ኤርትራ፡ ኣብ 2018 ዝተራኣዩ ዓበይቲ ፍጻሜታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንት ሃገር ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 08/07/2018 Image copyright Fitsum Arega
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንት ሃገር ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ

ዓመት 2018 ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝተራኣየላ ዓመት ኮይና፡ ሓደን ቀንድን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት ዕስራ ዓመት ኣንጸላልዩ ዝነበረ ኩነተ ኣይ ሰላም ኣይኵናት ናብ መዕለቢ ንኽበጽሕ ዝተበጽሐ ሰምምዕ እዩ።

እቶም ቀንዲ ፍፃመታት ናይዛ ዓመት እነሆ።

ምያዝያ

- ኤርትራ፡ ኣብ ሶማል ንዝንቀሳቐስ ጉጅለ አልሻባብ ትድግፍ እያ ብዝብል፥ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ካብ ዘንብረላ ኣትሒዙ ምስ አመሪካ ዝነበራ ርክብ ተበላሸዩ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ አምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ

ሰነ

- ኣብ ሰነ 6 ኣኼብኡ ዘካየደ ኮሚተ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ፡ ንመጻኢ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምውሓስ ንውሳነ ስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።

- ፕሬዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 20 ሰነ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበሉ ናይ ሰላም ጻዊዒት ከምዝተቐበሎን ኣብ ቀረባ እዋን ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝብገሱን ሓቢሩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
"ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነበግስ ኣለና" ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

- ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ሰሉስ 26 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ።

ሓምለ

- ሓምለ 8፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ፈላምን ታሪኻውን ምብጻሕ ፈጺሙ

Image copyright Fitsum Arega
ናይ ምስሊ መግለጺ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምቅባል ናብ ጎዶናታት ኣስመራ ካብ ዝወጻ ኣዴታት

- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብ ኢትዮጰያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም፡ ኣብ ሓምለ 14 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

- ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ 9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ብመሰረት ዘውጸኣኦ 'ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን'፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ - ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ-ኣበባን ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ረቡዕ 18 ሓምለ ዳግም ጀሚሩ።

- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ብዝወሰድዎ ተበግሶን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን፡ ኣብ'ታ ሃገር ዝለዓለ "ኒሻን ዛይድ" ሸሊማቶም።

- ሃገረ ኤርትራን ሪፖብሊክ ሶማልን፡ ሰኑይ 30 ሓምለ ኣብ ኣስመራ - ኣርባዕተ ዓንድታት ዝሓዘ ሓባራዊ 'ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕግጋዝን' ከቲመን።

- ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ቀዳም 18 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

Image copyright YEMANE G/MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ክፈራረማ እንከለዋ

መስከ

- ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብ 5 መስከረም ኣብ ህንጻ ሃገር - ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕን ምድልዳልን ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ድሕሪ ምዝታዮም፡ ኤርትራ፡ ሶማልን ኢትዮጵያን ስሉሳዊ ስምምዕ ከቲመን

- ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ክልተ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይሲማ - ቡሬን ሰርሓ - ዛላምበሳን፡ 11 መስከረም ብወግዒ ተኸፊቱ።

ነዚ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ምቊራጽ ርክባት፡ ንምንቅስቓስ ህዝቢን ንብረትን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ዝተኸፍተን፡ ምስ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝተኣሳሰርን ኣገዳሲ መስመራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ከምኡ ድማ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ብኣካል ተረኺቦም ምኽፋቱ ኣበሲሮም፡ ኣሓት ህዝብታት በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስ ሓቢሮም ኣብዒሎም

ናይ ምስሊ መግለጺ ዳግም እንክራኸባ ሓጎሰን ብንብዓት ዝገልጻ ኣዴታት

- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም፡ ናይ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ዝለዓለ "ኒሻን ንጉስ ዓብዱልዓዚዝ" ተሸሊሞም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተከተመ ስምምዕ ሰላም፡ ብ16 መስከረም - ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝወደቦ ስነስርዓት ኣብ ዝተጸምበለሉ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን፡ 17 መስከረም ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ኣብ ጅዳ - ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም።

Image copyright Getty Images

- ኣብ 18 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኣስረ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብዘይ ቅድመ ኩነት፡ ክፍታሕ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

- ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ 28 መስከረም ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ፈላሚ ኣኼባ አካይዱ። እቲ ካቢነ፡ በቲ "ታሪኻዊ" ዝበሎ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደሪኾም ኣብቲ ዞባ ዝርኣዩ ዘለዉ ክስተታትን ሓፈሻዊ ዞባዊ ስትራተጅያዊ ሽርክናን ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዝገበረ ተሓቢሩ።

ምቲ

- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ብ 14ን 15ን ጥቅምቲ፡ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ሕዳር

- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ 9 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር - ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኰነን፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፤ ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

- ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሓት ታሕሳስ 2009ን 2011ን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ብይናት እገዳ ክለዓል፡ 14 ሕዳር ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።

እቲ ተላዒሉ ዘሎ ውሳነታት እገዳ፡ ኣብ 2009 ዝሓለፈ ቊጽሪ 1907፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2011 ዝሓለፈ ቊጽሪ 2023 ኮይኑ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንቚጠባ ኤርትራ ዝጸሉ ውሳነታት ዘጠቓለለ'ዩ።

- ኤርትራ ካብ 21 ክሳብ 25 ሕዳር 2018 ዕዉትን ፈላምን ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣአንጊዳ

ኣብቲ ውድድር....

ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ መጀመረታ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብደቂ ኣንስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝተኻይደ ኮይኑ፡ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ርዋንዳ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሸልስን ቤኒንን ክሳተፋ ቀንየን።

ኣብ ሓፈሻዊ ድምር ወጽኢት ኤርትራ 10 ወርቂ 6 ብሩር 5 ንሓስ ብጠቕላላ 21 ሜዳልያታት።

ደቡብ ኣፍሪቃ 2 ወርቂ 3 ንሓስ ብጠቕላላ 5 ሜዳልያታት።

ኢትዮጰያ 1 ወርቂ 5 ብሩር 4 ንሓስ ብጠቕላላ 10 ሜዳልያታት።

ናይጀርያ 1 ወርቂ 1ብሩር ብጠቕላላ 2 ሜዳልያታት

ርዋንዳ 2 ብሩር 2 ንሓስ ብጠቕላላ 4 ሜዳልያ ረኺበን ውድድረን ከምዝዛዘማ ዝፍለጥ'ዩ።

ታሕሳስ

- ብፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ (ፋርማጆ) ብዝተገብረሉ ዕድመ፡ ኣብ ታሕሳስ 12 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ሞቓዲሾ ኣትዩ፡ ቀፂሉ ብ14 ታሕሳስ ድማ ናብ ኬንያ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስትር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ሞኒካ ጁማ ተቐቢላቶ።

- ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም መንነቱ ብዘይተገልጸ ሰብ ከቢድ መጥቃዕቲ ወሪድዎ

- ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ ዶብ ዘላምበሳ ሰርሓ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብ ፌዴራል መንግስቲ ፍቓድ ንዘይብሎም ገያሾ ብ 26 ታሕሳስ ተዓጽዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ታሕሳስ 27 መስምር ራማ-ክሳድ ዒቓ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተዓጽዩ።