ኣስመራ-መቐለ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሓደ ዕዳጋ

ዕዳጋ

ኣብ መቐለ፡ ብልሙድ 'ዕዳጋ 11' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መገዲ ዝርከብ ሓደ ጎደና፡ ድሕሪ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓድሽ ሽም ተጠሚቑ ኣሎ።

'ዕዳጋ ኣስመራ' መጸውዒ ናይቲ ዓለባ፣ ጫማን ካልኦት ደቀቕቲ ነገራት ዝሽየጠሉ ዘሎ ከባቢ እዩ፤ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ቴንዳ ኣንጺፎም ይሽቅጡ።

ዳዊት ግብረእግዚኣብሄር፡ ዶብ ዛላምበሳ ምስ ተኸፈተ ኣትሒዙ'ዩ ናብ ትግራይ መጺኡ።

ቅድሚ 20 ዓመት፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝነበሩ ተጋሩ መተዓብይቱን መማህርቱን ይነብር ምህላው ኣዕሊሉና።

ንሱ ኣብ ኣስመራ ዝፈሪ 'ኢቫ' ዝተብሃለ ጫማ ሒዙ ዝመጽአ ኾይኑ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ፡ ነጸላ፣ ዙርያ፣ ማሊያ ካብ ኢትዮጵያ ብምውሳድ፡ ጎልፎ ድማ ሒዞም ከም ዝመጽኡ ይዛረብ።

ብግዚያውነት ኣብ ዝተውሃቦም ናይ ንግዲ ቦታ ድማ፡ ኣብ ወሰን መገዲ፡ ንእሽቶ ቴንዳ ተኺሎም እንካ ሃባ ይበሃሃል ኣለዉ።

"ከምቲ ዝፈራሕናዮ ዘይኮነ ጽቡቕ ሸቐጥ ኢና ረኺብና። ኢሂን ምሂን ንበሃሃል ኣለና። ንብረት ንህቦም ንብረት ይህቡና፡ ምሻጥ ኣቢዩና ኣጽንሑልና ዝበልናዮም ኽኣ ሸይጦም የጽንሑልና"

ወይዘሮ ብሪ ገብረስላሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈረየ ጫማ ሒዛ፡ ኣብ ጎኒ እቶም ኤርትራውያን ነጋዶ፡ ኣብ ሓንቲ ጽላል ረኺብናያ።

"ዶብ ተኸፊቱ ንሳቶም ምስ መጽኡ'ዩ እዚ ኸባቢ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኾይኑ" እትብል ብሪ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣስመራ ብተመጣጣኒ ዋጋ ጫማን ክዳንን ብበዝሒ ከም ዝሽየጥ ትገልጽ።

"እዚ ዕዳጋ ሰብ ይለምዶ ስለ ዘሎ ጽቡቕ ንንቀሳቐስ ኢና። ሙሉእ ሰላምን ምትሕውዋስን ደፊኡ ክቕጽል ኣለዎ። ብፍላይ ክልቲኤና ሰላም ረኺብና ብሓባር ዕዳጋ ክነሳልጥ ምኽኣልና ኣድላዪ'ዩ" ኢላ።

"ቁሩብ በሊዕኻ ደቂስካ ትሓድር"

ከም ኩሉ ኤርትራዊ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ንሃገሩ ኣገልጊሉ'ዩ። ታሪኽ እዞም ክልተ ኣህዛብ፡ ካብ ኣቦታቱ ብዝተዘንተወሉ ከም ዝፈልጦ'ዩ ዝዛረብ።

ሃገራዊ ግቡኡ ምስ ፈጸመ ናብ ንግዲ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ ዮውሃንስ፡ ካብ ዱባይን ካልእን ዝኣትው ዝነበሩ ኣቑሑ ሒዙ ክሽቅጥ ጸኒሑ።

ዓለባን ጫማን ሒዙ ዝረኸብናዮ ዮውሃንስ፡ ዶብ ምስተኸፈተ "ካብቶም ቀዲሞም ጎይዮም ዝመጽኡ'የ" ኢሉና። እቲ ዕዳጋ ዝሕልሕል ዝበለ'ኳ እንተኾነ፡ ሰላም'ዩ ዝቕድም ይብል።

"ብዓብይኡ ክንደይ ዓመት እንጽበዮ ዝነበርና ሰላም እንኳዕ መጽአ። ክንደይ ዓመት ተፈላሊዩ ዝነበረ ሓው ገጽ ንገጽ ክርእአ እንከሎ፡ ንኹሉ ባህ የብል። ይዕበ ይንኣስ ተሓባቢርካ ክትሰርሕ እንከለኻ'ዩ ደስ ዝብል።"

"ሰላም እንተልዩ እኹል'ዩ፤ ቁሩብ በሊዕኻ ደቂስካ፣ ኣዕሪፍካ ትሓድር። እንጀራ ሃልዩ ቅሳነትን ቁውም ነገርን እንተዘይሃልዩ ኩሉ ትርጉም የብሉን" ኢሉ።

ንሱ፡ ከም ካልኣይ ዜጋ ዘይቑጸረሉ፣ ቂምን ቅርሕንትን ዘይርእየሉ ከባቢ ምርካቡ እንትገልጽ፡ "በቲ ዓቕሚ ዘፍቀዶ፡ ናይ ስራሕ ቦታ ሂቦምናስ፡ ልብና ኣውዲቕና ኣንጺፍና'ኮ ንሽቅጥ ኣለና" ይብል።

ኣብ ጎኑ ፍርያቱ ሒዙ ዝቐረበ ኢትዮጵያዊ ተኽላይ ገብረ ድማ፡ ሸቂጥካ ገንዘብ ምርካብ ዘይኮነ፡ ሰላም ረኺብና ምትሕውዋስና'ዩ ልዕሊ ኹሉ ዘሐጎሰኒ ይብል።

"ልዕሊ 20 ዓመት ተፈላሊና ዝነበርና ሰባት፡ ብሓባር ንበልዕ፣ ንሰትን ንሰርሕን ኣለና። ምስ መጽኡ ፍቓድ ረኺቦም፤ ሓቢርና ድማ እናተጻወትና ንሽቅጥ ኣለና" ኢሉ።

"እንኳዕሞ እቲ ዶብ ንፋስ ወቕዖ"

27 መስከረም 2018 ዓመተ ፈረንጂ፡ ብወገን መረብ ዘሎ መስመር ራማ-ክሳድ-ዒቃ፡ ፍቓድ ወረቐት መንግስቲ ክልቲኡ ወገን እንከይሓዝካ ኣይሕለፍን ተባሂሉ እዩ።

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝጉዓዙ ኤርትራውያን ካብ ዝመሃርሉ ወይ ዝሰርሕሉ ቤት ዕዮ ፍቓድ ክሕዙ ትጽቢት ከም ዝግበር እንትግለጽ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝጉዓዙ ድማ፡ ካብ መንግስቲ ፌደራል መሕለፊ ወረቐት ክሕዙ ከም ዘለዎም ተገሊጹ ነይሩ።

ወርሒ ጥሪ ዝተኸፈተ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ድማ፡ ፍቓድ ዝሓዙ ነጋዶን ካልኦትን ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን ዘሎ ዶብ'ዩ።

ምኽፋት እዞም ዶባት፡ ፍንው ብምንባሩ፡ ሃንደበት 'መሊሱ ተዓጽዩ' ክበሃል ከሎ፡ ስምዒታት ሻቕሎትን ምጥርጣራትን እኳ እንተፈጠረ፡ ብዙሓት ግን ኣብ ዶባት ዝህሉ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ስርዓት ክሕዝ ስለ ዘለዎ፡ ግቡእ'ዩ ይብሉ።

ዳዊት ግብረእግዚኣብሄር፡ "ሕጂ ኩልና ተረዳዲእናን ተፋቒርናን ኢና። እንከይተኸፈተ'ዩ ዝኸፍአ ነይሩ'ምበር፡ ተኸፊቱ ንፋስ ስለ ዝወቕዖ ድሕሪ ሕጂ ጸገም የለን፤ እንተተዓጸወ'ውን ህዝቢ ስለ ዝኾነ ዝኸፍቶ ጸገም የብሉን" ይብል።

መንእሰይ ዮውሃንስ ብወገኑ፡ ብባህሪኡ ምንቅስቓስ ዶብ ብፍንው መገዲ ኣይቕጽልን፤ እቲ ዕዳጋ'ውን ብሓደ መስመር ክጉዓዝ ስለ ዝግባእ ክትትል ምህላው ግቡእ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"እቲ መጺኡ ዘሎ ሰላም ቅንዕና ዘለዎ ጥራሕ ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዶባት ቁጽጽር ክህሉ ንቡር'ዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ዶብ ፈንዮሞ፤ እቲ ናይ ልቢ ዕግበት ስለ ዝዓቢ ኩሉ ጎይዩ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ። ጸኒሑ ንብረት ብምልውዋጥ ጽቡቕ ሰጒሙ። ግን ኩሉ ብፍንው መገዲ ኣይቅጽልን" ኢሉ።

"ዕዳጋ ኣስመራ ንራኸብ"

እዞም ኣብዚ ዕዳጋ ፍርያቶም ሒዞም ዝረኸብናዮም ሰባት፡ ሓደ ነቲ ካልእ 'በርትዕ፣ ንተሓጋገዝ' ከምዝበሃሃሉ ኣዘንቲዎምልና።

ብፍላይ ኤርትራውያን፡ ነዚ ክፉት ናይ ዕዳጋ ከባቢ፡ ሓድሽ ካብ ኤርትራ ምስ ዝመጽአ ሰብ ንምርኻብ ከም ሓባሪ ኣድራሻ ይጥቀምሉ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ።

ብቐሊሉ ድማ፡ 'ኣብ ዕዳጋ ኣስመራ ንራኸብ' ይበሃሃሉ።

ቅያር ዓለባ ክሽምት ዝረኸብናዮ ነባሪ ከተማ መቐለ ኣቶ ሃይለ ጎይትኦም ድማ፡ ብመጠን እታ ዝረኽባ ኣታዊ ክሽምት ዕድል ከም ዝረኸበ ይዛረብ።

"ኩሉ ነገር እናኸበረ፣ ክራይ ገዛ'ውን እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ኣብ ቡቲክ ከይድና ክንዕድግ ኣይንኽእልን። ኣብዚ ዕዳጋ ግን፡ ብዓቕሚ መነባብሮይ ብዝሓሸ ዋጋ እየ ዝረክብ" ኢሉ።