ልዕሊ 2 ሽሕ ወተሃደራት ዴምህት ዛላምበሳ ኣትዮም

ኣባላት ሰራዊት ዴምህት ኢትዮጵያ ኣትዮም

ልዕሊ 2000 ወተሃደራት ዴምህት ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ዛላምበሳ ኣትዮም።

ብመሰረት መንግስቲ ትግራይ ዘቕረቦ ፃውዒት ልዕሊ 2000 ሰራዊት ደምህት ሎምዓልቲ ናብ ትግራይ መጺኦም ኣለው።

ብልማድ 'ዴምሒት' ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኾይኑ ክቃለስ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ'ዩ።

ሎሚ ንጉሆ ካብ ኣስመራ ተበጊሶም ናብ ዘላምበሳ ዝምፅኡ ዝነበሩ ሰራዊት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣብ ሰገንይቲ ሓደጋ መኪና ኣጋጢም'ሎ።

በቲ ሓደጋ ብዙሓት ከምዝተጎድኡ ካብቲ ከባቢ ንዘላምበሳ ዝመፀአ ኣባል ኣመራርሓ ደምህት ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብምኽንያት እዚ፡ ኣርባዕተ ሰባት እንትሞቱ፡ ካልኦት ልዕሊ 20 ብፅኑዕ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ቁሱላት ኣብ ደቀምሓረ ሕክምናዊ ሓገዝ ይረኽቡ ኣለዉ። እታ መኪና ዓባይ ናይ ፅዕነት መኪና እያ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ንሓገዝ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ትኸይድ ዘላ መኪና

ብወገን ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ዝተመድባ ኣውተቡሳት ኣብ ዘላምበሳ ካብ ንጉሆ ሰዓት ሓደ ኣትሒዘን ይፅበያ ኣለዋ። ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ዓዲ ግራት'ውን ንቲ ሰራዊት ንምቕባል ይፅበ'ሎ።

ገለ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ስራሕ ነቶም ሓደጋ ዝገጠሞም ብከመይ ክሕግዙዎም ከምዝክእሉ ይዝትዩ ከምዘለው ዝተገለጸ እንትኾን፡ ገሊኦም ናብ ኤርትራ ከምዘምርሑ ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ፡ ብዳይረክተር ብሄራዊ ድሕንነትን ስለያን ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመድ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ፡ ምስ ኣቦ መንበር ዴምህት ኣይተ መኮነን ተስፋይ ዘተ ዕርቂ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ