ኤርትራ፡ ኣብ ቅድድም ብሽክሌታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊታ

ኣብ ውድድር ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ፡ ርዋንዳ ክልኣይቲ ኢትዪጰያ ሳለሰይቲ ብምኳን ውድድረን ዛዚመን Image copyright Twitter/Yemane G.Meskel
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ውድድር ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ፡ ርዋንዳ ክልኣይቲ ኢትዪጰያ ሳለሰይቲ ብምኳን ውድድረን ዛዚመን

ኤርትራ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕረ ቀትሪ ዝጀመረ ፈላሚ ኣህጉራዊ ውድድር ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ ግዜ ናይ ጋንታ ውድድር ብክልቲኡ ጾታታት ወርቂ መዳልያ ረኺባ።

ኣብ ውድድር ግዜ ( ክሮኖሜተር ) ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ተኸቲለን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ውድድር ግዜ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ሃገራውያን ጋንታታት ኢትዮጰያን ደቡብ ኣፍሪቓን ንኤርትራ ስዒበን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 21 ሕዳር ክሳብ ሰንበት 25 ሕዳር 2018 ኣብ ኣስመራ ክካየድ።

እዚ ውድድር፡ ብምትሕብባር ፌደሬሽን ብሽክሌታ ኤርትራን ኮንፈደሬሽን ብሽክሌታ ኣፍሪቃን ዝዳሎ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነዚ ኣህጉራዊ ውድድር ንፈላማ ተአንግዶ ከም ዘላ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

Image copyright Twitter/Yemane G.Meskel
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ውድድር ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ፡ ኢትዮጵያ ክልኣይቲ ደቡብ ኣፍሪቓ ሳልሰይቲ ብምኳን ውድድረን ዛዚመን

እዚ ብኽልቲኡ ጾታ ዝካየድ ውድድር ተሳተፍቲ ሃገራት ብጀካ ናይ ኣየር ትኬት ወጻኢታት ዝተረፈ ኩሉ ብኤርትራ ከም ዝምወል ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ውድድር'ዚ ሃገራዉያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ ፡ግብጺ፡ ናይጀርያ፡ ሲሸልስ፡ በኒንን ደቡብ ኣፋሪቓን ከምዝሳተፋ ተሓቢሩ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ፈላሚ ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ወግዓዊ መኽፈቲ ተገይርሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ