ኤርትራ፡ ተዘክሮታት 1ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ

ሩፊኤል ፍስሓ'ጽዮን Image copyright ሩፊኤል ፍስሓ'ጽዮን
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩፊኤል ፍስሓ'ጽዮን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝቕመጥ ሩፋኤል ፍስሓጽዮን ሓደ ካብ'ቶም ኣስታት ዓሰርተ ሺሕ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ሎሚ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ: ሃገራዊ ኣግልግሎት ናብ ንቡሩ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ሕሉፍ ተመኩሮኡ የዘንቱ።

ሩፋኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መሰልቱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገሮም ገዲፎም ንክስደዱ ዝደፍኦም ቀንዲ ደራኺ ምኽንያት እቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ይኣምን - ንሱ ንባዕሉ እውን በቲ ረቛሒ እቲ ስለእተደፍአ።

"መንእሰያት ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኩልመት-መጻኢኦም ክርእዩዎ እንከለው፡ መንግስቲ ከኣ ከም መውሕስ ሰላምን ምንጪ ናጻ ኣገልግሎትን ክጥቀመሉ ጸኒሑ" ድማ ይብል።

ሃገራት ምዕራብ ከኣ ነቲ ገደብ ዘይብሉ ሸነኹ ብምስትብሃል ንኤርትራውያን ዕቝባ ይግብኦም'ዩ ዚብል መርገጺ ወሲደን ክቕበልኦም ጸኒሐን።

ስለዝኾነ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኤርትራውያን ዕቝባ ናይ ምርካብ ዝሓሸ ዕድላት ጸኒሑዎም'ዩ።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ ሰላም ካብ ዝእወጅ ድሮ መንፍቑ አሕሊፉ ክነሱ ጕዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ግን ከም ቀደሙ ከም ዘሎ፡ እኳ ደኣ ኣብዚ ሒደት መዓልታት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ከገልግሉ ከምእተነግሩ ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ሬድዮ ኤረና ኣቃሊሓቶ ነይራ።

ድሕሪ እቲ ዕርቀ ሰላም ከኣ ኣባላት መበል 32 ዙርያ ንሳዋ ወሪዶም።

ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ውረድ ደይብ ከምዘሕለፈ ዝሕብር ሰለስተ አሕዋቱ ተጋዲሎም ንዘረጋገጹዎ ናጽነት: ኣብ ህንጻ ሃገር እጃሙ ንምብርካት ብወለንትኡ እዩ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሳቲፉ።

ዓብይ ሓውን ሓፍቱን ብዓወት ክምለሱ እንከው ሳልሳይ ሓው ግን ካብቶም ንናጽነት ኤርትራ መባእ ዝተኸፍሉ ሰማእታት ኮይኑ ብጅግንነት ሓሊፉ - ተሰዊኡ። ሞዴሉን ቀንዴሉን ከኣ እቲ ስውእ ሓዉን ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ዝኣተዉ አሕዋቱን እዮም።

Image copyright ሩፊኤል ፍስሓ'ጽዮን
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩፊኤል ፍስሓ'ጽዮን፡ ካብ ጸጋም ሳልሳይ

ሩፋኤል ከም ብዙሕ ኤርትራዊ ብዙሕ ዝኽርን ትዝታን ማዕሪኡ ከኣ ቃንዛን ስቓይን ኣለዎ።

ብኽንክን ካብ ዘዕበየቶ ስድራ ኣብ ኣስመራ: ጣባ ከባቢ ኪዳነ ምሕረት ተወሊዱን ዓብዩን። ተጋደልቲ አሕዋቱ ዓወት ሒዞም ምስ መጽኡ ካብ መግዛእታዊ ግፍዕን ፍርሕን ናጻ ወጺኡ ኣብታ ዝዓበየላን ዝተማህረለና ከተማ ብሰላምን ቅሳነትን ክዓብን ክዕምብብን ዓቢ ትጽቢት ነይሩዎ።

ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ከኣ ነቲ ተስፋ እቲ እናማዕደወ ኣብ ህንጸት ሃገር: ኣብ ዝንደቕ ግንቢ ዓወት ረሃጹ እናንጠብጠበ ብተስፋ ተጓዒዙ።

ተመኩሮኡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት

"ፍልቀታዊ ኣመጻጽኣ ታዕሊም ሳዋን/ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዙሕ ግዜ ተዘሪቡሉ ስለዝኾነ ንምግላጹ ኣድላዪ ኣይመስለንን፡ ሓድ-ሓደ ነገራት ግን ክጠቅስ እኽእል" እናበለ ዕላሉ ይጅምር።

"ብዙሓት ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝተዓለምና ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሮ ኣቐዲምና ኣብ ማእቶት ዝተሳተፍና ነይርና። ናጽነት ምስ መጽአ መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ስራሓት የሳትፈና ነይሩ ... ኣነ ብወገነይ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነትን፡ ምቅርራብ ረፈረንዱም ኰኑ ኣብ ካልኦት ስራሓት ኣበየ ዓዱ እናኽድኩ ነጢፈ'የ።"

Image copyright ማርቲን ፕላውት
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ማእቶታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

"ምእኩል ታዕሊም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሃገር ደረጃ ኣብ 1994 ኣብ ሳዋ እዩ ጀሚሩ። ቅድሚኡ ዋላኳ ኣዋጅ 82/1995 እንተዘይወጽ አ ብዘሓት መንእሰያት ብወለንትነኦም ኣብ ዝተፈላለያ ምኒስትሪታትን ክፍላተ ሰራዊትን ተመዲቦም የገልግሉ ነይሮም።

ገሊአን ክፍላተ ሰራዊት ነቶም ከገልግሉ ዝመጽኡወን ሓደስቲ ኣባላት: መባእታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይህበኦም ነይረን።

ሓደ እዋን፡ እቲ ቅድሚ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምውጽኡ ዘገልገልኩሞ ኣይሕሰበልኩምን'ዩ ምስ ተባሃልና ምፍሕፋሕ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ፡ ባዕሉ ፕረሲደንት ኣብ ቺነማ ካፒቶል መጺኡ ክገንሓና'ውን ይዝከረኒ።

እቲ ዝተነግረና ኣሜን ኢልና ስለ ዘይተቐበልናዮ ናይ ፕረሲደንት ዘረባ ናይ ኣንጸርጽሮት'ምበር ልዙብ ምዕዶ ከም ዘይነበረ ኣጸቢቐ እዝክሮ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ሽዑ ብፍቶት'የ ኸይደ ... እወ፡ ንሃገረይ ከም ዘገልገልኩ ምስክር ወረቐት ክረክብ ኣሎኒ ብዚብል ኒሕ። ሽዑ ግቡኡ ዘይፈጸመ መሰሉ ኣይሕለወሉን'ዩ ይበሃል ነይሩ።

ምስክር ወረቐት ዘይብሉ መንእሰይ ኣብ መጻኢ ሕልሙ ከተግብር ከምዝጽገም እኳ ይንገር እንተነበረ ኣነ ግን ብወለንታይ ናብቲ መበገሲ ቦታ ብምኻድ ንሳዋ ተጓዒዘ።"

ናይ ሽዑ ሳዋ ...

"ሳዋ ከምዚ ናይ ሎሚ ኣይተሃንጸትን እኹል ቴንዳን ኣጉዶን እውን ኣይነበራን። ኩሉ ነገር ብሃታ-ሃታ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ባዕላትና ኢና ዳስ ሰሪሕና መጽለሊናን መምሃሪናን ኣዳሊና።

ብሓጺሩ፡ ሳዋ መሰልጠኒ ውትህድርና ንኽትከውን ብቕዓት ኣይነበረን" እናበለ ዕላሉ ይቕጽል።

"እቶም ዓለምትናን ሓለፍትን እቲ ዝብልዎን ዝገብርዎን ይሳነ ከምዘይነበረ ንክርድኣኒ ጊዜ ኣይወሰደለይን። ቀስ እናበለ ዝተጋህደለይ ካልእ ነገር እውን ነይሩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ ከም ሓደ ዘሰንብድን ትያትር የባህርረኒ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን 'ዋርሳየ-ዋርሳይ' እናበሉ ይውዱሱና እኳ እንተነበሩ ብግብሪ ግን ብዙሕ ጸበባ ኢና አሕሊፍና" ይብል ሩፊኤል።

"ብ1994 ንሳዋ ዝወረድና መናእሰይ መብዝሕትና ደቂ ኣስመራ ኢና ኔርና፣ ካብ ካልኦት ከተማታት'ውን ነይሮምና ግናኸ ቍጽሮም ሒደት'ዩ ነይሩ።

"ባህሪና፡ ባህሪ ደቂ ከተማ ካብ ባህርይ ተጋደልቲ ኣዝዩ ፍሉይ ስለ ዝነበረ ኣብ መንጎና ምፍሕፋሕ ስለዝመጽአ "ነዚኦም ሰጥ ከነብሎም ኣሎና" ብምባል ብሓይሊ ንምቍጽጻርና ክጥዕመሎም ብመቕጻዕቲ ተሳሂሎምና።

"ኣብቲ እዋን'ቲ መራሕትና ንባዕሎም ብጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ ስምምዕ ከም ዘይበጽሑ ይውረ ነይሩ። እቲ መደብ ንደቂ'ስመራ፡ ፈተናኣዊ ተሞኵሮ ክኸውን ኣይግባእን ዝብሉ ከም ዝነበሩ ጽንጽንታ ንሰምዕ ኔርና።

"ሓቃቶም ክኣ፡ ንሰብ ቀስ ኢልካ እናኣላማምድካ ምበር ምሉእ ምድላው ኣብ ዘይተገብሮ ቦታ ኣምጺእካ ኣብ ሳዋ ኣይትርድብዮን ኢኻ። ገለ ካባና ጥዕንኦም ኰነ ኣካላቶም ምሉእ ዘይነበሩ ሰባት ነይሮምና" እናበለ የማርር።

"ሓያል ናይ ከስዐ ጸገም እኳ እንተነበረኒ ሓለፍተይ ቀልጢፎም ክረድኡንን ክርድኡንን ኣይከኣሉን።

ከም ሳዕቤኑ ኣመና ተሳቕየ ግን ብደገፍን ምትብባዕን ብጾተይ ሰጊረዮ።

ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ምክልኻል ኣብ ድፋዕ ዝተፈለኹዎም ከም ዳዊት (ወዲ አስመራ) ተስፋይ (ካብ ከባቢ ሰንዓፈ) ፈጊሪ (ሕዳርባይ) ዝፈትዎም ደቂ አሃዱይ ኣበይ ኮን ይህልዉ እናበልኩ እሓስብ"

ብምርምራዊ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት መጽሓፍ ንዝጸሓፈ ኤርትራዊ ምሁር ጋይም ክብረኣብ፡ "ሳዋ ኣሉታዊ መዳያት እውን እንተነበራ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ሃገር ንዝመጽኡ ደቂ ሃገር እተራኽብ መዲና ብምዃና ኣብ ምኹስካስ ሃገራዊ ፍቕርን ስምዒትን ኤርትራውያን ዓቢ ተራ ኣለዋ ንዝበሎ" ዋላ እውን እቶም ብምሕደራ ሓለፍቶም ዝተማረሩ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሰማምዑሉ ሓቂ እዩ።

እትረፍ ከም ሳዋ ዝኣመሰለ ብዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዘሰልጥንን ዝዕልምን ማእከል፡ ብዝተፈላላየ ኣጋጣሚታት ዝፍጸም ንኡስ ምትእኽኻብ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣዎንታን ኣሉታን ክህልዎ ባህሪያዊ እዩ።

ንመጻኢ እውን ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ እትሃንጸሉ እዋን እንተኾነ፡ ኣገባብን ስርዓትን ደኣ ክሕሉ ኣለዎ እምበር ሃገራዊ ኣገልግሎትሲ ክተርፍ የብሉን ዝብሉ ሃገራውያን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ዕላሉ ይቕጽል ሩፋኤል "ብድሕሪ ታዕሊም ኣብ ኮሚሽን ቅዋም፡ ኩባንያ ህንጻ-ኮርያ፡ ኤዋን-ተክኖሎጂ ዀኑ ካልኦት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣገልጊለ'የ። ዕድል ገይረ'ምበር ብዙሓት ኣብ ጽንኩር ቦታታት ዝተመደቡን ኣብ ኩናት ዝኣተዉን ነይሮም።

ንህይወተይ ኣብቲ ዝደልዮ መገዲ ከእትዋ ኣይከኣልኩን። ነብሰይ ከም ዘይትንቀሳቐስ ንብረት መንግስቲ ኮይና እያ ትስመዓኒ ነይራ። ብተደጋጋሚ ሕማም ተጠቒዐ ክነሰይ እውን ንክጣየስ ኣይተፈቕደለይን።

ብዙሓት ተስፋ ዝቖረጹ መንእሰያት ከኣ ንስደት ከምርሑ እርኢ ነበርኩ። ኣነውን ብግደይ ድሕሪ ክንደይ ውረድ-ደይብ ሃገረይ ንድሕሪት ገዲፈ ከም ሰበይ ናብ ስደት ኣምራሕኩ" ይብል።

"ኣነ ንክስደድ ኣይተወለድኩን፡ እንታይ ድኣ ህይወተይ ኣብ ናጻ ኤርትራ ብሰላምን ቅሳነትን ከሕልፎ'ዩ ነይሩ መደበይ። ሕልመይ ክበናጠስ ኣይሓለንኩን።

ናጽነት ማለት ደኣ ከምዚ ድዩ? ሰውራና መገዱ ቐይሩ ክርኢ የሕዝነኒ ... ትጽቢተይ ካልእ'ዩ ነይሩ" እናበለ የስተንትን።

ተዘክሮታቱ ብኣስተንትኖ ተሓጺሩ ኣይተረፈን፡ ናይ ሕልና ጸሎት ወሰኸሉ። ናይ ርእሲ ዓሶ ሓሚሙ ካብቲ ዝነበሮ ቦታ (ዑና ጎባይ - ከባቢ ዘጾሮና) ናብ አስመራ ከይዱ ርእሱ ብማሕነቕቲ ነብሱ ዘሕለፎ አሮን ዓርከይ፡ ነብሱ ይምሓር፡ ኣጸቢቐ እዝክሮ" ብምባል ብትሑት ድምጺ ተዛረበ።

"ሰመረ ምሳይ አብ አስመራ ኣብ ኤዋን-ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ዝነበረ አብ ቁኒቶ ከባቢ ጾሮና ተሰዊኡ። ቴድሮስ ወዲ ገዛውተይ (ጣባ) ኣብ ባድመ ተሰዊኡ።

ጉራዴ፡ ገዛውቱ ከባቢ ኪዳነምሕረት/ሹቅ፡ አብ ባድመ ተሰዊኡ። ሽዑ ብወረ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ብዙሓት ኮብሊልኩም፡ ሃዲምኩም ተባሂሎም ስጉምቲ ዝተወስዶም እውን ነይሮም።

ነዚኦም መንዩ ኣብ ፍትሓዊ ቤት ፍርዲ ኣብየት ዝብለሎም?" እናበለ ዝን በለ።

"ስለምንታይ ..."

ሩፊኤል ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶትት ከም ዘለዉዎ ንምግላጽ፡ "ስለምንታይ መንግስቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንማሕበረ-ሰብ የጨንቕ ከምዘሎ ይግንዘቦ? ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ግህሰት ከምዘጋጥሞም ብብዙሓት ተመራመርትን ቀጥታዊ ምስክርነት ተሳተፍትን ብዝርዝር ተነጊሩ እዩ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ኮይኑ ከምዘሎ ክስገር ዘይክእል ሓቂ እዩ። መንግስቲ ከኣ ግቡእ ቆላሕታን ፍታሕን ክገብር ይግባእ።"

"ካብ 1ይ ክሳብ መበል 32 ዙርያ፡ ሃገር ንምህናጽን ንምክልኻልን ዝተሳተፉ መንእሰያት ግቡኦም ፈጺሞም እዮም። እኳ ደኣ ልዕሊ እቲ ዝግበኦም። መንግስቲ ከኣ ንሞሳን ጻማን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡእ ኣፍልጦ ክህቦ ይግባእ።

መንእሰያት ብዘይ ዝኾነ ደሞዝን ጻማን ልዕሊ 10 ዓመታት ገሊኦም ክሳብ 15ን ልዕሊኡን ካብ ዕድመኦም ንህዝቦም ኣበርኪቶም እዮም።

ብሰንኪ ዘይውዱን ምሕደራ ግን ከምቲ ከፍርዩዎ ዝግበኦም ኣየፍረዩን። ዝበዝሕ ብምሕደራ ተበሳጭዩ ተሰዲዱ።"

"ኣነ ሰልጢነ' ናብ ስደት ኣምሪሐ፣ እቶም ካልኦት ከኣ ልክዕ ከማይ! እቶም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝተሳተፍናን ካብ መስዋእቲ ዝደሓንና መንእሰያት ሕጂ ኣበይ ኣሎና? እቶም ኣባላት ካልኦት ዙርያታት ከኣ ኣበይ ኣተዉ ኢልና ክንሓትት ብቑዕ ሕቶ'ዩ!" ብምባል ብተደራራቢ ሕቶታት የቐምጥ።

"ኣነ ከም ዝመስለኒ ሃገርና ኣብ ክንዲ 32 ዓመት ንቕድሚት፡ ብኽንድኡ ንድሕሪት ተመሊሳ ክብል ኣይስከፍን ... ዘዘሰልጠንካዮም ሰባት ገገዲፎምኻ ክኸዱ ምርኣይ ኣብ ካልእ መደምደምታ ከብጽሓካ ኣይክእልን እዩ።

ንምንታይ ኤርትራውያን ጌና ይሃድሙ ኣሎዉ? ካብ ሰላምዶ ሰብ ይሃድም'ዩ? ካልእ ጠንቅታት ምህላዎም ምግንዛብን ዘድሊ ምትዕርራያት ምትእትታውን እቲ ዝሐሸ ኣማራጺ'ዩ !" ብምባል ንተዘክሮኡ ብኣርባዕተ ነጥቢ ይዛዝሞ።

ተወሳኺ ዛንታ