ትግራይ፡ ቅርሕንቲ ሓረስቶት ዙርያ መቐለ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ?

ጥርዓን ነበርቲ ኣይናለም Image copyright Geez media
ናይ ምስሊ መግለጺ ጥርዓን ነበርቲ ኣይናለም

ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣተዋ ዙርያ መለሽ ከባቢታት ምምሕዳር ከተማ መቐለ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ምሕደራ ሕቶታት ብተደጋጋሚ ይቐርቡን ይለዓሉን።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓድነት ዝርከብ ከባቢ ኣይናለም ድማ፡ ብሓረስቶት፣ መናእሰይን ዓደግትን ተደጋጋሚ መረረትን ጥርዓንን ዝርኣየሉ ከባቢ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዘምርሑ ነበርቲ ጣቢያ ኣይናለም፡ "ብወከልትና ኣቢሉ ናብ ዝምለከቶም ኣካለት ክቐርብ ዝጸንሐ ሕቶ፡ ዝሰምዕ ብዘይምርካቡ ኢና ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኬድና" ይብሉ።

"እቶም ኣመራርሓ እኮ ንሕና ኢና እንኸዶም እምበር ንሳቶም ኣይመጽኡናን" ዝብላ መንነተን ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮና ሓንቲ ነባሪት እታ ጣቢያ፡ "ድምጺ ህዝቢ ዘይሰምዕ ስርዓት ይትከል ከይህሉ ንሰግእ" ይብላ።

ምኽንያት ጥርዓኖም ከረድኣና ዝሓተትናየን እዘን ወይዘሮ፡ ንውሕ ዝበለ ጸገማት'ዩ ዘለና ብምባል እቲ ጉዳይ ምስ ዕደላ መንበሪ ኣባይቲ መናእሰይ ዝተትሓዘ ምኻኑ ብምግላጽ፡ ተጠቃምነት እቶም መናእሰይ ብዘረጋግጽ መልክዑ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይከኣለ ገሊጸን።

ናብራ እነይ ዘውዱ ይልምልም'ሎ

ኣብ መቐለ ብስሙይ ጣልያናዊ ኩባንያ ዝተሃንፀ ፋብሪካ ተመሪቑ

"ኣብ 2003 ዕደላ ነይሩ፤ መንእሰይ ዘበለ ግን ዘይወለድካ ተባሂሉ ከይተውሃበ ተሪፉ። ኣብ 2009 ድማ መናእሰይ ክወሃቡ ይመዝገቡ ተባሂሉ ቀትሪ ምስ ለይቲ ምስ ተደኸመ፡ ወዮ ክፍለ ከተማ 'ተባሂለ ነይረ ግን ተሪፉ' ኢሉና"።

ብኸምዚ ዝጀመረ ዝብለኦ ጸገም እታ ጣቢያ፡ ሕቶ ህዝቢ ሽም እናቐያየረ ምምጽኡ ይሕብራ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንሰራሕተኛ መንግስቲ፣ ስራሕ ንዘይብሉ፣ ተኻራዪ ንዘይኮነ እናተብሃለ እናተቐያየረን እናዘንግዐን ከም ዝመጽአ ዝገልጻ እተን ወይዘሮ፡ "ቅንይ ኢሉ ተሓራሲ መሬት ዘለዎ ዝብል ሽም ክርስትና'ዩ ሒዙ መጺኡና" ይብላ።

"ተዛሪብካ ፍታሕ የለን፤ ዝተዓጽወ ማዕጾ'ዩ ዘሎ"

መሬት ዘይሽየጥ ውሱን ሃብቲ ህዝብን መንግስትን ከም ዝኾኑ ዝጠቅስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከተማታት ዘለወን መሬት ናብ ዘላቒ ማሕበረ ቑጠባዊ ተጠቃምነት ዜጋታት ከውዕላ ከም ዘለወን ይጠቅስ።

እንተኾነ፡ ኣብ ከይዲ ምስፋሕ ከተማታት ብገጠር እናተመሓደሩ ዝጸንሑ ከባቢታት ናብ ከተማ እንትኣትው፡ መሬት ምኽንያት ስእነት ሰናይ ምሕደራን ዕግበት ሕብረተሰብን ኮይኑ መጺኡን ኣሎን።

18 ዓመት ዝመልኦም ደቅና መሬት ክውንኑ ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ነበርቲ ጣቢያ ኣይናለም ድማ፡ ነዚ ዘረጋግጸሎም ከይዲ ምዝገባን ምጽፋፍን እናሓለፉ ምምጽኦም'ዮም ዝዛረቡ።

ካልእ ነባሪት እታ ጣቢያ ዝኾና ወላዲት፡ ቅድም ኢሉ 18 ዓመት ዝመልኦም መናእሰይ 140 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ይግብኦም'ዩ ተባሂሉ፡ ሽም ዝርዝሮም እንከይተረፈ ተለጢፉ ተስፋ ተዋሂቡና ነይሩ'ዩ ኢለን።

"እቲ ሕቶ ናይ መንበሪ ሕቶ'ዩ። ግን ሌይላን ጉሌይላን ኣሎ፤ ቅንዕና ዘይብሎም ጭብጢ ዝሰኣንናሎም ኣሰራርሓ ኣመራርሓታት ኢና ንርኢ ዘለና" ብምባል መረረተን ተዛሪበን።

በቲ ሓደ ገጽ መሬት ዘለዎ ወይ'ውን መንግስቲ መሬቱ ወሲዱ ዝወድኦ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መሬት ዘይብሉን 'ኣስማን' ናብ ዝብል ምዝገባ ኣትዮም ኣለው ዝበላ እተን ሽመን ክርቋሕ ዘይፈቐዳ ወካሊት እቶም ነበርቲ፡ "እዚ ኣካይዳ ርስትን ልዕል ትሕትን፡ እቲ ዘጥፋእናዮ ፊውዳላዊ ስርዓት ዝተክል ኣካይዳ ከይኸውን ይሰግእ" ክብላ ገሊጸን።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ጽቡቕ ገጽ ዘይምህላዉ ዝጠቐሳ እተን ወይዘሮ፡ "ሰባት ክንደይ መዓልቲ ደኺሞም፤ ግን'ከ ተዛሪብካ ፍታሕ የለን፡ ዝተዓጸወ ማዕጾ'ዩ" ኢለን ተስፋ ብዝቖረጸ ስምዒትን።

መንግስቲ እንታይ ይብል?

ወርሒ ሓምለ 2010፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሓደ ሰነድ መመርሒ ልምዓታዊ ምትእስሳር ከተማን ገጠርን፣ ምጽፋፍ ሃፍተ ገነትን መንበሪ ኣባይትን ክታሙ ኣንቢሩ ነይሩ።

እዚ ሰነድ፡ ኣብ ናይ ወለዶም መንበሪ ወይ መጠሻ ገዛ ሰሪሖም ናይ ዝነብሩ፣ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣተው ከባቢታት ብውህብቶን ዕድጊትን ረኺብናዮ ናይ ዝብሉ ኣካላት ዝምልከት፣ ሕቶ መጠሻን ካልእን ናይ ዝብሉ ጉዳያት ዝርዝር ዝሓዘ'ዩ።

እቶም ነበርቲ ዘልዕሉዎ ዘለው ሕቶ ድኣ በየናይ'ዩ ዝዳነ? መንግስቲኸ ንመናእሰይ መሬት ክዕድል'የ ይብል'ዶ? ንዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክባት ህዝቢ ቢሮ ልምዓት ንግድን ኢንዳስትርን፡ ኣይተ ሰለሞን ታደሰ ሓቲትና።

ሓፃቢ መኪና - ኤርትራዊ ከያኒ ኣብ መቐለ

‘ዕዳጋ ኣስመራ’ ኣብ መቐለ

Image copyright Geez Media

እቲ ጣቢያ ናብ ምምሕዳር ከተማ ዝኣተወ'ዩ፤ መሬት ዘይብሉ መንእሰይ ከተማ ድማ ብናይ ከተማ ስርዓት ኣተዓዳድላ መሬት ይተኣነገድ ዝበለ ኣቶ ሰለሞን፡ ዘለዎም ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ድማ ብማሕበር ተወዲቦም ዝፈትሕሉ ዕድል ተመቻችዩ'ዩ ኢሉ።

"ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ከተማ መሬት ብሊዝ ስርዓት'ዩ ዝተኣናገድ። ምስ ናይ መናእሰይ መጠሻ ዝምልከት፡ ኣብ ናይ ወለዶም መጠሻ መንበሪ ገዛ ሰሪሖም ዝነብሩ እንተኾይኖም፡ እታ ዝሰርሓ ግን ቅድሚ ናብ ከተማ ምእታዋ ኾይኑ ክጸድቀሉ ይግበር። ከከም ከባቢኡ ድማ 140 ሜትር ካሬ ይፍቀደሉ። ብውህብቶን ዕድጊትን ረኺብናዮ ናይ ዝብሉ ድማ፡ ትሕዝትኡ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ዘመሓላለፈ እንተኾይኑ፡ ዓዳጊ ወይ ተቐባሊ ብሊዝ ይተኣናገድ" ዝብል ምላሽ'ዩ ሂቡ።

ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብዙሓት ዘይተሰገሩ ጸገማት ከም ዘለው ብምእማን፡ "እዚ ብናይቲ ሰብ ናይ ምውሳን ዓቐዕምን ድልውነትን ዝግለጽ'ዩ ኮይኑ፡ ከከም ሰቡ ጉድለታት ኣለውና'ዮም" ኢሉ ኣቶ ሰለሞን።

መንግስቲ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ፡ ኣብ 2009 ፕሮጀክት 70 ካሬ ብምትእትታው ንቐዳማይን ካልኣይን ዙርያ ዕጫ መሬት ተዓዲሉ፡ ናብ ምዝገባ ሳልሳይ ዙርያ ተኣትዩ ኣሎ።

እዚ ትሑት እቶት ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምትእንጋድ ተባሂሉ ከም ዝተቐረጸ ዝንገረሉ ፕሮጀክት፡ መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ወነንቲ ንክኾኑ ዝዓለመ ምኻኑ ይግለጽ። ይኹን'ምበር ኣብ ነበርቲ መረረትን ቅርሕንትን ይፈጥር'ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ አዘራራቢ ዛዕባ ኾይኑ ይረአ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት