ሊቢያ፡ ኣብ ማይ ኣትያ ብእትወጽእ ማኮረኒ ዝሓልፍ ዘሎ ህይወት

ስደተኛታት Image copyright Getty Images

ዞባ ተስፋ፣ ሰላምን ሓበራዊ ዕብየትን ክኸውን ናይ ነዊሕ ዓመታት መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንዓመታት መገዲ እቶም ተስፋታት ስሒቱ ብዙሓት ዕድላት ክኸስር ጸኒሑ።

ሃገራት እቲ ዞባ፡ ሓድ ሕደን ዝኣትውኦ ፖለቲካውን ቑጠባውን ውጥጥ፣ መጥቃዕታት ሓይሊታት ራዕዲ፣ ድርቅን ካልኦትን ድማ፡ ዜጋታተን ካብ ሃገሮም ዝደልዩዎ ምዕሩይ ምሕደራን ሰላማዊ ጉርብትናን ዓንጺሉ፡ ግዳያት ክኾኑ ገይሩ።

ጸጥታዊ ምርግጋእ ካብ ዘይብላ ሶማሊያ፣ ኲናት ዘይብላ ግን ድማ፡ ባህርይ ስርዓትን ቑጠባዊ ኩነታትን ካብ ዘይተስተማቕረላ ኤርትራን፡ ገስጋሳይ ቑጠባዊ ዕብየትን ገዚፍ ኣውፋርነት (ኢንቨስትመንት) ትስሕብ 'ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ ኣፍሪቃ' ተባሂላ ካብ እትሙገስ ኢትዮጵያን፡ ቑጽሮም ዘይነዓቕ ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ይስደዱ።

ካብዘን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝብገሱ፡ ግድላት በረኻ፣ ሰምሰርቲ፣ ጸሓይን ንፋስን፣ ጽምእን ጥምየትን፣ ቁርን ካልእን ዝጸንሖም ስደተኛታት፡ ምድሪ ኤውሮጳ ቅድሚ ምርጋጾም፡ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሊቢያ'ዮም ዝጉዓዙ።

ስሩዕ መንግስትን ምርግጋእን ኣብ ዘይብላ ሊቢያ ዝኣትው እዞም ስደተኛታት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሊቢያ ዝጸንሖም እቲ ዝኸፍአ ግፍዒ እንተኾነ፡ ባሕሪ ጥልያን ሰጊርካ ኤውሮጳ ንምእታው ዘላ ብሕታዊት ኣማራጺ ግን፡ እታ ብኲናት ትዓኑ ዘላ ሊቢያ'ያ።

ኣብ ክንዲ ስሩዕ መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ፖሊስን ዕጡቓትን ኣብ ዝእዝዙዋ ሊቢያ፡ ብርክት ዝበሉ ማእኸላት ግዚያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣለዉ። ብተደጋጋሚ ከኣ ሕጽረት ማይን መግብን፣ ኣፋውስን ካልኦት መሰረታዊ ቐረባትን ዝኽሰቶም'ዮም።

ኣብዞም ማእኸላት ዝዓቑቡ ስደተኛታት ድማ፡ ብዙሓት ኣብ ሓደ ክፍሊ ክዕጸው ስለዝግበር፡ ብተላገብቲ ሕማማት ዝጥቅዑ፣ ንስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ማህሰይቲ ዝተቓልዑ፣ ግዳያት ግዱድ ስራሕን ሸቐጥን ዝኾኑ'ዮም።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጥልያንን ጀርመንን ኣጋጢሙ ድሕሪ ዝተብሃለ ቅልውላው ስደተኛታት፡ በብግዝኡ ዝበጽሖም ስምምዓት፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋወሪ ነቶም ኣብ ባሕሪ፣ ሊቢያን በረኻ ሰሃራን መዓልታት ዝደፍኡ ስደተኛታት ጸልዩዎ'ዩ።

ብዙሓት፡ ሊቢያ ንኤውሮጳ ክተስግሮም'ሞ ንዓመታት ይኹን ኣዋርሕ ዝሓለፉዎ መስገደል ሩፍታ ክረክብ ተስፋ ንዝገብሩ ስደተኛታት፡ ኣብታ ሃገር ዘሕልፉዎ ህይወት እናርኣየት ብኣንጻሩ ኤውሮጳ ክኣትው ከምዘይኽእሉ መልእኽታ ተሕልፍ ኣላ።

ዳርጋ ኩሎም ድማ፡ ሊቢያ፡ "ኣብ መሬት ዘላ ገሃነም " ክብሉ ይገልጹዋ።

"ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኢና"

ኣብ 2014 ካብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ዝተመረቐ መንእሰይ ዘርኡ ሃይለ፡ ብኣጋ ዕድል ትምህርቲ ድሕረ ምረቓ ረኺቦም፡ ክዓብዪ ካብ ዝደልዩ መናእሰይ ሓደ 'ዩ።

ኣይኮነን'ዶ ጽባሕ፡ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘለዋ ሰዓታትን ደቓይቕን እንታይ ከምዝፍጠር ኣብ ዘይትግምተላ ሊቢያ ኮይኑ'ውን እዛ ዓባይ ናይ ህይወቱ ባህጊ ኣይተፈለየቶን።

"ሰኣን ገንዘብን ሰብን ዕድል ትምህርቲ ስኢነ፣ደሃይ ኣካል እቶም ኣብ 2015 ዝተኣሰሩ ወላዲየይ ብምስኣነይ'የ ካብ ሃገረይ ወጺአ" ዝብል ዘርኡ፡ ካብ ሊቢያ መዋጽኦ ክፈጥረሉ ይምሕጸን።

"እቲ ኣብ መገዲ ዝገጠመና ጸገማትን ዝጸንሐናን እዚ'ዩ ኢልካ ኣይትዛረበሉን፤ ክትገልጾ'ውን ከቢድ'ዩ። ድሕሪ ሕጂ ዲሞክራስያውን ሰላማውን ህይወት ክረክብ፡ ክመሃር'የ ዝደሊ" ይብል።

ፉርጃ ሰርሓ ኣብ ዝተብሃለ፡ ግዝያዊ መጽንሒ ስደተኛታት ዘሎ ዘርኡ፡ ከባቢ 66 ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ዝርከቡዎም 230 ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዳጎኒ ከምዝርከቡ ይዛረብ።

ኣብዚ ግዚያዊ መጽንሒ ስደተኛታት፡ ሰብ ብመሳርሒ ኲናት ዘይኮነ፡ ብሕማም፣ ሕጽረት መግብን ሕክምናዊ ረድኤትን ብቐጻሊ'ዩ ዝመውት።

Image copyright Getty Images

ኣብ ሓደ ማእኸል ክሳብ 700 ሰብ ኣብ ዝዕጸዉሉ ሃዋህው፣ መድሃኒት ንምርካብ ዳርጋ ዝናብ ብሓይልኻ ከም ምዝናብ ዓቐብ ኣብ ዝኾነሎም መዳጎኒታት ዝተኸሰተ ሕማም ዓባይ ሰዓል ተወሳኺ ረስኒ እታ ተስፍኣ ኣብ ዝተዓጽወ ገዛ ኮይኑ ዝመናመን ዘሎ ህይወት ስደተኛ ኮይኑ ኣሎ።

"ሰብ ብሙሉኡ በዚ ተላጋቢ ሕማም ይጥቃዕ አሎ። ዝሓመመን ዘይሓመመመን ድማ ብሓንሳብ'ዩ ዝዕጾ። ዝበዝሕ ዝመውት ዘሎ ድማ በዚ ሕማም'ዩ። ሓሚምካ ዝወሃበካ ፈውሲ ሓደ ዓይነት'ዩ፤ ፓራስታሞል ጥራሕ" ይብል ዘርኡ።

ኤርትራዊ ከም ዶላር'ዩ !

ዚንታ፡ ካልእ እዚ መዓልታዊ ተስፋ ብዙሓት ዝጽልምተሉ ዘሎ ግዚያዊ መጽንሒ ስደተኛታት ሊቢያ'ዩ።

ከብዲ ብጥሙያ ተዓጺፋ ምሕዳር ለሚዳቶ፣ ሕማም መናብርቲ ሰባት ምዃኑ ኣረጋጊጹ፤ ብሓጺሩ ህይወት የለን ምባል ይቐልል።

ኣብታ ከተማ ኣብ ሞንጎ ክልተ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ስደተኛታት'ውን ግዳያት ዝገብር ዘሎ ኮይኑ፡ "ቀንዲ ቦታይ ሳዋ'ዩ ነይሩ። ናብ ቤት ማእሰርቲ እናወሰዱኒ ከለው ግና ሃዲመ'የ ካብ ሃገር መጺአ" ዝብል ባህታ ገብረ፡ ኣብ ጉዕዝኡ ዝተጨወዩ፣ ብሓደጋ መኪና ዝሞቱ መሓዙቱ ገዲፉ'ዩ ሊቢያ ኣትዩ።

"ናብራና ናብራ ከልቢ'ዩ። ኩሉ ተስፋ ይቖርጽ'ዩ ዘሎ። ልዕሊ ሙውታን ምዃንና'ዩ እምበር ሞይትና ኢና'ኮ ዘለና" ይብል።

ኣብዚ ቦታ ካብ ዝመጽኡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ጥራሕ ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ኣርባዕተ ሰብ ምሟቶም ይሕብር።

"ህጻናት፣ ኣደ ቖልዑ፣ ኩልና ተዳኺምና ኢና። መግቢ ስለዘየሎ ጸሎት ጌርካ ኢኻ ትድቅስ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ብዙሓት ሕሙማት ኣለው፤ ሕክምና ክትረክብ ኣይትኽእልን። ሕጂ ኩሉ፡ እቲ ጥምየትስ ለሚድናዮ ነይርና፡ ግን ህይወት ከፊኣ"።

ካብ ሰብ እንስሳ ይኸብር ኣብ ዝበሃለላ ሊቢያ ካብ ሕጂ ጽባሕ ትሓይሽ ትኸውን ዝብል ተስፋ ዝሓዘለ ልቢ ብዙሓት፡ 'ገሃነም ዝበሃልስ እዚ ቦታ'ዶ ይኸውን?' ብምባል ንነፍሲ ወከፍ መዓልታት ጉዕዞ ስደት፡ ከብዲ ብጥሙያ ርእሲ ትምዝግብ ኣላ።

"ኤርትራዊ ንዐኦም ዶላር'ዩ። ብሓፈሻ እቲ ሰብ ሓበሻ እንተኾይኑ፡ ገንዘብ'ዩ። ሓጺን ሓዊ እናርሰነንካ፣ ብኤሌክትሪክ እናለፋለፍካ ገንዘብ ዶላር ምርካብ ጥራሕ'ዩ ስርሖም። ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ሊቢያ ካብ ዝበሃል ቦታ ጥራሕ'የ ክወጽእ ዝደሊ። ቀደሙ'ወን ዳግማይ ዕጥቅን ብረትን ሒዝካ ንዘይፈልጠልካ መንግስቲ በረኻ ምውጻእ ከቢዱና እምበር ሃገር'ዶ ገዲፍካ ይውጻእ?" ክብል ኣብ ፍጹም ምቑራጽ ተስፋ ኮይኑ ይዛረብ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብሊቢያ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ቑጽሪ ዝኣትው ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ኣብ ሊቢያ "ምቁጽጻር ስደተኛታት" ዝብል ፕሮጀክት ንምትግባር ብርክት ዝበለ ሚሊዮን ዩሮ በጀት ሰሊዑ'ዩ።

ኣማኢት ሚሊዮን ዩሮ ድማ፡ ንምምላእ መሰረተ ልምዓት እተን መጽንሒ ስደተኛታት፣ ሓይልታት ባሕሪ ሊቢያ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዘስግራ ጀላቡ ክዓግቱ ስልጠና ንምሃብን ከምዝምድብ ይግለጽ።

እንተኾነ፡ እዚ ዓቐን ዘይብሉ ስደተኛ ብዘይ ማይን መግብን ኣብ ሓደ ክፍሊ ክዳጎን ምኽንያት ካብ ምኻን ሓሊፉ፡ ዝተተለመሉ ሸቶ ኣይወቅዕን ዘሎ ተባሂሉ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይንቀፍ።

ሄለን መርሃዊ፡ ተመሳሳሊ ጸገም ተሕልፍ ዘላ ኮይና፡ ንሳ ኣብ ዘላቶ ማእኸል ብዙሓት ኣደ ቖልዑ፣ ነፍሰ ጾርን ጥዕና ዘይብለንን ኣደታት ከም ዘለዋ ትገልጽ።

"ኣብዚ ዘለና ኩላትና ልዕሊ ዓመት፣ 3ተ ዓመት ዝገበርና ኢና። ክልተ ሰለስተ ግዘ ተጨዊና፡ ኣብ ከተማ ሊቢያ ዘለው መኽዝናት ስደተኛታት ኩሎም በጺሕናዮም። ቅድሚ 5ተ ወርሒ ንባሕሪ ኣበጊሶምና፡ ሒዞም ከኣ ንድሕሪት መሊሶምና" ትብል።

"ማይ ተጠጢቓ ብእትቐርብ ማኮረኒ ኢና ዘለና"

ቀሰር ቢን ኣልቀስር፡ እቲ ካልእ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ተዓጽዮምሉ ዘለው መፅንሒ እዩ።

እዚ ግዚያዊ መፅንሒ፡ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ብምዃኑ፡ ብቐጻሊ ኣብ ሞንጎ ክልተ ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝካየድ ውግእ ብተደጋጋምን ብቐረባን ዝስመዐሉ ከባቢ'ዩ።

"ዓበይቲ ብረታት ጸረ ነፈርቲ ታንኪ ከይተረፈ ኣብዚ መዓስከር ነይረን። ብጣዕሚ እንጭነቐሉ፣ ከይደቀስና እንሓድረሉ መዓልቲ ነይሩ። ቅድሚ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ድምጺ ተኩሲ ንሰምዕ ነይርና። ድሕሪ ሓደ ደቒቕ እንታይ ይፍጠር ኣይንፈልጥን። ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኢና" ይብል ገዛኢ ሃብተ።

ኣብዚ ከባቢ ዝበዝሕ ግዘ ኲናት ስለ ዘሎ፡ ክሕግዝ ዝኽእል ትካል ኣዘውቲሩ ከምዘይመጽኦም ዝገልጽ እዚ ስደተኛ፡ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝመልኣና ጫማ፣ ክዳን ኮነ ካልእ ኣይረኣናን፣ "ብሕማም ዓባይ ሰዓል 10 ሰባት ተለኺፎም ኣለው" ዝብል ገዛኢ "ክንደይ ሰብ ተለኪሙ ይኸውን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን" ኢሉ።

Image copyright Getty Images

ንሱን ሓቢሮምዎ ዘለው ስደተኛታትን ንሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ኣብ ኢድ ሰምሰርቲ ከምዝጸንሑ ዝሕብር እዚ ስደተኛ፡ "ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ሒዙና ዝነበረ ሰምሳሪ ንባሕሪ ኣበጊሱና። ን7ተ ሰዓት ምስተጉዓዝና ብሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ኮሙዝ ዝበሃል ከተማ ሊቢያ ተታሒዝና ሓደ ለይቲ ሓዲርና ናብዚ ዘለናዮ ቦታ መጺእና" ክብል ይዛረብ።

"ኣብዚ ምስ መጻእና ዘሎ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ። ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዘ ንሽሙ እትቐርበልና ኣዝያ ውሕድቲ፡ ንኽልተ ሰብ ተባሂላ እትወሃብ ብማይ ዝተጠጠቐት ማኮሮኒ እያ። ተስፋ የለን ማዕጾ ምስተዓጽወ'ዩ። ዝኾነ እትርእዮ ተስፋ የለን። ብዙሓት ኣሕዋትና ኣብ መገዲ ከፊልና ኢና መጺእና" ክብል ብመረረት ይገልፅ።

ኤጀንሲ ስደተኛታትከ እንታይ ይተሓባበር ኣሎ?

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝርከባ ማእኸላት መጽንሒ ስደተኛታት ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናብ ዝሓሸት ውሕስና ዘለዋ ሃገር ንምስጋር ናብ ኒጀር ከምዘግዓዙ ዩኤን ኤች ሲኣር ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ግን ሕዚ'ውን ቑጽሮም ዘይነዓቕ ኤርትራውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ሶማሊያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት፡ ኣብዞም ንዝኾነ ዓይነት መሰረታዊ ድልየት ዘይጥዕሙ መፅንሒ ተዓጽዮም፡ ገሊኦም ብተስፋ ምቑራጽ ተዋሒጦም፡ ገሊኦም ድማ ብሕማምን ሕጽረት ቫይታሚናትን፡ መዓልቲ ይደፍኡ'ዮም ዘለው።

"ኣብ 5ተ ወርሒ ሙሉእ፡ 11 ሰባት ጥራሕ'ዮም ካብዚ ኣውጺኦም። እዚ ግን እኹል ኣይኮነን፤ ነባሪ ፍታሕ ዘይኮነ ምቕሻሽ'ዩ። እቲ ዝበዝሕ ኣብ ሊቢያ'ዩ ዝሳቐ ዘሎ። ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ'ዩ ተቐጂሉና ዘሎ። ካብዚ ገሃነም ከውጽኡና ቐጻሊ ኢና ብዝረኸብናዮ ዕድል ንዛረብ። ግን ለውጥን ፍታሕን የለን" ይብል ሓደ ካብቶም ስደተኛታት።

ብፍላይ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ክከላኸልሉን ክፍወሱሉን ዝገብር መድሃኒት ኣብ ዘይረኽብሉ ጸበባ ኾይኖም፡ ደሃይ ዝሓቶም ዩኤን ኤች ሲኣር እንተኾነ'ውን ንምርካቡን ንደሃዩ ከምዘየሎን እዮም ሓቢሮም።

ሽም ሰብ ታሪክ እዚ ጽሑፍ ንስለ እቲ ዘለዉዎ ኩነታትን ደሕንነቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ክቕየር ተገይሩ'ዩ።