ኤርትራ፡ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከመይ ይግምገም?

ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሲራክ ተስፎም Image copyright Yemane G.Meskel
ናይ ምስሊ መግለጺ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሲራክ ተስፎም

ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 21 ክሳብ ሰንበት 25 ሕዳር 2018 ዘአንገደቶ ፈላሚ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ዕውት ምንባሩ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳብር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብዚ ውድድር 15 ሃገራት ክሳተፋ ትጽቢት ከምዝነበሮም ዝሓበረ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳብር፡ ምውሓድ ተሳተፍቲ ሃገራት እዚ ውድድር ኣብ መወዳእታ ፊስካላዊ ዓመት ብምስርዑ መብዛሕትአን ሃገራት ኣቀዲመን በጀተን መዲበን ብምጽንሐን ምኳኑ ሓቢሩ።

ኣብዚ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ'ውን ፈላሚት ሃገር ኮይና ዘካደቶ ውድድር ኮይኑ፡ በተን ዝተሳተፋ ሃገራት ዕጉባት ምኻኖም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳብር ኣፍሊጡ።

"ውዳበ ናይቲ ስራሕን ስነ ምግባር ተሳተፍቲ ሃገራትን ጽቡቕ ነይሩ" ዝበለ ኣቶ ገብረትንሳኤ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣፍቀርትን ስድራቤት ስፖርትን ንዝገበርዎ ደገፍ "ክንዲ'ቲ መብጸዐኦም ኣበርኪቶም" ክብል ይገልጾ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ፡ ኤርትራ ኣብ 2011 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣአንጊዳ ምንባራ ብምዝኽኻር፡ ዙር ኤርትራ'ውን ኮንቲነንታል ጸወታ ስለዝኾነ ነዚ ሕጂ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ እኹል ተሞክሮ ከምዝኾነ ይዛረብ።

እዚ ፈላሚ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ሓዲሽ ከም ምኳኑ መጠን ዓርሱ ዝኸኣለ ብድሆታት ክህልውዎ ንቡር ኮይኑ፡ ፋይናንሳውን ምሕደራውን ጸገማት፡ ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ'ዮም ኢሉ።

" ብኮንፈደሬሽን ሳይክል ኣፍሪቃን (ካክ) ብዩሲኣይን ነዚ ውድድር ክመርሑ ዝተልኣኹ ደያኑ፡ ንኤርትራ ዝፈልጥዋን ኣብ ካልእ ኣፍሪቃዊ ውድድራት ዝተሳተፉ ብምንባሮም ጽቡቅ ተራ ነይርዎ'ዩ"።

ብዩሲኣይ ዝውሃብ ዓቐን

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ 'ኮንቲነንታል' ውድድር ስለዘሎ ኣብ ሓደ ኣህጉር ከኣ ክልተ ኮንቲነንታል ውድድራት ክስራዕ ሕጊ ናይ ዩሲኣይ ስለ ዘይፈቅድ እዚ ፈላሚ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ 1.1 ሬቲንግ ዓቐን ሒዙ ከምዘጀመረ ዝሓበረ ኣቶ ብረትንሳኤ ዳብር፡ እዚ ዓቐን እዚ ትሕቲ ኮንቲነንታል ከም ዘስርዖ ሓቢሩ።

እዚ ናብዚ ዓቀን እዚ ዘውርዶ በቲ ኣብቲ ውድድር ዝውሃብ ሽልማትን (ብገንዘብ ወይ ብማልያ ዋላ ብዋንጫ) ዝስራዑ ውድድራትን ከምኡ'ውን ብዝሒ ዝሳተፋ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ምኻኑ የብርህ።

Image copyright Yemane G.Meskel

ብዓል ኣልጀርያን ሞሮኮን እንተዝህልዋ. . .

ኣብዚ ብዓብላልነት ኤርትራ ዝተዛዘመ ቀዳማይ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ስሙያት ዝኾና ከም ብዓል ሞሮኮን ኣልጀርያን ዘይምስታፈን፡ ኤርትራ ዓብሊላ ንክትወጽ ርሒብ ዕድል ፈጢሩላ'ዩ ዝብል ርኢቶ ይስማዕ'ዩ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳብር ግን ዝተፈለየ ርኢቶ'ዩ ዘለዎ።

"ንኤርትራ ወኪሎም ዝተጻወቱ'ውን ሓደሽቲ'ዩም" ድሕሪ ምባል ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዪ ይኹን ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ከም ዘየሳተፈት ሓቢሩ።

ንተጻወትቲ ኤርትራ ኣብ ዝለመድዎ ኩነታት ኣየርን ኣብ ኤርትራ ቅድድም ብሽክለታ ባህሊ ምኳኑ ንዓወቶም ካብ ቀንዲ ደራኺ ነገር ምንባሩ ሓቢሩ።

"ናይ ተዓዛባይ ዝነበረ ሞራል ክኣ ቀሊል ፍናን ኣይኮነን። ርዋንዳ፣ ኢትዮጵያ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን (ብደቂ ኣንስተዮ) ኣብዚ ውድድር ምስታፈን ሓደ ኮይኑ ብዓል ኣልጀርያን ሞሮኮን እንተዝህልዋ እቲ ተወዳዳርነት ምሓየለ" ድሕሪ ምባል፡ "ብኩራት ናይዘን ሃገራት ከም ጸጋ ተሓሲቡ ፡ ናይ ኤርትራውያን ዓወት በዚ ክመኻነ ኣይክእልን'ዩ " ኢሉ።

ኣብ ውድድር....

ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ መጀመረታ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብደቂ ኣንስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝተኻይደ ኮይኑ፡ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ርዋንዳ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሸልስን ቤኒንን ክሳተፋ ቀንየን።

ኣብ ሓፈሻዊ ድምር ወጽኢት ኤርትራ 10 ወርቂ 6 ብሩር 5 ንሓስ ብጠቕላላ 21 ሜዳልያታት።

ደቡብ ኣፍሪቃ 2 ወርቂ 3 ንሓስ ብጠቕላላ 5 ሜዳልያታት።

ኢትዮጰያ 1 ወርቂ 5 ብሩር 4 ንሓስ ብጠቕላላ 10 ሜዳልያታት።

ናይጀርያ 1 ወርቂ 1ብሩር ብጠቕላላ 2 ሜዳልያታት

ርዋንዳ 2 ብሩር 2 ንሓስ ብጠቕላላ 4 ሜዳልያ ረኺበን ውድድረን ከምዝዛዘማ ዝፍለጥ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ