ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ጽዑቕ ግፋ ምክያዱ ተሓቢሩ

ኣብ ጎዶና ሓርነት ዝርከብ ህንጻ እንዳ ኣባ ሓበሽ 19/07/2018 ኣስመራ
ናይ ምስሊ መግለጺ ህንጻ እንዳ ኣባ ሓበሽ ኣስመራ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ግዳም ቴንዳ ተኺሎምን ኣብ መካይን ኮይኖምን ብሸቐጣ ሸቐጥ ዕለታዊ ህይወቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ነጋዶ ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ምቕናዩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብሰንኪ'ዚ ብዙሓት ኣብያት ሸቐጥ ብምዕጻዎም ህዝቢ የማርር ምህላው ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዶባት ኢትዮ- ኤርትራ ብወግዒ ካብ ዝኽፈት ንደሓር፡ ካብ ትግራይ ብዙሕ ሸቐጣት ክኣቱ ብምጽንሑ ዕዳጋታት ኤርትራ ብምርግግኡ ኣብ ህዝቢ ተስፋ ምሕዳሩ ብሰፊሑ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ከም መሳርሒታት ህንጻን ሰሜንቶን ቴንዲንን ከምኡ እውን አእካልን ጥረታትን ባንን ብምጉዳሉ ህዝቢ ኣባይቱ ከሐድስን ክሃንጽን ልዑል ተስፋ እኳ እንተገበረ፡ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ህንጻ ከይካየድ ምኽልካሉ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ይገልጹ።

ምኽንያት እዚ ናይ ሕጂ ግፋ ምስ መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይጥርጠር ዝበሉ ምንጪታት ቢቢሲ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ከቢድ ናይ ጸጥታ ሃዋህው ሰፊኑ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

መንግስቲ ንጉዳይ መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብዝምልከት፡ ዝኾነ ይኹን መግለጺ እኳ እንተዘይሃበ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ግን ንጀነራል ስብሓት ኤፍረም ምሉእ ድሕነት ብምምናይ ነቲ ተግባር ናይ ፈራሓት እዩ ክብል ብትዊተር ኮኒኑዎ ኣሎ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣበይ ይሕከም ከም ዘሎ ብወግዒ እኳ እንተዘይተፈልጠ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዝተላእከ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝረብ ቀንዩ ኣሎ።

ንሃለዋቱ ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕጂ ጽጹይ ሓበሬታ የሎን።

ጀነራል ስብሓት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኡ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ቢቢሲ ትግርኛ እሙንን ጽጽዩን ሓበሬታ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ክሕብር እዩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
''ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ኣዝማድና ክንረኽቦም ኢና''

ተወሳኺ ዛንታ