ኤርትራ፡ ሚኒስተር ስብሓት ኤፍረም 'ተሃሪሙ' ዝብሉ ጸብጻባት ይስምዑ

ሚኒስተር ማዕድንን ጸዓትን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም Image copyright ERi-TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ካብ 1995 ክሳብ 2014 ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ

ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም መንነቶም ብዘይተገልጸ ሰባት ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ክዛረቡ ቀኒዮም።

ጀነራል ስብሓት ተሃስዩ ከም ዘሎን፡ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዝተሰደ'ኳ ይዝረብ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ይኹን፡ ኩነታት ናይቲ ጀነራል ዝሃቦ ወግዒዊ መግለጺ ኣይነበረን።

እንተኮነ ግን፡ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ጃፓን እቲ ፍጻመ ክውን ከም ዝኾነ ዝገልጽ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ጽሒፉ።

"ንስብሓት ቅልጡፍ ሕውየት እምነየሉ፡ ነዚ ናይ ፈራሓት ስራሕ ድማ እኹንኖ'' ኢሉ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ በቲ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተሃሪሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝለዓለ ሕክምና ካብ ኤርትራ ከም ዝወጸ ይዝረብ ኣሎ።

ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

እቲ ዝተባህለ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ብሓደ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣድቢዩ ዝጸንሐ ሰብ ከም ዝተኻየደን፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኩነታት ጀነራል ስብሓት ዝምልከት ተወሳኺ ርጉጽ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸበሉ ከቃልሖ'ዩ።

Image copyright Petros Tesfagiorgis
ናይ ምስሊ መግለጺ ስብሓት ኤፍረም (የማን) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ካብ 1995 ክሳብ 2014 ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ከም ኣማሓዳሪ ከተማ ኣስመራን ሚኒስተር ጥዕናን ኮይኑ'ውን ሰሪሑ ነይሩ'ዩ።

ስብሓት ኤፍረም ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣባል ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ'ዩ። ንሱ፡ ኣብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተሰለፈ ይንገር።