ኢትዮጰያ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ፖሊስ ብምቅታሎም ዝውዓለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

ኣብ ከተማ ነቀምት ዝውዓለ ሰለማዊ ሰልፊ

ኣብ ዶባት ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ዕጡቓት ሓይልታትን፡ ብዘጋጠመ ምልውዋጥ ቶኽሲ ብውሕዱ 17 ኣባላት ተቀቲሎም።

ሎሚ ነዚ ዘጋጥመ ሞት ኣባላት ፖሊስ ንምቅዋም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ውዒሉ ።

ኣብ ከተማ ነቀምቴ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ነበርቲ ንሰለማዊ ሰልፊ ዝወጽኡ አንትኾን፡ ሓደ ተሳታፊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እዚ ዘጋጠመ ሞት ፖሊስ፡ ናይ መንግስታት ክልል ኦሮሚያን ፌደራልን ኣተከሮ ስለዘይገበርሉ እዩ ኢሉ።

እዚ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረ ተሳታፊ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ "ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮምያ ዝግበር ዘሎ ቅትለት መልክዑ ድኣ ቀይሩ'እምበር ደው ኣይበለን፤ ኣብ ልዕሊ ሰላም ንምኽባር ዝተዋፈሩ ፖሊስ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት ይፍጸም ብምህላዉ ነባሪ እቲ ከባቢ ሰላምን ውሕስነትን ስኢኑ'ዩ" ኢሉ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኦሮምያ ኮምሽነር ሶሪ ዲንቃ፡ ብሰሉስ 10 ፖሊስ ከምዝተቀተሉ ቅድሚኡ'ውን 7 ፖሊስ ሞይቶም ምንባሮምን ብዙሓት ቁሱላት ብምህላዎም ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእልን ሓቢሩ።

ኮምሽነር ሶሪ ዲንቃ፡ እዞም ነዚ ቅትለት ዝፈጸሙ ዋላ ብሽም ኣይነፍለጦም "ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተዓቖቡ ዕጡቃት ሓይልታት ኮይኖም፡ ዝሕግዝዎም ዓቢ ሓይሊ ብድሕሪኦም ኣሎ'ዩ" ኢሉ።

እዚኦም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክልል ሶማል ዕግርግር ዝፈጥሩ ዝነበሩን ነዚ ዘሎ ለውጢ ዘይድግፉን፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫው ዝሰርሑን እዮም ድማ ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልላት ቤንሻንጉልን ኦሮምያን ነዚ ደው ንምባል ኣብ ምዝርራብ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኮምሽነር ሶሪ ዲንቃ፡ ፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ወፍሪ ጅሚሮም ምህላዎም ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት