'ትግራይ ንበይና ነፂልካ እትሓድገሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?'

ህዝባዊ ሰልፊ ከተማ ሑመራ Image copyright Senayit mebrahatu
ናይ ምስሊ መግለጺ መግለጺ መንግስቲ ትግራይ ንድግፍ

ሰንበት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ክኽበር፣ ምትእትታው ሓይልታት ግዳም ደው ክብልን፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክግታእን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰለፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣብ ከተማታት ዓድዋ፡ ኣክሱም፡ ሰቲት ሑመራ፡ አላማጣን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ዝተኻየዱ ሰለማዊ ሰልፍታት "ዘኹርዕ ምበር ዘሰክፍ ታሪኽ የብልናን"፣ "ልዕልነት ሕጊ ይከበር፡ ዓሌት ፈሊኻ ምጥቃዕን ምብስባስን ጠጠው ይበል" ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ተንፀባሪቖም ውዒሎም።

ብፍላይ ኣብ ደቡብ ትግራይን ምዕራብ ትግራይን ድማ ካብዞም ዝተጠቐሱ ሕቶታት ብተወሳኺ፡ "ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር 'ምበር ሕቶ መንነት የብልናን" ዝብል ጭርሖ ብሰፊሑ ክንብልበል ከምዝወዓለ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እዚ ድማ ብፍላይ ግዝኣታት ወልቃይትን ራያን ናይ አምሓራ መሬት እዩ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣምሓራይ እዩ ንዝብል ብገለ ወገናት ዝለዓል ሕቶ ንምቅዋም እዩ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ነባሪ ከተማ ዓድዋ ተኣምራት ጥበቡ፡ እቲ ሰልፊ ማሕበራት ሓፋሽን ከምዘዳለዎኦን፡ ሕገ መንግስቲ ይከበር፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ዘትኮረ መጥቓዕቲ ጠጠው ይበል፡ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖ ከምዝነበረን፡ እቲ ህዝቢ ብመንነቱ ከምዝኾርዕ 'ምበር ከምዘይሓፍር፡ ትዕግስቲ ምበር ፍርሒ ዝበሃል ከምዘይብሉ ውን ገሊፁ ኢሉ።

Image copyright Abraha Ebuy
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፊ ትግራይ

ከም በዓል ፋና ዝኣመሰሉ ሚድያታት፡ ቅድሚ ቤት ፍርዲ፡ ዘጸልም ፊልም ብምስረሖም ተቓውሞና ገሊፅና። እዚ ማለት ግን፡ 'እቶም ሰባት ገበነኛታት ኣይኮኑን' ማለት ኣይኮነን። 'ገበነኛ ክሕተት የብሉን' ዝበለ እውን የለን። ገበን ብሄር የብሉን፡ ሃይማኖት የብሉን፡ ግን "ሓደ ሰብ ገበን እንተፈፂሙ፡ ቤት ፍርዲ እዩ ክዳንዮ ዝግባእ" ዝብል ርኢቶ ሂቡ።

እቶም ሚድያታት መንግስቲ ሕዝ'ውን ነቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዛቢዖም ከምዘቕረቡዎ ድማ ይዛረብ።

ተኣምራት ርእይትኡ ይቕፅል።

"ሙስና ኣይሰርሑን ኣይበልናን። ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ናብ ሕጊ ቐሪቡ ይተሓተት። ሌባ እንድሕር ኮይኑ ንሕና'ውን ኣሕሊፍና ኢና ንህቦም። መሕብኢ ሌባ እንኾነሉ ምኽንያት የለን። …. ንትግራዋይ ጥራሕ ፈልዩ ዘጥቅዕ ኣከያይዳ ግን፡ ክንሽከሞ ኣይንኽእልን" ኢሉ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ የሺ አረገ ድማ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣሻሓት ሰባት፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ አመልኪቱ ንዝሃቦ መግለፂ ንምድጋፍ ከምዝወጽአ ተዛሪባ።

ኣብ ካልእ ከባብታት ሰልፈኛታት፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምትእትታው ናይ ደገ ኢድ ሓይልታት ደው ክብል ሕቶ ኣቕሪቦም።

ብፍላይ ወልቃይትን ፀገዴን፡ ሕቶ መንነት አለዎም እናበሉ ብስሞም ዘቕርቡ ሰባት፡ ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ።

እቲ ህዝቢ ሕቶ ስርዓትን ልምዓትን ምበር ፡ ሕቶ መንነት ከምዘይብሉ ገሊፁ ትብል" የሺ ኣረገ።

"መንግስቲ አደብ ክገዝኡ ይግበረልና። ንሕና ሕቶ መንነት ሃልዩና ውን ኣይፈልጥን። ሕጂውን የብልናን። 'ኣብ ካሊእ ከባቢ እናኸዱ ብስምና ዝሽቅጡ ኣካላት መንግስቲ ክሓቶም ኣለዎ' ዝብል ብተደጋገሚ ካብቲ ህዝቢ ክስማዕ ዝፀንሐ እዩ" ትብል።

ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ድማ እቶም ሰልፈኛታት ከምዝሓተቱ እታ ሓላፊት ትዛረብ።

"ኣብ ሕጊ ምኽባር ኣይንደራደርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ውን ሕጊ ይከበር ኢልና ኢና ወፂና፡ ሕጂ'ውን እንቕይሮ ነገር የለን። ሕጊ ዝኽበር ግን ብሄር እናመረፅካ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ እዩ ክሰርሕ ዘለዎ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም እዩ ሒዙ ወፂኡ"

"መትከላዊ ህዝቢ"

ኣብ ዩኑቨርስቲ አዲስ ኣበባ፡ መምህር መፅናዕቲ ፌደራሊዝምን ተንታኒ ፖለቲካን ኣይተ ናሁሰናይ በላይ፡ ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊ ክብርታትን መትከላትን ከምዝግዛእ ብምሕባር፡ "ህዝቢ ትግራይ መትከላዊ ማሕበረሰብ እዩ ክንብል እንከለና፤ ሕጋዊ መትከላት ሃይማኖታዊ መትከላት ብዓይነቱ፤ መሰረት ገይሩ ዝንቀሳቐስ ማሕበረሰብ እዩ። እዘን መሰረታዊ መትከላት ክንካኣ እንተለዋ፤ ከም ሓደ ጠጠው ኢሉ እዩ ዝንቀሳቐስ" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ወርሒ፡ ሕግታት ይጠሓስ ኣለዉ፡ መንግስቲ ይፈርስ ኣሎ ኢሉ ናብ አደባባይ ከምዝወጽአ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ 'ውን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተንፀባረቑ መልእኽታት ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ዝተደረኻ ምበር እገለ ይፈታሕ፡ እገለ ይተኣሰር ዝብል ከምዝይኾነ እዩ ተዓዚቡ። ዘርኢ ፈሊኻ ዳኝነት የለን ንዝብል ድማ ከም ኣብነት የልዕል።

Image copyright Tigray communication office
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጠርጣሪ ኣብ ቤት ፍርዲ እምበር ኣብ ሚድያ ኣይኮነን ክዳነ ዘለዎ

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን፡ ኣቦ መንበር ሰብ ሕድሪን ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ድማ ፤ እቲ ቁጠዓ ናይ ነዊሕ ግዜ እዩ ብምባል፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ከቢድ እዩ። ነዚ ጠጠው ከብል ዝኽእል መንግስቲ ድማ ኣይተራእየን። ብፍላይ ከም ተጋሩ ፈልዩ ዘጥቕዕ ኩነታት ነቲ ህዝቢ እናሕመሞ እዩ ፀኒሑ" ይብል።

እቲ ፌደራል መንግስቲ ግን ማእኸላይ ኮይኑ መዘሓሓሊ ክኸውን እናተገበኦ፡ የጋድድ ከምዘሎ ይዛረብ።

ይኹን'ምበር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘሎ አፈላላይ ክፈልጥ ምትሕስሳቦም፡ ህዝቢ ትግራይ ናይዚ ስርዓት ፍሉይ ተጠቃሚ እዩ ዝብል መሰረት ከምዘይብሉ ምዝራቦም ዝዝከር እዩ።

ናሁሰናይ ግን "ሐዚ ኣብ ኢትዮጰያ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝብል ስም ቅሉዕ ዝኾነ ጥቕዓት ኣብ ሓደ ብሄር ይፍፀም'ሎ። እዚ ምርምር ኣየድልዮን። ህዝቢ ትግራይ ሕጊ ኣይከበር ኣይበለን። ፍትሓዊ ኩኑ እዩ ዝብል። ስለዚ ንትግራይ ከቢብኻ ዓፊንኻ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፤ ኣድላይ ብዝኾነ መንገዲ ክምክቶ ከምዝኽእል እዩ ሓድነቱ ኣርእዩ ኢሉ።

"እዚ ማለት ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሰሉ ሓደ ዓብይ ዕላማ፡ መሰል ርእሰ ውሳነ፡ ናይ ብሄራት መሰል እንድሕር ዘይተኸቢሩ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ካብኡ ወፃኢ ክሕሰብ ኣይኽእልን፤ መሰልና ክጎብጠና እንድሕር ዝመፅእ ኾይና ብሓይሊ ኢና ንምክቶ ዝብል እዩ እቲ መልእኽቲ። ቀደሙ'ውን መሰልና ብሓይልና ኢና አረጋጊፅናዮ፤ ሕዚ'ውን ብሓይልና ኢና ነረጋግፅ ዝብል እዩ" ኢሉ።

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ናይ ህዝብታት ነብሶም ናይ ምክልኻል መሰል ከምዝኾነ ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

አበሳ ህወሓት?

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢህወዴግ እዛ ዓዲ እንትመርሓ፡ ቀንዲ ስልጣን ብቐጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ፤ ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ኣእትዩ ሕማቕን ፅቡቕን ክገብረሉ ዝፀንሐ፡ ሓደ ኣባል እቲ ግንባር ዝኾነ ህወሓት እዩ ዝብል ብሰፊሑ ይግለፅ እዩ።

ነዚ ድማ እዩ፤ ዓሌት መሰረት ዝገበረ እንተይኮነስ፡ ብርክት ዝበሉ ነባር መራሕቲ ህወሓት ምሕታቶም ዝገርም ኣይኮነን ዝብሉ ርእይቶታት ይወሃቡ ዘለዉ። ገለ ሰባት ድማ፡ እቲ ሰልፊ ገበነኛታት ናይ ምሕባእ ድሌት ዝብል ትርጉም ክህቡዎ ይረአ።

ሕፁይ ዶክተር ናሁሰናይ በላይ ግን እዚ ቅቡል ኣይገብሮን።

"እዚ ዓዲ ብዙሓት ለያቡ ዘለዉዎ ዓዲ እዩ። ይኹን'ምበር ፖለቲካዊ ፅግዕተኝነቶም ተርእዩ፡ ናይ ለውጢ ሃወርያታት ተባሂሎም ይውሰዱ ኣለዎ። …..ክምርመር እንተኾይኑ ኩሉ ይመርመር። ሕድሕድ በዓል ስልጣን ዝፈፀሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ክረአ ይግባእ" ይብል'ሞ ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈፀመ ግፍዒ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ደሕንነት ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኮነ የረድእ።

Image copyright Tigrai communication office
ናይ ምስሊ መግለጺ ህዝቢ ራያ ሕቶ ልምዓት እምበር ሕቶ መንነት የብሉን

ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዓብይ ዓወት፡ ኣብ ጎንደር ዝተመረቐ ርብ ግድብ፡ ብ1.3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ክውዳእ ተባሂሉ ከምዝተጀመረ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ክሳብ ሕዚ'ውን ከይተወደአ፡ ከምዝተመረቐን ኣብ ኢደይ መረዳእታ ኣለኒ ይብል።

ሽድሽተ ዓመት ደንጉዩ ሰለስተ ዕፅፊ ወፃኢ ድማ ወሲኹ፡ ብሓፈሻ 4.7 ቢልዮን ዶላር ከምዝፈሰሶ ይዛረብ።

"ንኣብነት እንተሪእና ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፕሮጀክት ድኽመት ኣብ ሜቴክ ጥራይ ኣይኮነን። ትግራዋይ ዝመርሐን እናፈለኻ ፖለቲካዊ መሳርሒ ምግባር፡ ኮነ ኢልካ እቲ ውድብን ህዝብን ርእሱ ከምዘድንን ንምግባር ኮይኑ ከምዝስመዖ ይገልጽ።

"ብሃገር ደረጃ ንተዓረቕ እንተተባሂሉስ፡ ንትግራይ ንበይና ነፂልካ እትሓድገሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?" ብምባል ድማ ንፖለቲካዊ ዝምድናታት ኣዲስ ኣበባ ባህርዳን ኣስመራን ይነቅፍ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ገበነኛ ብዘርኢ እናመረፅካ ክሕተት ምግባርን ፡ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ቀዲምካ ብሚድያ ገበነኛ ኢልካ ምብያንን ናይ ገበን ገበን ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም እዮም።

ነዚ ስዒቡ እዩ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ፡ ተግባራት መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየደ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት