ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ንነበርቲ ኣቖጢዑ

ከተማ ደሴ Image copyright W/ro Sheen polytechnic college/fb

ዘስካሕክሕ ቅትለት ጓል ሸውዓተ ዓመት ህፃን ዘቖጠዖም ነበርቲ ከተማ ደሴ፡ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣይተ ተስፋዬ ጫኔ፡ እቲ ቁጠዐ ዝተፈጠረ ፡ ቅድሚ ሰሙን ደሃያ ዝተስኣነ ጓል ሸውዓተ ዓመት ህፃን፡ ተቐቲላ ኣስከሬና ምስተረኸበ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ሳላይሽ ቀበሌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ስድርኣ ዝጠፍአት ህፃን ነይራ። ኣስከሬና ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ከም ዝተረኸበ'ዩ መረዳእታ ዘለና። እቲ ቅትለት ብጣዕሚ ብዘስካሕክሕ እዩ ተፈፂሙ" ዝበሉ እቶም ምክትል ከንቲባ፡ ኣብ ውሽጢ ተረንሸዋ (መሸማዕ) ተጠቕሊላ ከም ዝተረኸበት ሓቢሮም።

ሃይለየሱስ በቀለ ዝተበሃለ ነባሪ እታ ከተማ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ምስተሰምዐ ህዝቢ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ቁጥዕኡ ካብ ምግልፁ ብተወሳኺ፡ ተጠርጣሪ ንዝተበሃለ ሰብኣይ ኣዲኣ፡ ካብ ፖሊስ ኣሕዲግካ ኣብ ኣደባባይ ብሞት ንምቕፃዕ ከም ዝፈተነ ተዛሪቡ።

"እቲ ዝወጽአ ህዝቢ ትዕግስቲ ስኢኑ። ነቲ ጉዳይ ምስ ዝተፈላለዩ ነገራት ብምትእስሳር ምጉሃህር ተፈጢሩ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓለ'ኳ እንተፈለጡ ናብ ኣደባባይ ወፂኡ ይቀፃዕ ኢሎም" ክብል ገሊፁ።

ሰብኣይ ኣዲኣ ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዘረጋገፁ ምክትል ከንቲባ ኣይተ ተስፋዬ፡ "ተጥርጣሪ ኣብ ሳልሳይ ጣብያ ፖሊስ'ዩ ተኣሲሩ። ነዚ ዝፈለጡ ነበርትን መናእሰይን፡ 'ኩነታት ኣማውታ እታ ህፃን ካብ ባህልናን ክብርታትናን ዝወጽአ ስለዝኾነ፡ እቲ ሰብኣይ ብሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ኣደባባይ ይቀፃዕ' ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም" ኢሎም።

ንሶም ከም ዝበልዎ፡ ንስእሊ እታ ህፃን ብምሓዝ ናብ ኣደባባይ ዝወጽአ ህዝቢ ቁጥዕኡ እናሓየለ'ኳ እንተመጽአ፡ ፖሊስ ግን ብሕጊ ዝውዳእ ጉዳይ ከም ዝኾነ ብምሕባሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሊስ ጣብያ፣ ሆቴላትን እንዳ ሸቐጣትን ብዳርባ እምኒ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ፤ ፈተነ ጉሕለት'ውን ተኻይዱ። በዚ ተግባር ዝተጠርጠሩ ሰባት'ውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

"እቲ ኩነታት እናተበኣኣሰ ስለዝመጽአ ኣባላት ፀጥታ ናብ ላዕሊ ጥይት ተኲሶም። ይኹን ደኣ'ምበር ኣብቲ ህዝቢ ናይ ሞት ይኹን ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣየጋጠመን። ሓደ ኣባል ፀጥታ ግን ቀሊል መቑሰልቲ ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እታ ከተማ ናብ ሰላማዊ ኩነታት ተመሊሳ'ላ" ኢሎም።

እታ ህፃን ምስ ኣዲኣን ሰብኣይ ኣዲኣን ትነበር ዝነበረት ኮይና፡ ኣስከሬና ትማሊ ሰሉስ'ዩ ተረኺቡ። ቅድሚ ምምዋታ ኣብ ልዕሊኣ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂሙ ኣብ ዝብል ሓበሬታ መረጋገፂ ንክህቡና ዝሓተትናዮም ምክትል ከንቲባ ተስፋዬ፡ ብዛዕብኡ መረዳእታ ከም ዘይብሎም ገሊፆም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት