ፖለቲካ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን የሳትፍ'ዶ?

ህሊና ብርሃኑ፣ ወይዘሮ ኣረጋሽ፣ ዮናታን ተስፋዬን ዶክተር መረራ ጉዲናን (ካብ ፀጋም ናብ የማን) Image copyright HLINA/FACEBOOK/GETTY IMAGE
ናይ ምስሊ መግለጺ ህሊና ብርሃኑ፣ ወይዘሮ ኣረጋሽ፣ ዮናታን ተስፋዬን ዶክተር መረራ ጉዲናን (ካብ ፀጋም ናብ የማን)

ፖለቲካ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ዝመርሕዎ ዘለዉ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርበዓ ወይ ሓምሳ ዓመታት ክቃወሙ ዝፀንሑ፡ ዕድመ ዝደፍኡ ፖለቲከኛታት ምዃኖም ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ'ሎ።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ ተባዕትዮን ኣበይ ኣሎ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ጎሊሁ ንኽለዓል ምኽንያት ኮይኑ ክበሃል'ውን ይከኣል።

ብኻልእ ወገን፡ ደቂ ኣንስትዮ ተቓወምቲ ምርኣይ 'ኣሊሽካ' ብምዃኑ፡ "ደቂ ኣንስትዮ ዘየሳትፉ ተቓወምቲ ክንቃወሞም ኢና" ዝብሉ ርእይቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣማኻሪት ስርዓተ ፆታን ሕግን ህሊና ብርሃኑ ነዚ ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ሰባት ሓንቲ'ያ። "ኣብቲ ዘሎ ስርዓት ንዝረኣዩ 'ክፍተታት ክመልእ እየ' ኢሉ ዝለዓል ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ተሳተፍቲ ኣብ ምግባር ፀገም ኣለዎ" ትብል።

"ስርዓት ከመሓይሽ እናበልካ ኣሳታፊ ዘይምዃን፡ ፍትሕን ፍታሕን ከይሓዝካ ምምፃእ፡ ዝጠዓዓሙ ኣይኮኑን። ኣሳታፊ ከይኮንካ ተቓዋሚ ምዃን ኣይከኣልን" ክትብል ተረድእ።

ህሊና፡ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ብኽልተ መገዲ ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክወፃ ከም ዝግበር ትኣምን። መንእሰይ ክበሃል ከሎ ወዲ ተባዕታይ፡ ጓል ኣንስተይቲ ክበሃል ከሎ ዓበይቲ (ብዕድመ ዝደፍአ) ገይርካ ምውሳድ ከም ምኽንያት ተቐምጥ።

ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ መናእሰይ ዝኾና ከይሓዝካ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምፍጣር ከም ዘይከኣል እትዛረብ ህሊና፡ 'መንእሰይ ተረካቢ ሃገር እዩ' ከምኡ'ውን 'ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎን ናብ መሪሕነት ምድያብን ብኸይዲ ግዜ ይረጋገፅ' ንዝብሉ ኣባሃህላታት ኣይትቕበልን።

"መንእሰይ ናይ ፅባሕ ተረካቢ ሃገር ዝብል ንፅባሕ እምበር ኣብ ሎሚ ረብሓ የብሉን። መንእሰይ ዝኾንኩ፣ ሰብ ዝኾንኩን ጉዳይ ዘለኒን ንሎሚ እዩ። ስለዝኾነ ናይ ሎሚ እምበር ናይ ፅባሕ ኣይኮንኩን" ትብል።

ንሳ ከም እትብሎ፡ ተቓወምቲ፡ ሰልፊ (ውድብ) ኮይኖም ክምዝገቡ ንዝደልዩ፡ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ከሳትፉ፡ ብቑፅሪ ዝንፅር ሕጊ ብቦርድ ምርጫ ክቕመጥ ኣለዎ።

"በዚ ኣገዳዲ ሕጊ እተን ሰልፍታት ኣሳተፍቲ ክኾና እየን" እትብል ህሊና፡ እዚ ድማ እተን ሰልፍታት ንፁር ዝኾነ ፖሊሲ ስርዓተ ፆታን መንእሰይን ንኸዳልዋ ከም ዝግደዳ ዘለዋ እምነት ትገልፅ።

"ቃልስና ክቕፅል እዩ"

መስራቲት ፓርቲ ዓረናን ነባር ተጋዳሊት ህወሓትን ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ፡ ፖለቲካ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ዝተደረተ ምዃኑ፡ ኣብ 1960ታት ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ርሱን ፖለቲካ ብዝተሳተፉ ናይ ሕዚ ሰብ ፀጋ ዕድመ ንክምራሕ ምኽንያት ከምዝኾነ የልዕላ።

"እቲ ባይታ ዝተገደበን ናፅነት ዘይብሉን ነይሩ። ክሳብ ሕዚ ናብቲ ተቓውሞ ደፊሮም ዝወፁን ዝተዛረቡን እቶም ናይ ስሳታት እዮም። መንእሰይ ግን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን፡ ሊግ መናእሰይ ብዝብል ተቐይዱ ፀኒሑ" ይብላ።

እቲ ባይታ ንኹሉ ክፉት ኮይኑ፡ ሰባት ኣብ ዝደለይዎ መገዲ ብናፅነት ዝውደብሉ ዕድል እንተዘይተፈጢሩ፡ ሕዚ'ውን እቶም ዝፀንሑ ክቕፅሉ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣመልኪተን።

ደቂ ኣንስትዮ ዘይምስታፍ ድማ፡ ውፅኢት ኣቦነት ዝዓብለሎ ስርዓት ከም ዝኾነ ዝዛረባ ወይዘሮ ኣረጋሽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተወዲበን ብምቅላስ ክቕይርኦ ከም ዝግባእ ሓቢረን።

ፖለቲካ ተቓውሞ ንምንታይ ብዓበይቲ ተመሊኡ?

ወሃቢ ቃል ፓርቲ ሰማያዊ ዝነበረ ዮናታን ተስፋዬ፡ ብደረጃ ሚንስትር፣ መሪሕነት ሰልፊን መንግስትን ናብ ቅድሚት ይምዘዙ ዘለዉ ሰባት ብምርኣይ፡ ኢህወዴግ ኣብ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ይገልፅ።

ብተፃራሪ "እቶም ናይ 60ታትን 70ታትን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቖፃፀርዎ፡ ፖለቲካ ተቓውሞ ብደዉ ተሪፉ ኣሎ" ይብል።

እቲ ናይ ተቓውሞ ፖለቲካ ብዓበይቲ ዝተመልኣሉ ምኽንያት፡ እቶም መራሕቲ ፍልይ ንዝበለ ሓሳብ ቅሩባት ስለዘይኮኑን እቲ መንእሰይ ድማ፡ ኣብቲ ዝፀንሐ 'ዘልማዳዊ ፖለቲካ' ግዚኡ ካብ ዘጥፍእ፡ ንውልቁ ተጓይዩ ናብቲ ዝደልዮ ደረጃ ክበፅሕ ስለዝደልይ ከም ዝኾነ የረድእ።

ይኹን ደኣ'ምበር ተወሳኺ መፅናዕቲ ዝሓቱ ካልኦት ምኽንያታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ'ውን ዮናታን ይዛረብ።

"እቲ ዝፈተነ'ውን ብሽርሕን በቲ ብልሙድ ክስራሕ ዝፀንሐ ስራሕን ተሓሊኹ ይወድቕ። ናተይ ፃንሒት'ውን በዚ ውሽጢ ዝሓለፈ እዩ። 'ትማሊ መፂእኹም ፖለቲካ ክተምህሩና ድዩ' ይበሃል" ክብል ገሊፁ።

ብዙሓት ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ዝበዝሑ ኣባላተን መናእሰይ ከም ዝኾኑን ኣብ ኣወዳድባ'ውን ናይ መናእሰይ ጉጅለ ከም ዘለወንን ይገልፃ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ንምንታይ መናእሰይ ንቕድሚት ዘይወፁ?

ዮናታን ከም ዝብሎ፡ ዋላ'ኳ እቲ ኣወዳድባ ይሃሉ፡ በዚ 'ብጣዕሚ ዝተዓፈነ' ፖለቲካዊ ስርዓት ሰጊርካ ንምውፃእ ነቲ መንእሰይ ዝለዓለ ዓቕሚ ይሓቶ። "መራሕቲ ሰልፍታት ተቓውሞ'ውን ብጀካ ንሶም ካልእ ጎሊሁ ክወፅእ ኣይደልዩን" ይብል።

"መናእሰይ'ውን ነቶም ዓበይቲ ይደልይዎም"

ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ዶክተር መረራ ጉዲና፡ ውድቦም ብኣሰራርዓ ዝተወደበ ሊግ መናእሰይ ከም ዘለዎ ይዛረቡ። "እቲ ናይ መናእሰይ ክንፊ'ውን ብላዕለዋይነት ዝመርሕ'ዩ" ይብሉ።

80 ሚኢታዊት ኣባል ሰልፎም መንእሰይ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ዶክተር መረራ "ካብ ማእሰርቲ ዝወፃእና፣ ካብ ደገ ክኣትዉ ዝኸኣሉን ናብ ቤተ-መንግስቲ ዝኣተናን እኮ ብቓልሲ እቲ መንእሰይ እምበር ብኻልእ ኣይኮነን" ክብሉ የረድኡ።

ኣብቲ መሪሕነትከ ንምንታይ ናይ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተሳርፎ ዘይተርኣየ? ንዝብል፡ መንግስቲ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ተሓታቲ ከም ዝኾነ ዶክተር መረራ ይዛረቡ።

"ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣርባዓን ሓምሳን ዓመታት፡ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ዝሰጋገር እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን መንግስቲ ንመናእሰይ ከሰጉግ፣ ክገርፍን ክቐትልን ፀኒሑ። በዚ ድማ እቲ መንእሰይ ኣብ ማእሰርቲ ወይ ድማ ኣብ ስደት'ዩ ፀኒሑ" ኢሎም።

"መናእሰይ'ውን ዓበይቲ'ውን የድልዩ እዮም" ዝብሉ ዶክተር መረራ፡ ኣብቲ ናቶም ሰልፊ ኣብ ሞንጎ መናእሰይን ዓበይትን ዝረኣይ ፀገም ከም ዘይረኣይን፡ እቶም ዓበይቲ ዝዓፀውዎ መገዲ ከም ዘየለን ይገልፁ።

እቲ ዝረብሕን ቀፃልን ክኸውን ዘለዎ ነገር፡ እቲ መንእሰይ ይኹን እቶም ዓበይቲ ሰስርሖም እንተዝሰርሑሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምንጋስ ዝቃለሱ ሰባት ነቲ ቃልሲ እንተዘቐፅልዎ ዝብል ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ