ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ የድሊ ኢዩ፡ ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ

ናይ ምስሊ መግለጺ ካቴድራል ኣስመራ

ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ደብረ ሰገነይቲ ዝተረኽቡ ሃይማኖታዊ መራሒ አባ ተኽለሚካኤል ተወልደ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ የድሊ ኢዩ ኢሎም።

ንሶም ብ 10 ጥቅምቲ ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ "ብድኽመት ፖለቲካዊ መሪሕነታት ተነፊጉና ንዝጸንሐ ሕውነታዊ ርክብ" ናብ ቦትኡ ይምለስ ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም፡ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ "ግሉጽነትን ድምጺ ህዝቢ ጽን ምባልን ምትዕራቕን" ኣብነታዊ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣባ ተኽለሚካኤል ቀጺሎም "ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ብርግጽ ጻዕዳ ፊኖን ቸሜንቶን ኣይኮነን። ን 20 ዓመት ዝተጸበናዮ ብዙሕ ዝተሳቐናሉ ዶብና ተሓንጺጹ ምርኣይ ኢዩ እቲ ቀዳምነት ዝግድሰና" ኢሎም።

"እዛ እንፈትዋ ሃገርና ክትህነጽ መጀመርያ ህዝባ ክእከብን ክተዓረቕን ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ከምቲ ዶር ኣቢይ ዝበሎ 'ብፍቕሪ ተደሚሩ' ብምሕረት ተሳጊሩ ጥራሕ 'ዩ ሓድሽ መጻኢ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ሓድሽ ምዕራፍ ህንጸት ሃገርን ከተግብር ዝኽእል" ድሕሪ ምባል እዚ ብዝኾነ ምኽንያት ክደናጎይ የብሉን ኢሎም።

እዚ ዘረባ ሓያል፡ ጸላውን ኢዩ ዝበለ፡ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ኣካልን ዝኾነ ኣቶ መድሃኔ ሃብተዝጊ ከምዚ ናይ ኣባ ተኽለሚካኤል ዓይነት ድምጺ ኣብ ኤርትራ ናይ መጀመርታ ዘይኮነ፤ መቐጸልታ ናይ ቅድሚኡ ብዝተፈላለዩ "ፖለቲካውያን ሰብ ልቦና፡ ሃይማኖታውያን ሰብ ልቦና" ክስማዕ ዝጸንሐ ኢዩ ይብል።

እታ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ክትክሰስ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ብዙሕ ለውጥታት ክትገብር እኳ ትጽቢት ተተገብረላ ዛጊት ምንም ለውጢ ከም ዘየሎን ምስ ኣባ ተኽለሚካኤል ከም ዝሰማማዕን ኣቶ መድሃኔ ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ደገ ኮይኖም ለውጢ ክመጽእ ዝጠልቡ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን "ኣትዮም ስርሖም ክቕጽሉ ንርኢ ኣሎና፤ ኣብ ኤርትራ ግን ከምዚ ዓይነት ተኽእሎ ኣሎ ዘይኮነ ንኽህሉ'ውን ዘይትጽበዮ'ዩ" ኢሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ምስታፍ ዕድል ዝረኸበላ "እንኮ እዋን"፡ ኣብ 1993 ዓም ዝተኻየደ ንነጻነት ሃገሩ ዘድመጸላ ሪፈረንደም ጥራይ'ያ ዝበለ ኣቶ መድሃኔ፡ እቲ ኣባ ተኽለሚካኤል ዝበልዎ "ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ከም ጓና ኢዩ ዘሎ" ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ምዃኑ ይገልጽ።

"ተገዲድካ ኣብቲ ስርዓት ዝመደቦ መደባት፡ ንእኡ ናይ ምትግባር ግዴታ፡ ከም መሳርሒ ኮይንካ ናይ ጉልበት ተሳትፎ እንተዘይኮይኑ፡ ሓሳባትካ ናይ ምክፋል ርእይቶኻ ናይ ምሃብ፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራውያን ዛዕባታት ተሳቲፍካ ርእይቶ ህዝቢ ዝስምዓሉን ተቐባልነት ዝረኽበሉን ሃዋህው ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን።"

ህዝቢ ኤርትራ ብሕግን ብስርዓትን ተማእዚዙ ዝኸይድ "ብሉጽ ህዝቢ" ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ተኽለሚካኤል፡ ክሰርሕ ነጻ ክትገድፎ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ኣባ ተኽለሚካኤል ናይዚ ኩሉ ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያት ምዃኖም ብምጥቃስ "ሕጂ ግን ካብ ዝተዓገስኩምዎ ኣይከፍኣኩምን ኢዩ'ሞ ሓንሳብ ተዓገሱ. . . ኣብ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዝሓይሽ ኣይትረኽቡን ኢኹም፤ ስለዚ ተተላዒልካ ሃገርካ ምግዳፍ ኣቋርጹ በጃኹም" ኢሎም።

ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ኣባል ማሕበር ላዛሪስት (ቪንሰንሻን) ኮይኖም፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃይማኖታዊ መራሒ ኢዮም። ንሶም ኣብ ሮማ፡ ጀርመንን፡ ኣሜሪካን ተማሂሮም፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢንስትዩት ኦፍ ቲዮሎጂ፡ ፍልስፍናን ትዮሎጅን ይምህሩ ኣለው።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጢ ዝጠልቡ ድምጽታት እናወሰኹ ይመጽእ ኣለዉ።

ቅድም ክብል 'ውን ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብ ኤርትራ ኾይኑ ኣብ ዝዘርገሖ ድምጺ፡ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ለውጢ ክግበር ጸዊዑ ነይሩ።