ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝቐትሉ ዝነበሩ ጥርጡራት 'ኣባ ቶርቤ' ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ጀነራል ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣለማየሁ እጅጉ ኩምሳ

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዘሎ ዘይምርግጋእ 12 ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ፡ 41 ሰባት ከም ዝተቐተሉ፡ ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣለማየሁ እጅጉ ኩምሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ኣባ ቶርቤ' ብዝብል መጸውዒ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታተ ክልል ኦሮሚያ እናተንቀሳቐሱ፡ ሰባት ክቐትሉ ዝጸንሑ ጥርጡራት፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ኣፍሊጡ።

ኣባላት እዚ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኦሮሚያ ዒላማ ገይሩ ከጥቅዑ ጸኒሖም'ዮም ኢሉ።

እቲ ኮሚሽነር፡ ኣብቲ ከባቢ ግጭት ብምልዕዓል፡ ንኦነግ ሸኔ እንትኸስስ፡ 12 ኣባላት ፖሊስ ብኦነግ ሸኔ'ዮም ተቐቲሎም ኢሉ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ነዚ ጉጅለ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ምርመራ ከም ዝተጀመረ ገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ብምንቅስቓስ፡ ሓይልታት ጸጥታን ውልቀሰባትን ብሕቡእ ዝቐትሉ ዝነበሩ 'ኣባ ቶርቤ'፡ ብዝብል መጸውዒ ተወዲቦም፡ ሰላማውያን ሰባት፣ ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣካላት ጸጥታን እንትቐትሉን፡ ተወሳኺ ሰበ ስልጣን ክቕተሉ ክውድቡ ዝጸንሑን ጥርጡራት ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽነር ከም ዝበሎ ድማ፡ ክልተ ሽሕን ሰብዓን ኤኬ47 ዝተብሃሉ ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለን፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ካብ ዝርከቡ ፖሊስ ጣብያን ባንክን ሰለስተ ሚሊየን ቅርሺ ከም ዝተዘምተን ኣመልኪቱ።

እዞም 'ኣባ ቶርቤ' ወይ ድማ (በዓል ሰሙን) ብዝብል መጸውኢ ዝተወደቡ፡ ካብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ብሕቡእ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ደገፍትን ፈልዮም ከጥቅዑ ምጽንሖም ይግለጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ