና፡ ብቴክኖሎጅን ቁጠባን ዝተደገፈ ኣብ መንነትኻ ተደሪኹ ዝግበር ሳልሳይ ወያነ ኣብ ከይዲ ኣሎ ኢለ ይኣምን" ይብል።

እዚ ምንቅስቓስ ምኽባር ረብሓን መንነትን ድማ ንሰፊሕ ህዝቢ ዘሳተፈ፡ መናእሰይ ናብ መሪሕነት ዘምጽአ ከምዝኸዉን ገሊጹ።

ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ከመይ ነይሮም?

ወዶም ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም፡ ንመራሒ ቀዳማይ ወያነ ዝነበሩ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ክገልጾም እንከሎ፡ ንመሪሕነት ዝተወለዱ፣ህይወቶም ሙሉእ ኣብ ቃልሲ፣ ስቓይን ማእሰርትን ዘሕለፉ'ዮም ነይሮም።

ብላታ ሃይለማርያም ረዳ፡ 27 ዓመታት ኣብ ቤት መእሰርቲ ኣብ ጋሞ ጎፋ እንተሕልፉ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታት ዕለትን መዓልትን እናቐመጡ እናጽሓፉ፡ ሓሊፎሞ።

1987 ዓ.ም ወርሒ ለካቲት ብህይወቱ ዝተፈለዩ ብላታ ሃይለማርያም፡ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ቅሳነትን ታሕጓስን ኣሕሊፎም።

"ንሕና ብናብራን ካልእን እንትንጭነቕ፡ብላታ ሃይለማርያም ሕጉስ'ዮም ነይሮም። ብዛዕባ ትግራይ ከይተዛረቡ ኣይዉዕሉን። ሰብ ሰልችዩዎ ካብ ጥቕኦም ተላዒሉ ክኸይድ እምበር፡ ታሪኽ ምንጋር ዘይደኽሞም ሰብ ነይሮም" ይብል ኣይተ ካሳ።

Image copyright KASA HAYLEMARIYAM

ፈታዊ ሰብ፣ ሙሉእ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ስብእና ዝነበሮም መራሒ ቃልሲ ከምዝነበሩ ዝዛረብ ኣይተ ካሳ፡ ሓድነት፣ ምክብባርን ምርድዳእን ምሽጥር ዓወት'ዮም እናበሉ ዝምዕዱ ወላዲ ነይሮም ክብል ይገልጾም።

"ክሞቱ ከለዉ፡ 'ሕድሪ ሓድነትኹም' ኢሎም'ዮም። ድሕሪ ቑሩብ ዓመት ግና፡ ሓድነት ኣመራርሓ ህወሓት ፈሪሱ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ናብ ኵናት ኣትየን። እዚ ኩሉ ወለድና ዋጋ ዓድነት ክንደየናይ ምዃኑ ሓደራ ምባሎም፡ ከመይ ዝበሉ ሰባት'ዮም ነይሮም የብለካ" ኢሉ።

ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ናይቲ ሕብረተሰብ መንነት ሓደ መግለጺ'ዮም ነይሮም' ክብል 'ውን ኢሉ ይገልጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ