ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ክትከውን የብላን

ሂዩማን ራይትስ ዎች Image copyright HUMAN RIGHTS WATCH

ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ጉጅለተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣባል ሃገራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣባልነት ኤርትራን ፊሊፕንስን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ውድብ ክቃወማ ጸዊዑ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት 12 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፡ ካብ 2019 ክሳብ 2021 ዘገልግላ ሓደ-ሲሶ (1/3) ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ብድምጺ ክመርጽ'ዩ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ክኾና ተሓጽየን ዘለዋ ሃገራት'ያ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ዝበሎ ምእሳር ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ዘርኢ'ዩ ድሕሪ ምባል፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስለዝነቐፉ ዝበሎም 21 ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ 2001 ድሕሪ ምእሳሮም፡ ብዘይ ፍርዳዊ ክሲ ን17 ዓመታት ብምስጢር ከም ዝተቐየዱ ገሊጹ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ን18 ኣዋርሕ ጥራሕ ክጸንሕ ዝነበሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ገደብ-ኣልቦ ምስግጋሩ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ምኻኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ "ምልካዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል"፡ "ግዝኣተ-ሕጊ ዘይኽበርን"፡ "ብዛዕባ ሓርነት ህዝቡ ዘይግደስን" እዩ ኢሉዎ።

ኣብ ፊሊፕንስ'ውን ብመሰረት ትእዛዝ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ቅትለት እታ ሃገር ንሰብኣዊ መሰላት ክትጣበቕ ሞራላዊ ባይታ ኣይህባን'ዩ ኢሉ።

እቲ ጉጅለ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘየኽብራ ሃገራት ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣባልነት ከም ዝህልወን ምግባር ተኣማንነት ናይቲ ቤት ምኽሪ ዘጉድል'ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብ 2014 እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እትከታተል ተዓዛቢትን ኣጻራዪ ኮሚሽን ከም ዝመስረተን፡ ክልቲኦም ኣካላት ነቲ ኣብ ኤርትራ ይግበር ኣሎ ዝበልዎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ 2015ን 2016 ብመልክዕ ጸብጻብ ኣውጺኦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ እቲ ጸብጻብ ፓለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ'ዩ ክብሉ ክነጽግዎ ጸኒሐም ኣለዉ።

ሂዩማን ራይት ዎች፡ ኣብ ካሜሩንን ባሕሬንን ይግበር ኣሎ ዝበሎ ከቢድ ምግሃስ መሰላት'ውን ከም ዝተሓሳሰቦ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ተወሳኺ ዛንታ