ጎንጺ ሶርያ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንእስላማዊ ጉጅለ ንምብዳህ ድልውነቱ ኣርእዩ

መኻይን ወደሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ከተማ ማንቢጅ ታሕሳስ 30-2018 Image copyright AFP/Getty

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንእስላማዊ ጉጅለ (ዳዕሸ) ምሉእ ብምሉእ ክስዕሮም ድልው ምዃኑ ሓደ ላዕዋይ መራሒ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣመልኪቱ።

ሰኔተር ሊንድሰ ግራሃም ሰንበት መዓልቲ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ትራምፕ ዳግም ከም ዘረጋገጸሉ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብ19 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣስታት 2000 ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ዝጸንሑ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናትን መሻርክቲ ኣሜሪካን ነቀፈታት ክገጥሞ ጸኒሑ ኢዩ።

እቲ ምስሓብ ሰራዊት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ጉጅለ ዕጡቓት እስላማዊ መንግስቲ [ዳዕሽ] `ተሳዒሩ`ዩ` ድሕሪ ምባሉ`ዩ ተወሲኑ።

ነቲ ፕላን ዝነቕፉ ግን፡ ዳዕሽ ዳግማይ-ምደባ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን፡ እዚ ከኣ ንድሕነት ሃገራዊ ጽጥታ ኣስጋኢ ምዃኑ ይእምቱ።

ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ኣብ ምድምሳስ ዝበዝሕ ሓይሊ ዳዕሽ ሓጊዞም`ዮም። ገና ግን ዝተረፉ ዕጡቓት ኣለዉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካ ሰራዊታ ካብ ሶርያ ክትስሕብ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ጀኔራል ማቲስን ኣንፃር ዳዕሽ ኣብ ምቅላስ ዓብይ እጃም ዝነበሮ ካልእ ላዕለዋይ ሓለፍን በገዛ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ከምዝተሰናበቱ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰኔተር ጋሓም እንታይ ኢዩ ነገርዎ?

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሰኔተር ሊንድሰ ግራሃም ሰራዊት ምስሓብ `ምስ ናይ ኦባማ ዝመሳሰል ዓቢ ጌጋ` ኢሉ ነይሩ። እንተኸነ ግን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ስራሕ ምድምሳስ ዳዕሽ ክገብሮ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸሉ ኣመልኪቱ።

Image copyright AFP/Getty

''ንእስላማዊ ጉጅለ ክድምስሶም ተመባጺዑ ኢዩ። መብጽዕኡ ኸኣ ከኽብር ኢዩ''።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከም ዝሕብሮ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣእዳዉ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ይሓጽብ ከም ዘሎን፡ ነቲ ስራሕ ንሩስያን፤ ቱርክን፤ ኢራን ይገድፎ ከም ዘሎን የእምት ኢሉ።

ሰኔተር ሊንድሰ ግራሃም ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝርከቡ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኩርድስ ንመጥቃዕቲ ቱርኪ ምቕልዕ ማለት ኢዩ ኢሉ።

''ሕጂ እንተ ኣንሳሒብና፡ ኩርዳውያን ከሕረዱ ኢዮም'' ኢሉ። ፕረዚደንት ትራምፕ ከኣ ነዚ ኣብ ግምት የእትዎ ከም ዘሎን፡ እዚ ጉዳይ የተሓስቦ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።

ወተሃደራት ኣሜሪካ፡ ኣብ 2015 ንኩርዳወያን ተቃለስቲ ክሕግዙ ብውሑድ ቁጽሪ ወደሃደራዊ ተዓሊም ክህቡን ከም ኣማኸርትን ኣብ ሶርያ ኣቲዮም። እዚ ከኣ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ስልጣን እንከሎ ኢዮ።

ኣስታት 2,000 ወይ ካብኡ ዝበዝሑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ስሪሒታት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ተዋፊሮም ጸኒሖም። ሓያሎ መደበራትን መዕለቢ ነፈርትን ድማ ተሰሪሖም`ዮም።