ኤርትራ፡ "ህዝባዊ ግንባር፡ መዓስ እንታይ ይገብር ዝፈልጥ ውድብ'ዩ"

ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ Image copyright Getty Images

ነቲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ዘይፍትሓዊ ምንባሩን፡ ብዙሓት፡ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝቐረበ ምኽንያት'ዩ ኢሎም ይጠቕስዎ።

እቲ ኤርትራ ምስ ኣልሻባብ ዝምድና ንዘለዎ ንጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ትድግፍ ዝብል ንእገዳ ዝደረኸ ክሲ፡ ከም መርትዖ ዝቐረበ፡ ካብ ኣሃዱታት ስለያ ናይ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ብምንባሩ ከኣ ነዚ ላዕለዋይ ርእይቶ የራጉዶ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምትፍናን ብምንባረን፡ ሓንቲ ናይታ ሓንቲ ውድቀት ትደልን ትሰርሕን ብምንባራ እቲ ክሲ ብዘይሻራዊ ሓይሊ ክረአን ክረጋገጽን ነይሩዎ ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኮይኑ ግን ኤርትራ ዋላ እውን ኣይወዓልኩዎን እንተበለት፡ ንጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ሶማል ትድግፍ እያ ተባሂሉ ማዕቀብ ተነቢሩላ።

ድሒሩ ኣብ 2011 እውን ምስ ጂቡቲ ብዝተፈጥረ ናይ ዶባት ጎንጺ ካልኣይ እገዳ ተወሲኹዋ።

ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክረአን ክምርመርን እኳ እንተሓተተት ተቐባልነት ኣይረኸበትን።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 14 ሕዳር፡ እቲ ንኣስታት 10 ዓመታት ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምልዓሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ "ዘይፍትሓውነት ንምዕራይ ደንጉዩ ዝሓለፈ ውሳነ" ብምባል ገሊጽዎ።

"እዚ እገዳ ስለዝተላዕለ ጥራይ፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ሓቅን ፍትሕን ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣይከቋርጹን እዮም" ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

መንግስቲ ኤርትራን፡ ንተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን እቲ እገዳ ዘይፍትሓዊ ምንባሩ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም።

"እቲ እገዳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይፈትሕ መማኻነዪ ኮይንዎ'ዩ" ዝበለ ኣውዓሎም በራኺ፡ እዚ እገዳ ንህዝቢ ኤርትራ ድኣ'ምበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘስዓቦ ኣሉታዊ ነገር ከምዘየለ ይዛረብ።

ቀጺሉ ኣውዓሎም፡ እቲ እገዳ ንመንግስቲ ኤርትራ "ዓለማዊ ተነጽሎ" ከምዘስዓበሉ ብምሕባር፡ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ክሳዕ ምባል ዘብጸሐን፡ ህዝቢ ኤርትራ ረዳኢ ከይረክብ ዝዓንቀፈን እገዳ'ዩ ነይሩ ይብል።

ኣብ ኡጋንዳ ዝቕመጥ ብኪዳን ክስመ ዝመረጸ ኤርትራዊ፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዘይውዓሎ ዝወረዶ ቅሉዕ እገዳ ብግዳም ንዝዕዘብ'ዩ ዓሰርተ ዓመታት ዝምሰሎ'ምበር፡ እቲ ተጻብኦስ ኤርትራ ምስ ኢትዮጰያ ብፈደሬሽን ካብ ትቑረን ኣትሒዙ እዩ ዝጀመረ እዩ ይብል።

ኪዳነ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ን14 ሕዳር ብኽልተ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ኢና ክንዝክራ ክንነብር ይብል።

ሓደን ቀንድን እዚ ንኣስታት 10 ዓመታት ተነቢሩ ዝነበረ እግዳ ብምሉእ ድምጺ ካብ ዝባን ኤርትራ ምልዓሉ ክኽውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ፍጻሜ ከኣ 56 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ።

ንጉስ ሃይለስላሰ ብ14 ሕዳር 1962 ንፈደሬሺን ብሓይሊ ብምፍራስ ንኤርትራ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ዝኣወጀላ ናይ ጎበጣ ዕለት'ያ።

ንጉስ ሃይለስላሰ'ውን እንተኾነ ነቲ ተግባር ብዘይባርኾት ዓበይቲ ሃገራት ክገብሮ ከምዘይክእል ብምሕባር "እምበርዶ ኮነ ኢሎም ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣይገበርዎን?" ብምባል ኪዳነ ሕቶኡ የቐምጥ።

Image copyright MICHAEL TEWELDE
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ ዕርቐ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ኣብ መንጎ'ዘን ሃገራት ዕሙር ንግዳዊ ምንቕስቓስ ጀሚሩ'ዩ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ 1994 ክሳብ 1997 ንዝተጻሕፈን ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐን ሃገራዊ ቅዋም፡ ኩናት ዶባት 1998 - 2000 ብምጅማሩ ብምጅማሩን "ወጥሪ ስለዘሎ!" ብምባልን ክሳብ ሕጂ ኣይተግበሮን።

ብፍላይ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ኣብ ኤርትራ ንቡር ሕጋውን ሰላማውን ምስግጋር ስልጣን ክርእዩ ዝጽበዩ ብዙሓት እዮም።

መንግስትና ኣብ ዝጠዓሞን ኣብ ዝማእመኦን ቅዋም ክትግብር እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ።

ንኣብነት ኪዳነ "ህዝቢ ኤርትራ ናይ ባዕሉ ሕጊ ዘለዎ፡ ኣብ ጽሑፍን መጽሓፍን ከይተሞርኮሰ ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስ ህዝቢ'ዩ" ክብል እንከሎ ኣውዓሎም ግን፡" መሰለይን ግቡአይን ኣብ ዘይፈልጠላ ሃገር ብዘይካ ቅዋም ካልእ እንታይ'ዩ ዋሕሰይ?" ብምባል ሕቶኡ የቐምጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ነተን ኣብ መወዳእታ 90ታት ዝጀመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ 2001 ኣጊዱ ንኣዳለውተን ብምእሳሩ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ እተን ብመንግስቲ ዝውነና፡ ናጽነት መራኸቢ ብዙሃንን ሕትመት ተዓጊቱ'ዩ ዘሎ።

"እዘን ኣብ 2001 ዝተዓጸዋ ጋዜጣታት፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ መዋጥር እንከሎ ንሃገር ከዕኑን ክፈላልን ዝኽእል ትሕዝቶ ኣብ ገጻተን የስፍራ ስለዝነበራ፡ ብደገ ዝምወላ ንካልእ አዕናዊ ተግባር ዝተዋፈራ ጋዜጣታት'የን ነይረን ኢለ እየ ዝኣምን" ይብል ኪዳነ።

ኣውዓሎም ሙሳ፡ ግን ህዘቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ደረት ዘይብሉ መሰል ከምዘለዎ ብምሕባር፡ "መንግስቲ፡ እቲ ንሱ ክስማዕን ክንበብን ዝደልዮ ነገር ጥራይ ኣብ ማዕከናቱ ብምቕራቡ፡ "ህዝቢ ካብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ኣማራጺ ሓሳብ ናይ ምውሳድ መሰሉ ተነፉግዎ ምህላዉ የረድእ።

መንግስቲ ከምኡ ብምግባሩ እተን ዓይኒ ህዝቢ ከንቁሓ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ 2001 ዓጽዩ 2001 ንኣዳለውተን ምስዋሩ መርኣያ ምንፋግ መሰል ሓበሬታ እዩ ይብል።

ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ኣብ መሰል ናጽነት ሕትመት ኣብ ድሕሪት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ኣብ 1994 ዝጀመረ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝምልከት ሃገራዊ ግቡእ ኮይኑ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዓመት ከኣ ኣብ ልምዓታዊ ስራሓት ከገልግል ዝሓትት እዩ።

ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ግን ክጣየስ እዩ ዝግበኦ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዙርያ እውን ተጣይሶም ነይሮም።

ኣብ 1998 ሓሙሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፋነዉ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ እዋን ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ስለዝጀመረ ግን ወግዓዊ ምፍናው ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ኢሉ ክሳብ ሕጂ ምጥያስ የሎን።

Image copyright Anadolu Agency
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑድያ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንኦ ጉተረዝ ኣብ ዝተረኸበሉ ውዕል ሰላም ተፈራሪሞም 16 መስከረም 2018

"ሓሙሻይ ዙርያ ንኣብነት ን23 ዓመታት ኣብ ከርትተ ኣለዉ" ዝበለ ኣውዓሎም፡ እቶም ኣብ ብረታዊ ተጋደሎ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘገልገሉ ግን ክኣተው እንከለው ብውሕዱ መራሕቲ ብርጌድ እዮም ነይሮም።

ሓሙሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን መራሒ በጦሎኒ ዝበጽሐ እውን የሎን ብምባል ምጉቱ የቕርብ።

"ሃገራዊ ኣግልግሎት ሃገር ዘውሓሰ ወለዶ'ዩ" ዝብል ኪዳነ ብወገኑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተዘይነብር ልዑላዊ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ምወደቐ ይብል።

መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ቁጽሩ ሰራዊቱ ዘይቀነሰሉ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣይሰላም ኣይኲናት ስለዝነበረ'ዩ፡ ሕጂ ግን ናብ ምሉእ ሰላም ገጽና ንኸይድ ስለዘለና ሰራዊት በብመስርዑ ምፍናው ኣይክተርፎን'ዩ፡ ቅድም ግን ምሉእ ምትእምማን ክመጽእ ኣለዎ" ብምባል ርእይቶኡ ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ገደብ ግዜ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ካብ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ምዃኑ'ዩ ዝንገር።

"ንኣብነት ኣብ 2001 ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር ስለዝሓተቱ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን እዩ" ዝበለ ኣውዓሎም ጉዳይ ፖለቲካውያን እሱራት መፍትሒ ከይተረኸቦ ኣብ ኤርትራ ምሉእ ሰላም ክህሉ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት'ዩ ይብል።

"እቲ ርእሰ ነገር ቅዋም ስለዝኾነ ንቕድም ንሱ ኣብ ተግባር ይውዓል" ብምባል ቅዋም ሓደ ካብ መፍትሒ ኩሉ ሽግራት ኤርትራ ምዃኑ የቐምጥ።

" ጉጅለ 15 ኣብ ጽንኩር እዋን ንሃገር መሾንቆቓ ስለዘእተዉላ መንግስቲ ኣብ ሰዓቶም ግቡእ ፍርዶም ክህቦም'ዩ" ዝበለ ኪዳነ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተግበሮ ኣብ መኸተ ስለዝነበረ ጥራይ እዩ።

" ህዝባዊ ግንባር፡ መዓስ እንታይ ይገብር ዝፈልጥ ውድብ'ዩ" ይብል።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኲናት ዶባትን ግዳማዊ ተጻብኦን ብፍላይ ድማ እገዳ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዕዮታቱ ክዓናቕፍዎ ከምዝጸንሑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይሰላም ኣይኲናት ብምዕራፉን ብባይቶ ጸጥታ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉን፡ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ሕቶ ቅዋም፡ ሕቶ መሰል ሕትመት፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምፍታሕ ፖሎቲካዊ እሱራትን ዝኣመሰሉ ነገራት ክፍጸም ብዙሓት ዝጠልብዎ ዘለዉ ሕቶታት እዩ።

ነዚ ብዝምልከት ኣውዓሎም፡ "እቲ ዝጸንሐ ምኽንያት ተኣልዩ ስለዘሎ ብሕጂ እንታይ ክመጽእ እዩ ሓቢርና ክንርእዮ ኢና" ክብል እንከሎ ኪዳነ ግን "ኣብ ሓደ ግዜ ዝኸውን ነገር የለን፡ መንግስቲ ከከም ኣገባቡ ከተግብሮ'ዩ" ይብል።

ተወሳኺ ዛንታ